ቻይና፡ ኣብ ወሲባዊ ንግዲ ኣብ ዝተዋፈሩ ሰባት ዝውሰድ መቕጻዕቲ ግዱድ ዕዮ ደው ክተብል እያ

ኣብ ቀይዲ ዝወዓላ ደቂ ኣንስትዮን ዓማዊለንን Image copyright AFP

ቻይና፡ ነቲ ኣብ ምንዝርና [ወሲባዊ ንግዲ] ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮን ዓማዊለንን ክሳብ ክልተ ዓመት ክእሰሩ ዝገብር ሕጊ ክትቅይሮ እያ።

እቶም እሱራት 'ትምህርታዊ ማእከላት' ተባሂሎም ኣብ ዝጽውዑ ቤት ማእሰርቲታት፡ ናይ ቆልዑ መጻወቲን ናይ ገዛ ኣቑሑትን ክሰርሑ ይግደዱ ነይሮም።

ካብ ታሕሳስ 29 ጀሚሩ ግን እቶም ማእከላት ከምዝዕጸዉን እቶም ዝተኣሰሩ ድማ ከምዝፍትሑን ተገሊጹ።

ኣብ ቻይና፡ ሕዚ'ውን ወሲባዊ ንግዲ ንልዕሊ 15 መዓልቲ ዘእስርን 5 ሽሕ ዩዋን እታሃገርን ዘቕጽዕን ገበን እዩ።

እቲ ትምህርታዊ መቕጻዕቲ፡ ቅድሚ ዒስራ ዓመት ካብ ዝተጀመረሉ ኣትሒዙ ጽቡቕ ማሕበራዊ ሃዋህውን ስነ ስርዓትን እቲ ህዝቢ ክቕጽል ገይሩ እዩ ዝበለ መንግስታዊ ሚድያ ቻይና፡ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ግና ኣድላይነቱ እናነከየ መጺኡ እዩ ይብል።

ሓደ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣብ 2013 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ እቶም እሱራት ምስተፈትሑ ክሕግዞም ዝኽእል ሓዱሽ ክእለት ኣየማዕብሉን ኢሉ።

ቃለ መሕተት ዝተገበረለን 30 ደቂ ኣንስትዮ ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስተፈትሓ ናብቲ ዝነበረኦ ወሲባዊ ንግዲ ከምዝተመለሳን ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት 'ሂውማን ራይትስ ዎች' ፡ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ብንግዲ ወሲብ ዝተኣሰራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ክናዘዛ ተባሂሉ መግረፍቲ ከምዝፍጸመን ገሊጹ ነይሩ።

ዳይረክተር ' ኤሽያ ካታሊስት'፡ ሸን ቲንግቲንግ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲታት ዝካየድ ዝነበሮ ግዱድ ዕዮ ምትራፉ ጽቡቕ ኮይኑ፡ መሰል እተን ኣብ ወሲባዊ ንግዲ ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ንምሕላው ግን እኩል ከምዘይኮነ ሓቢራ።

ተወሳኺ ዛንታ