ኣብነታዊት #8፡ ኣብ ትግራይ ካብ በለስ ማርማላታን ኩኪስን እተፍሪ ጸጋ ገብረኪዳን

ጸጋ ገብረኪዳን

ኣብ ዓለም ልዕሊ 200 ዓይነታት በለስ ኣለው። እዚኦም ብሕብሪ ዝተፈላለዩ ኮይኖም፡ ቢጫ፣ ሮዛን ጻዕዳን ሕብሪ ፍረ ብብዝሒ ከፍርዩ ይስትውዓል።

ፍረ ተኽሊ በለስ፡ 24 ሚኢታዊት መዓልታዊ ክንወስዶ ዝግብኣና ቫይታሚን ሲ፣ ካልሸየም፣ ማግኔዥየም፣ ፖታሽየምን ኮፐርን ዝሓዘ ምኻኑ ድማ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

ሳይንሳዊ መጽሄት ሞለኩለስ ብ2014 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን] ኣብ ዘሐተሞ ጽሑፍ፡ ተኽሊ በለስ ባክቴሪያ፣ ጀርምን ረኽሲን ብምክልኻል ጥዕና ጸላም ከብዲ ኣብ ምሕጋዝ ዓብዪ እጃም ከም ዘለዎ ይጠቅስ።

ብተወሳኺ፡ ምስ ካልኦት ዓይነታት ፍራምረ እንክነጻጸር'ውን 42 ሚኢታዊት ካሎሪ ከምኡ'ውን 9.9 ግራም ካርቦሃይድሬት ዝሓዘ ኮይኑ፡ መጠን ሽኮር ደም ንምቁጽጻር ከም ዝሕግዝ'ውን ይእመን።

እዚ ራሕስን ዝናብን ኣብ ዝውሕዶም ከምኡ'ውን ሓውሲ ኣጻምእ ከባቢታት ብብዝሒ ዝፈሪ ተኽሊ፡ ካብ መግብነት ሓሊፉ፡ ምጉሕጓሕ መሬት ኣብ ምክልኻል ዘይነዓቕ ግደ ኣለዎ፤ ብተወሳኺ ንነዳድን ተሓዳሲ ጸዓትን ይውዕል።

ትግራይ፡ ተኽሊ በለስ በብዝሒ ካብ ዝርከበሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ሓንቲ ኮይና፤ ኣብ ኤርትራ'ውን ይፈሪ እዩ።

እንተኾነ እዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ በለስ ንዕብየቱን ሃለዋቱን ዝውሃቦ ትኹረት ትሑት ብምዃኑን ንዝሓለፉ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ብኩችኔል ስለ ዝተጠቕዐን፡ ኣብ ሓደጋ ምብራስ ኣሎ ኢሎም ገባራት ይኣምኑ።

እዚ፡ ምሕደርኡ'ውን ባህላዊ መገዲ ብምዃኑ ክንድቲ ዝድለ ካብኡ ክርከብ ዝኽእል ጥቕሚ ምጥቃም ኣይተኽኣለን።

ጸጋን በለስን

በለስ "ወርቃዊ ሃብትና'ዩ" ኢላ እትገልጾ ናይዚ ሰሙን ኣብነታዊት ጓል ኣንስተይቲ ግን፡ ካብ በለስ ጽሟቕ፣ ማርማላታን ኩኪስን ኣብ ምፍራይ ተዋፊራ ትርከብ።

ኣብ ትግራይ በለስ ዘልዕል ሓደ ኣበሃህላ'ውን ኣሎ፤ በለስያ ዘይብሉ ሓረስታይ ዳርጋ ማይ ዘይብሉ ዋሕዚ።

ጸጋ ገብረኪዳን እብሃል፤ ኣደ ክልተ ቖልዑትን በዓልቲ ሓዳርን እየ።

ኣብ ሓውዜን ተወሊደ፤ ቆልዓ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኮንኩ ምስ ስድራይ ናብ ኣስመራ ከይደ፤ 10ይ ክፍሊ ክሳብ ዝበጽሕ ድማ ኣብ ኣስመራ ዓብየ።

ብምኽንያት ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ግን፤ ብ1993 ምስ ስድራይ ተሰጒገ ናብ ዓደይ ተመሊሰ።

ኣብቲ ግዘ፡ ትምህርተይ እንተኣቋረጽኩ'ውን ዳርጋ ዓብየ ልቢ ገይረ ስለ ዝመጻእኹ ስራሕ እናሰራሕኩ ስድራይ ክኣሊ ግድን ነይሩ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ፡ ኣብ ማሕበር እኖታት ንእኖታት [እዚ ማሕበር ብ1993ዓ.ም እንትጣየስ፡ ብቐንዱ ማሕበራዊን ቑጠባውን ፀገማት ንዘለወን ፅጉማት እኖታት ሓገዝ ይገብር]፡ ጽርየትን ተላላኪትን ኮይነ ስራሕ ጀሚረ።

መወዳእታ ዓመት 2005 [ኣቆጸጽራ ኢትዮጵያ]፡ ንዓይ ሕጂ ንዘለኹዎ ደረጃ በሪ ዝኸፍት ኣጋጣሚ ዝረኸብኩላ ዓመት እያ።

ኣብቲ ማሕበር እናሰራሕኹ ከለኹ፡ ሓንቲ ሜክሲኮኣዊት ንደቂ ኣንስትዮ ስልጠና ክትህብ ትመጽእ።

በለስ ካብ ዝፍለጠሉ ሃገር ስለ ዝመጽአት፡ ንዓና'ውን ዝተፈላለየ ዓይነት መግቢ ካብ በለስ ከመይ ክነዳሉ ከም እንኽእል ስልጠና ትህበና።

ዓርሰይ ንምቕያር ዓብዪ ድልየት ስለ ዝነበረኒ፡ እቲ ንሓደ ሰሙን ዝተውሃበና ስልጠና ብዝግባእ ተኸታቲለ፤ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት እናጋጠመኒ ድማ ቀጺለሉ።

ካብቲ ማሕበር ከይወጻእኹ ከለኹ፡ ካብ በለስ ዝዳሎ ጽሟቕ፣ ኩኪስን ካልኦትን ሰባት ክፈልጡዎ ኣብ ምግባር ብዙሕ ለፊዐ፤ ሓድሽ ነገር ስለ ዝኾነ ግን ሰብ ብቐሊሉ ቀልጢፉ ክቕበሎ ከቢድ ነይሩ።

"እንታይ'ዩ ማርማራታ ካብ በለስ?" ዝብሉኒ ብዙሓት ነይሮም። ናይ ገንዘብ ዓቕሚ'ውን ስለ ዘይነበረኒ፡ ብቐሊሉ ካብቲ ዝገጥመኒ ዝነበረ ፈተና ንምውጻእ ይጽገም ነይረ።

በለስ ኣብ ቀረባ ዝርከብ ሃብተ ገነት ብምኻኑ ግን መዓልታዊ ተስፋ ይገብር ነይረ፤ እናኸሰርኩ ድማ ሰብ ክፈልጦ ለፊዐ እየ፤ ተስፋ ቖሪጸ ግን ኣይፈልጥን።

'ታይ ትሰርሕ ኣላ?

በለስ ወርቃዊ ሓምለዋይ ሃብቲ ትግራይ'ዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ክሳብ ሕጂ ዘብዝግባእ ሰሪሕና ኣብ ረብሓ ዘየውዓልናዮ ናይ ጓጓና ሃብቲ'ዩ።

ካብ በለስ ዝስራሕ ማርማላታ ኮነ ጽሟቕ ብኸመይ እንተተሰርሐ እዩ ሰብ ክፈትዎ ዝኽእል? እንታይ ዓይነት ጻዕርን ተገዳስነትን ይደሊ? ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ብዙሕ ግዘ'የ ኣጥፊአ።

ወቕቲ ሓልዮም ኣብ ዝዳለው ኤግዚብሽናት እናቐረብኩ፡ ረብሕኡን ትሕዝትኡን ከረድእ ነዊሕ ግዘ ወሲዱለይ።

ግን ጸኒዐ ስለ ዝቐጸልኩ፡ ከምዚ ዓይነት ስራሕ'ውን ብዙሕ ደፊሩ ስለ ዘይቐጸለሉ፡ ኣነ ዝኽእሎ ሰሪሐ ንባዕለይ ለዊጠ ሕብረሰተብ ክጥቀመሉ ናብ ዝኽእል ብርኪ በጺሐ ኣለኹ።

ንብሕተይ ካብ ዝኸውን ድማ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ወሲኸ 'ጸጋን ንርአያን ሕብረት ሽርክና ማሕበር' ዝተብሃለ ናይ ማኑፋክቸሪንግ ትካል ኣቚመ ይሰርሕ ኣለኹ፤ ኣብዛ ማሕበር ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ወዲ ተባዕታይን ኣለና።

እቲ ማሕበር ብ2007 ዓ.ም ኢና መስሪትናዮ።

ቅድም ኢሉ ብምትሕብባር ፋኦን ሚኒስቴር ሕርሻን ኣብ ጣሊያን ምስ ዘርከብ ሓደ ዓብዪ ሱፐር ማርኬት ምትእስሳር ዕዳጋ ተፈጢሩልና፡ 4ሽሕ ዝኣክል ጠርሙዝ ማርማራታ ልኢኽና ኢና።

ንሳቶም ድማ፡ ብቕዓቱ ኣረጋጊጾም፡ ንሓደ ዓመት ክጸንሕ ዝኽእል ተፈጥሮኣዊ ፍርያት ምኻኑ መስኪሮም ጽቡቕ ግበረ መልሲ ሂቦምና።

ኣብ ኳታር ምስ ዝርከብ ሓደ ሱፐር ማርኬት ተዘራሪበ'ውን ክቕበሉኒ ከም ዝኽእሉ ሓቢሮምኒ ኣለው። ኣብ ውሽጢ ዓዲ'ውን ኣብ ከም ሸዋ ሱፐር ማርኬት ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሹቓት ኣእቲናዮ ነይርና ኢና። ስለዚ ኣብ ዕዳጋ ሕብረሰተብ ፈሊጡዎ ክጥቀሞ ከም ዝደሊ ርድኢት ኣለኒ።

ካብ ፍረ በለስ ዝርከቡ ውጽኢታት ብምጥቃም፡ ሕጽረት መግቢ ምክልኻልን ካብ ደገ ዝአትው ዝነበሩ ዕሹጋት መግቢታት ምንካይን ንኽእል ኢና።

ላንቅኡ ድማ፡ ሰላጣ፣ ጥብሲ፣ ድውለት ክኸውን ይክእል'ዩ፤ ጽሟቕ ጌርካ'ውን ንበይኑ ክስራሕ ይክእል'ዩ።

ግን፡ ሕጽረት መዐሸጊ ጠርሙስ ስለ ዘጋጥመና፡ ክንድቲ እንደልዮ ናብቲ ዕዳጋ ኣቲና ብዋጋ ተወዳደርቲ ክንኸውን ኣይክኣልናን። ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ንኢሱና ዘይኮነ፡ እቲ ናይ ጠርሙዝ ዋጋ ልዕሊ እቲ ንሕና ነቲ ፍርያት እንግምቶ ዋጋ ብምኻኑ'ዩ።

እንታይ ትሓስብ?

ክሳብ ሕጂ ዝፈጠርናዮ ዓብዪ ሃብቲ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ዓርስና እንኽእለሉ ስራሕ ብምፍጣር ሓድሽ ነገር ንሕብረሰተብና ክነላልዮ ግን ክኢልና ኢና።

ብማኑዋል ንሰርሕ ስለ ዘለና፡ ኣብ ቀረባ ዓቕምና ኣዕቢና ብብዝሕን ብዘመናዊ መሳርሕን ክፈሪ ዝኽእለሉ ዓቕሚ ክንፈጥር ተስፋ ንገብር። ሕጂ፡ ኣብ 'ኦን ላይን ማርኬት' አለና ኢና።

እዚ ስራሕ ዚያዳ ንምስፋሕ ሓሲብና ካብ መንግስቲ ፋይናንሳዊ ልቓሕ እንትንሓትት፡ መኪናን ገዛን ክነትሕዝ ይሓቱና። እዚ'ዩ ንዓና ዓብዪ ማሕለኻ ኾይኑና ዘሎ።

ብድሆታት ጓል ኣንስተይቲ ብዙሓት'ኳ እንተኾኑ፡ ስራሕ ክትመርሕ፣ ቆልዓ ክተዕቢ፣ ናብራ ክትመርሕ ይፍትነካ እዩ። ኣነ ብዙሕ ግዘ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ክኸይድ ከለኹ፡ ቆልዑ ገዲፈ ክወጽእ ይሳቐቕ፣ ይናፍቕ ነይረ።

ክትበጽሖ እትደሊ ደረጃ ንምርኣይን ግን ኩሉ ክትጻወሮ ኣለካ። ኣነ ጠንኪረ ኣብ ዝአመንኩሉ ጸኒዐ ክቕጽል ገይሩኒ ዝብሎ፡ ንዕውትነት ስርሐይ ስለ ዝጸናዕኹ ኮይኑ፡ በዓል ቤተይ'ውን ከም ድላለየይ ንክንቀሳቐስ ይሕግዘኒ፣ የትብዐኒ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መገዲ ኣይተረፍኩን።

መጻኢ፡ ናብ ዝሓሸ ተወዳደርቲ ዝኾኑ ፋብሪካታት ዝፈርይሉ ኢንዳስትሪ ክህልኒ እየ ዝጽዕር።

እዚ ንብዙሕ ሰብ [ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ] ዕድል ስራሕ ፈጢረ ሕብረተሰብ ዝጠቅም ክኸውን፡ ከምኡ ድማ ደቀይ ጥንካረ ዝርእያሉ ግብራዊ መምሃሪ ክኸውን ይደሊ።

ደቂ ኣንስትዮ ጥንኩራትን መሃዝቲ ስራሕን ኢና ኢለ እየ ዝኣምን፤ ካብ ማንም ዝንኣስና ኣይኮንናን።

እዚ ዘመን ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ዓብዪ ዕድል ዝህብ ስለ ዝኾነ ተስፋ ብዘይምቑራጽ፣ ዕሽሽ ከይበልና፡ 'ከመይ ኣለ ግን ክኽእሎ'የ?' ዝብል ኣተሓሳስባ ገዲፍና ዓርስና ክነዕቢ እላቦ።

ተወሳኺ ዛንታ