ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ዝግድብ ግዝያዊ መምርሒ ኣውጺኡ

ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን Image copyright ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን
ናይ ምስሊ መግለጺ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን

ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ምሸት ካብ መደቀሲ ክፍሎም ወጻኢ ከይንቀሳቐሱ፡ ነዚ ንምትግባር ድማ ተቖጻጸርቲ ግቡእ ክትትል ክገብሩ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ትእዛዝ ተዋሂቡ።

ተምሃሮ ዩኒቨርስታት፡ ቅድሚ ወጋሕታ ሰዓት 12 ከምኡ ድማ ምሸት ድሕሪ ሰዓት ሓደ ካብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲኦም ወጻኢ ንኸይርከቡ ውሳነ ከምዘሕለፈ ዘፍለጠ እቲ ሚኒስትሪ፡ ኣባላት ጸጥታ ፈደራልን ክልልን ነቲ መምርሒ ከፍጽሙ ትእዛዝ ተዋሂብዎም እዩ።

ኣብ ዩኒቨርስታት ዘጋጥም ዘሎ ዘይምርግጋእ ምስተቐረፈ ግን እቲ "ግዝያዊ" ዝተብሃለ መምርሒ ከምዝሰዓር ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኣይተ ደቻሳ ጉርሙ ሓቢሩ።

ኣብ ዩኒቨርስታት ደብረብርሃንን ወለጋን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተቐትሉ ክልተ ተምሃሮ፡ ካብ ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ ወጻኢ ከምዝኾነ ዘዘኻኸረ ኣይተ ደቻሳ ካብ ትምህርቶም ዝተሰጎጉ ተምሃሮ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተምሃሮ ዝኾነ ኣማራጺ ተጠቒሞም ዕግርግርን ህውከትን ንኸይፈጥሩ ተባሂሉ እቲ ግዝያዊ መምርሒ ከምዝወጽአ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2012 ኣብ ዩኒቨርስታት ብሰንኪ ዘጋጠሙ ጎንጽታት ዝሞቱ ተምሃሮ፡ መብዛሕቲኦም ኣብ መደቀሲ ክፍሎምን ቀጽሪ ውሽጥን ከምዝኾነ ዝተሓተተ ኣይተ ደቻሳ "ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ዝለዓሉ ጎንጽታት ንምፍታሕ ጸጥታዊ ማሕዋራትና ኣሕይልና ኢና ብፍላይ ዩኒቨርስታት ብኣባላት ፌደራል ፖሊስ ክሕለዋ ካብ ዝጅምር ለውጢ ኣሎ እዩ" ብምባል ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተላዕለ ሓድሽ ጎንጺ ከምዘየለ ድማ ከም መረዳእታ ኣቕሪቡ።

ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ናይ ዝተደኮና ዩኒቨርስታት ሰላም ንምውሓስ ብሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኣማእኻልነት ዓበይቲ ዓድን ሰበ ስልጣናትን ዘለውዎ ኮሚቴ ተጣይሹ ኣብ ዩኒቨርስታት ዘላቒ ሰላም ንምውሓስ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ኣይተ ደቻሳ ጠቒሱ።

ኣብ ዩኒቨርስታት ድላዩ ሓላፍነት ይሃልዎ፡ ኣብ ህውከት ሰላም ዩኒቨርስታት ኢድ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ሰብ ተሓታቲ ንክኸውን ክስራሕ እዩ ዝበለ ኣይተ ደቻሳ፡ ብሰንኪ ጎንጺ ነናብ ዓዶም ዝኸዱ ተምሃሮ ኣብ ሓጺር እዋን ነናብ ዝተመደብሉ ዩኒቨርስቲ ተመሊሶም ስሩዕ ትምህርቶም ክከታተሉ ጸዊዑ።

ሰላመን ዝተዘረገ 22 ዩኒቨርስታት ተፈልየን፤ ጠንቂ እቲ ጸገም ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ሰባት ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣይተ ደቻሳ፡ ምሉእ ሓበሬታ ኣብ ኢዱ ምስኣተወ ዕላዊ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ብተዛማዲ፡ ትምህርቲ ተቛሪጹለን ዝነበራ ዩንቨርስትታት፡ ካብ ቀጻሊ ሰሙን ጀሚረን ምምሃር ከምዝጅምራ ተገሊጹ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት