ግድብ ህዳሰ፡ ኢንጂነር አዜብ ኣስናቀ ምስ 5.1 ቢሊዮን ብር ውዕል ብዝተኣሳሰር ተኸሲሳ

ኢንጂነር አዜብ አስናቀ

ዋና ፈጻሚት ስራሕ ኮርፖሬሸን ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ነበር ኢንጂነር ኣዜብ ኣስናቀ ብኸቢድ ተግባር ብልሸውና ተኸሲሳ።እቲ ክሲ ምስ ውዕሊ ልዕሊ 5 ቢልዮን ብር ከምዝተሓሓዝ ኣብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኣይተ ዝናቡ ቱኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ኮርፖሬሸን፤ እቲ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፡ ማይ ዝዓርፈሉ 123 ሽሕን 189 ሄክታር ስፍሓት ዘለዎ መሬት ካብ ኣግራብ ንምጽራይን ናብ ካልእ ቦታ ንምውሳድን፡ ምስ ኮርፖሬሽን ሓጺነመጺንን ኢንጂነሪንግን ናይ 5.1 ቢልዮን ብር ውዕሊ ተፈራሪሙ ነይሩ።በዚ ምኽንያት መንግስቲ ከቢድ ክሳራ ከምዘጋጠሞ ዝሓበረ ኣይተ ዝናቡ፡ እታ ዋና ፈጻሚት ስራሕ እትርከቦም ካልኦት 50 ሰባት ከምዝተኸሰሱ ገሊጹ።

ካብ ሞንጎኦም፤ ኣብ ልዕሊ ምኽትል ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ሓጺነመጺንን ኢንጂነሪንግን ነበር ኮሎኔል ሙሉ ወልደገብርኤል ክሲ ተመስሪቱ'ሎ።

ኢንጂነር ኣዜብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ቁጽጽር ውዒላ እንተኾይና ኣመልኪቱ ንዝቐረበላ ሕቶ፤ "ኣብዚ ጉዳይ መልሲ ክህብ ኣይክእልን" ኢሉ ኣይተ ዝናቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ