ሕጊ ጸረ ሽበራ ኢትዮጵያ ብተቓወምትን ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ተነቒፉ

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ (ዶክተር) Image copyright AFP

ተቓወምቲ ውድባትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ ጸረ-ሽብር ነቒፎም።

እቲ ሓድሽ ሕጊ ብመንጽር ዳግመ ምምሕያሽ [ሪፎርም] ክንድቲ ክኸዶ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝተለወጠ ከምዘይኮነ እቶም ተቓወምትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሓቢሮም።

ብሓሙስ ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ፡ ነቲ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ምትእጉጓል ዝፈጥር ዝኾነ ምትእኽኻብ (ምጉጃል) ክብል ንሽበራ ዝትርጉም ነባር ሕጊ ዝትክእ እዩ።

ኣብቲ ዝተመሓየሸ ሕጊ ግን፡ ዋላ'ውን ሰራሕተኛታት ኣብ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ምትእጉጓል እንተፈጠሩ ተቓውሞ ከካይዱ መሰሎም ይሕለወሎም።

ጋዜጠኛታትን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ኣብ ቀይዲ ክውዕሉ ምኽንያት ይኸውን ዝነበረ ዓንቀጽ ድማ ኣብቲ ሓድሽ ሕጊ ከይሰፍር ተገይሩ'ሎ።

ዓለማዊ ተጣባቒ መሰላት - ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ግን እቲ ሓድሽ ሕጊ ሕዚ'ውን እንተኾነ ጥሕሰት መሰላት ንምፍጻም ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎ ይገልጽ።

ገለ ንሰብኣዊ መሰላት ዝድግፉ ባህርያት ኣብቲ ሓድሽ ሕጊ ከምዝተኻተቱ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።