ኣዲኡ ዕንጸይቲ ኣርየን ዘዕበየኦ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ተቐቲሉ

ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ Image copyright University Diredawa

ናይ ሓደ ሳልሳይ ዓመት ተምሃራይ ቕትለት ስዒቡ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ተምሃሮ ነቲ ቀጽሪ ለቒቖም ክወጽኡን ንግዚኡ ትምህርቲ ክቋረጽን ወሲኑ።

ትማሊ፡ ሳልሳይ ዓመት ተምሃራይ ባንኪንግን ፋይናንስን ይሁኔ አለማየሁ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ምስተቐትለ፤ ኣብቲ ዩኒቨረሲቲ ሓያል ናዕቢ ተፈጢሩ።

ነዚ ስዒቡ፤ ምክትል ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ረዳት ፕሮፌሰር አባያ ደገፋ፡ ሴኔት እቲ ዩኒቨርሲቲ ህይወት እቶም ተምሃሮ ንምትራፍ ነናብ ገዝኦም ክኸዱ ከምዝወሰነ ንቢቢሲ ገሊጾም።

"ተምሃሮ ብዘይፈልጥዎን፡ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ምኽንያት ህይወቶም ይስእኑ ኣለዉ" ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ሓደ ተምሃራይ'ቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ደብሪ ተደርብዩ ከምዝተቐተለ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት፤ ተምሃሮ ባዕሎም ንባዕሎም ይጓነጹ ከምዝነበሩን ብበሊሕ ነገር ምውጋእ ከምዝተጀመረን ወሲኾም ተዛሪቦም።

ብፍላይ ሓደ ብኻራ ተወጊኡ ሕክምና ክግበረሉ ዝጸንሐ ተምሃራይ ዝረአዩ ተምሃሮ፤ ናብ ገዘኦም ንከኸዱ ደልዮም ኢሎም።

"ክነረጋገዖም ፈቲንና ። ግን ኣይተኽኣለን" ዝብሉ እቶም ሓጋዚ ፕሮፌሰር፤ ትማሊ ተምሃራይ ምስ ተቐትለ፡ ኣብ ቀጽሪ ከምዝነበሩን፡ እቶም ተምሃሮ ምስ ፖሊስ ናብ ጎንጺ ከምዝኣተውን ኣብሪሆም።

"እቲ ጎንጺ ተጋዲዱ ስለዝቐጸለ ካብ ቁጽጽር ሓይልታት ጸጥታ ወጻኢ ኾይኑ" ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተን ሰለስተን መዓልትታት ተምሃሮ ነናብ ገዝኦም ናይ ምፍናው ስራሕ ከምዝስራሕ ኣብሪሆም።

ዛጊድ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ተምሃሮ ይርከቡ። ብምጽነሖም ድማ ሕጉሳት ኣይኮኑን-ኢሎም።

ቅድሚ ሕዚ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ተምሃሮ ናብቲ ቀጽሪ ተመሊሶም ትምህርቶም ክመሃሩ ጻውዒት ይገብር ነይሩ። ሕዚ ድማ ተምሃሮ ነናብ ገዝኦም ክምለሱ፡ ምውሳኑ እቲ ጸገም ክንደየናይ ዓብዪ ምዃኑ የርእይ።

እቶም ምክትል ፕረዚደንት፡ ነቶም ተምሃሮ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕቲ ብዝምልከት ድማ፡ "እንተነኣሰ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ኣብጺሕናዮም፡ ካልኦት ትካላት ድማ ነናብ ቤተሰቦም ክወስዱዎም ክንገብር ኢና፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ድማ ካብ ታሕሳስ 20/ 2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ግልጋሎት ምሃብ ከቋርጽ እዩ" ኢሎም።

እቲ ዝተቐትለ ተምሃራይ መን እዩ?

ብዘይ ኣቦ ዝዓበየ ይሁኔ፡ ኣዲኡ ዕንጸይቲ ብምእራይ የምህረኦ ነይረን፤ ናይ መመረቒ ጽሑፍ እናሰርሐ ከምዝነበረ ድማ እቶም ምክትል ፕረዚደንት ይዝክሩ።

ተምሃራይ ይሁኔ ክሳብ ሐዚ ቀታሊኡ መን ምዃኑ ዘይተረጋገጸ ኮይኑ፡ ገለ ጠቐምቲ ሓበሬታታት ግን ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝበጽሑን ሓቅነት እቶም ሓበሬታታት ንምርግጋጽ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይሰራሕ ከምዘሎን ተገሊጹ።

ካብ ሆስፒታል ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እቲ ተምሃራይ ሓያል መጥቃዕቲ ምስተፈጸሞ፡ ናብ ሕክምና እናተወሰደ እንተሎ ህይወቱ ምሕላፉ የርእይ።

ተወሳኺ ዛንታ