2019፡ አመሪካ ኣብ ታሪኻ ዝኸፍአ ጅምላዊ ቕትለት ዝተፈጸመላ ዓመት ኣሕሊፋ

ድሕሪ መጥቃዕቲ ቴክሳስ Image copyright Getty Images

ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ክትፋነው ሒደት መዓልታት ዝተረፍዋ ዓመተ 2019፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝበዝሐ ጅምላዊ ቅትለት ዝተፈጸመላ ዓመት ኮይና ተመዝጊባ።

ኤፒ፣ ዩኤስኤ ቱዴይን ዩኒቨርሲቲ ኖርዝኢስተርን ሓቢሮም ኣብ ዘካየድዎ መጸናዕቲ ዝተደረኸ መረዳእታ፤ እታ ሃገር ኣብዚ ዓመት ጥራሕ 41 ክስተታት ጅምላዊ ጭፍጨፋታት ከመዝተርአየላን፡ በቶም መጠዕቃዕትታት ድማ ብሓፈሻ 211 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን የመልክት።

ሓደ መጥቃዕቲ ጅምላዊ ቀትለት እዩ ዝበሃል ነቲ ፈጻሚ ከይሓወሰ፤ በቲ መጥቃዕቲ ኣርባዕተን ካብኡ ንላዕልን ሰባት እንትቕተሉ እዩ።

ኣብዚ ኣብ ምልኣም ዝርከብ ዓመት ንብርክት ዝበሉ ኣመሪካውያን ሞት ምኽንያት ዝኾነ፡ ኣብ ወርሒ ጉንበት ኣብ ገማግም ቨርጂንያ 12 ሰባት ብኣልማሚት ዝተቐተልሉ ሓደ ክስተት እዩ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ድማ፤ ኤል ፓሶ ኣብ ዝተብሃለ ስፍራ 22 ሰባት ዝሃለቑሉ ካሊእ ክስተት እዩ።

በቲ ዝተረኸበ መረዳእታ መሰረት፤ ኣብ'ዞም 41 ክስተታት ጅምላዊ ቕትለት ካብ 33 ንላዕሊ ዓይነታት ኣጽዋር ኣብ ግብሪ ውዒሎም።

ብብርኪ ክልላት [ ስቴትስ]፤ ካሊፎርንያ ጥራሕ 8 ጅምላዊ ቅትለታት ኣተኣናጊዳ።

ሓምሳ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ዳህሳስ ዝገበረ እዚ መጽናዕቲ ፤ ኣብታ ሃገር ድሕሪ 1970 ከምዚ ዓይነት በዝሒ ክስተታት ጅምላዊ ቅትለት ተርእዩዎ ኣይፈልጥን።

ኣብ ካልኣይ ብርኪ ዝተቐመጠት 2006 እንትኸውን፤ ኣብታ ዓመት 38 ክስተት ቅትለት ተፈጺሞም።

2019 ዝበዝሑ ክስተታት ጅምላዊ መጥቃዕቲ እንተተርአየላ'ኳ፤ ኣብ 2017 ግን ዝበዝሑ ቅትለት ተፈጺሙ ተባሂሉ።

ኣብታ ዓመት ብፍላይ ኣብ መዘናግዒ ስፍራ ላስ ቬጋስ ብዝተፈጸመ ጭፍጨፋ ፤ ኣብ ሓንቲ ጸሓይ 59 ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ሜትሮፖሊታን ሰቴት ዩኒቨርሲቲ፤ ምሁር ጉዳያት ገበናት ፕሮፌሰር ጄምስ ዴንስሊ፤ እቲ ጅምላዊ ቅትለታት ኣብታ ሃገር ዘሎ ማሕበራዊ 'ሕርቃንን ቅብጸት ተስፋን' ዝነቐለ እዩ ይብል።

ኣመሪካ ዜጋታታ ኣጽዋር ከይሕዙ እንተፈተነት'ኳ፤ ሙሉእ ንሙሉእ ጠጠው ክተብሎ ኣይከኣለትን።

ተወሳኺ ዛንታ