ናይጀርያ፡ ዳዕሽ 'ንዝጨዎዮም ክርስትያን ሰይፉ'

ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ Image copyright AFP

ኣብ ናይጀርያ፡ ጉጅለ ዳዕሽ ጨውዩ ሒዝዎም ንዝጸንሐ 11 ክርስትያን ከምዝሰየፎም ብምግላጽ፡ ነዚ ዘርእይ ተንቐሳቓሲ ስእሊ ዘርጊሑ።

እዚ ጉጅለ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ ንቕትለት መራሒኦም ዝነበረ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ ሕነ ንምፍዳይ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣመሪካ ኣብ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ስሪሒት ኣብ ሶርያ ምሟቱ ይዝከር።

ብዛዕባ መንነት እቶም ግዳያት ዝርዝራዊ ሓበሬታ የለን። እንተኾነ ግን፡ ኩሉም ደቂ-ተባዕትዮ ኮይኖም፤ ዝሓለፈ ሰሙን እዮም ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ምብራቕ ክፍለሃገር ቦርኖ ተታሒዞም።

እቲ ብዳዕሽ ዝተዘርገሐ ቪድዮ 56 ካልኢት ኮይኑ፡ እቲ ጉጅለ ብዝውንኖ ማዕከን ዜና 'ዓማቕ' እዩ ተዘርጊሑ።

ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመዱ ቡሃሪ፡ ነቲ ቕትለት ብትሪ ድሕሪ ምኹናን፡ ንናይጀርያውያን ብሃይማኖታዊ ምኽንያት ከይፈላለዩ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ፕረዚደንት፡ እዞም እስላማዊ ጥሩፋት ንእምነት ኣስላም ከምዘይውክሉን፡ ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ምክፍፋል ንምፍጣር ዝጽዕሩ ዘለው ግበረ-ሽበራውያን ቦታ ክወሃቦም ከምዘይብሉ ኣዘኻኺሩ።

እቶም ግዳያት ኣብ ዘይተፈልጠ ቃልዕ ቦታ ከምዝተቐትሉን፤ ሓደ ካብቶም ግዳያት ብጥይት ክቕተል እንከሎ፤ ነቶም ዝተረፉ ኣብ መሬት ኣውዲቖም ከምዝሓረድዎም እቲ ዝወጸኣ ተንቐሳቓሲ ስእሊ የመልክት።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ዝንቐሳቐን ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ቦኮ-ሓራም፡ ካብ 2016 ምስ ዳዕሽ ተሓባቢሩ ከምዝሰርሕ ሓቢሩ ነይሩ።

እዚ ጉጅለ፡ ኣብ 2014 ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ኣብ እተርከብ ከተማ ቺቦክ 276 ተመሃሮ ካብ መደቀሲአን ድሕሪ ምጭዋዩ፡ ስም ናይ'ቲ ሽበራዊ ጉጅለ ክፍለጥ ክኢሉ።

እዚ ግበረ-ሽበራዊ ጉጅለ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ቡርኪናፋሶ፤ ካመሩን፤ ቻድ፤ ኒጀር ከምኡ'ውን ማሊ ይነጥፍ።