ኣንጎላ፡ ንብረት ጓሉ ንፕረዚደንት ነበር ዶ ሳንቶስ ከይንቀሳቐስ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ

ኢዛቤላ ዶስ ሳንቶስ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢዛቤላ ዶስ ሳንቶስ

ቤት ፍርዲ ኣንጎላ፡ ንብረት ቤልየነር ጓል ፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር ጆሰ ኢድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ፡ ከይንቀሳቐስ ኣዚዙ።

እቲ ተግባር ኣካል ናይቲ መንግስቲ ፕረዚደንት ጃዎ ሎሬንኮ ዝጀመሮ ወፍሪ ጸረ ብልሽውና ኮይኑ፡ እቲ መንግስቲ ብኢዛቤላ ዶስ ሳንቶስን ተሓባበርታን ዝተወሰደ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ንምምላስ ዝዓለመ ምዃኑ ይንገር።

እታ 2.2 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ከምዘለዋን ካብ ኣፍሪካ ዝሃብተመት ጓል ኣንስተይቲ ከምዝኾነት ዝንገረላን ኢዛቤላ ዶስ ሳንቶስ፡ ወላዲኣ ንኣንጎላ ይመርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝፈጸመቶ ምጥፍፋእ ከምዘየለ ብተደጋጋሚ ገሊጻ እያ።

እታ ጓል 46 ዓመት ቢልየነር፡ ዓበይቲ ትካላት ንግዲ እትውንንን ኮይና፡ ንህይወተይ ይሰግእ እየ ብምባል ነታ ሃገር ገዲፋ ወጺኣ እያ።

ቤት ፍርዲ ኣንጎላ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ቁጽሪ ሒሳብ ባንካ ከይንቀሳቐስን ኣብ ኩባንያ ቴሌኮም ዩኒቴልን ባንኪ ፎሚንቶ ዲ ኣንጎላ ዝነበራ ብጽሒት ክእገድን ወሲኑ ኣሎ።

ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ "ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ጥቕዓት" ክትብል ዝኾነነት ኢዛቤላ ግና፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሰራሕተኛታታ ተስፋ ከይቖርጹን ዓለምለኻውን ሃገራውን ሕግታት ተጠቒማ ነቲ ውሳነ ከምእተፍርሶ ተዛሪባ ኣላ።

ኣብ 2016 ፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር ጆሰ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንጓሉ ኢዛቤላ ሓላፊት ናይቲ ብመንግስቲ ዝውነን ኩባንያ ነዳዲ ሶናንጎል ክትከውን ድሕሪ ምሻሙ ተፈላጥነት ክትረክብ ኣኽኢልዋ'ዩ።

ኣንጎላ ካብተን ብነዳዲን ኣልማዝን ዝሃብተማ ሃገራት ዓለም ምዃና ይፍለጥ።

ይኹን እምበር፡ ፕረዚደንት ነበር ዶስ ሳንቶስ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ ንክትከኦ ባዕሉ ዝሓረዮ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ጃዎ ሎሬንኮ፡ ኣብ 2017 ካብ መዝነታ ኣባሪርዋ'ዩ።

ፕረዚደንት ሎሬንኮ ኣብ ልዕሊ ብልሽውና ተሪር መርገጺ ሒዙ ከም ዘለዎን፡ ነቲ ካብታ ሃገር ዝወጸ ብቢልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ሃብቲ ንምምዕላስ ሓያል ጻዕሪ የካይድ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ኣካያዲ ትካል ማዕከን ሃብቲ ኣንጎላ ዝነበረ፡ ሓዋ (ብሓደ ጎኒ) ጆሰ ፊሎመንተ ዶስ ሳንቶስ'ውን፡ ብብልሽውና ተኸሲሱ ይርከብ።

ኣብ መዝነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንሱን መካስስቱን፡ ኣስታት 500 ሚልዮን ዶላር ኣጠፋፊኦም ተባሂሎም ተኸሲሶም ኣለዉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ