ኣስተዋጽኦ ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን ኣብ ክስተተ-ንቕሓት ኤርትራ

ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን Image copyright Dawit
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን

ኣብ ከባቢና፡ በብዓይነቶም ታሪኽ ዝገደፉ ዉልቀ ሰባት ኣለዉ፣ ሓደ ካብኦም ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን'ዮም። ብዛንታ ቀሺ ተወልደመድህን ኣቢልና ዘመነ ተሓድሶን ምንቅቓሕን ብመጠኑ ብኸመይ ከም ዝጀመረን ዝቐጸለን ክንርዳእ ንኽእል።

ኣብ መፋርቕ 19 ክፍለ ዘመን፡ ቅድሚ ኢጣልያውያን ንኤርትራ ግዝኣቶም ምግባሮም፡ ስርሓት ሚስዮናውያን ኣብ ኤርትራ ሰዲሩ ነበረ።

ሽወዳናውያን ኣብ ፍሉያት ቦታታት ኤርትራ ነቝጣታት ብምምስራት-ኣብ ገለብ፡ እምኩሉ፡ በለዛ፡ ጸዓዘጋ ... ወዘተ መሰረታዊ ለውጥታት ኣተኣታትዮም ነይሮም'ዮም።

እቶም ለውጥታት ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምዝውታር፡ መሃይምነት ምጥፋእ፡ ኢደ ጥበብ ምምሃር፡ መሰረታዊ ሕክምና ምትእትታው ዝኣመሰሉ እዮም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን'ቲ ግዝኣት ሃጸይ ቴዎድሮስ ዘለቕለቕ ዝበለሉ፡ ግዝኣት ሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ ዝመጸሉ፡ ጸኒሑ ግዝኣት ሃጸይ ሚኒሊክ 2ይ ጸብለል ዝበለሉ ዘመነ ዉግኣት ስለ ዝነበረ፡ ምንቅስቓሳት ሚስዮናውያን ብቐሊሉ ኣብ ሓደጋ ዝወድቐሉን ዝትንስኣሉን ዘመን ነበረ።

ብተወሳኺ ኣብ ገማግም ኤርትራ ጽልዋታት ግብጽን ቱርክን ስለዝነበረ፡ ጸኒሑ ኸኣ ጽልዋታት ጣልያን ስለ ዝሰዓበ 'ዘመነ ሕንፍሽፍሽ' ተባሂሉ ክጽዋዕ ይከኣል።

ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ሽዑ ሕልኽላኻት ውድድራት ካቶሊካውያንን ሚስዮናውያንን (ከኒሻ) ተወሲኾዎ ነበረ። ራእሲ ኣሉላ'ውን ብግዲኦም፡ ገዛኢ ናይ መረብ ምላሽ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ብትእዛዝ ንጉስ ዮውሃንስ ንኣመንቲ ሚስዮን የሳጕጉን ይሃድኑን ነበሩ።

ምድረ ኩናማን ምድረ ኦሮሞን ብሚስዮናውያን ፍሉያት ኣትኵሮ ስለ ዝተገብረሎም ብዙሓት ስራሓት ከም ዝተሰርሑ ጥቕስ 'ኣቢልና ምሕላፎም ኣገዳሲ'ዩ።

ኣብቲ ዘመን ሕልኽልኽ ከመይ ኢሉ ዘመን ተሓድሶ ከም ዝተኣታተወ ንምግላጽ። እቲ ዛንታ ነዊሕን ዝተኣሳሰረን ስለ ዝዀነ ብሓፈሽኡ ስራሓት ሚስዮን ከመይ ኢሉ ኣብ ኤርትራ ከምኡ'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝለሓመ ንምጥቃስ'ዩ።

እምበኣርከስ፡ ኣብቲ ዘመን'ቲ ኢዮም ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን ዝተወልዱን ዝዓበዩን። ኣመንቲ ኦርቶዶክስያዊት ቤት-ክርስትያን ኰኑ ኣመንቲ ምስልምና ክኽንሹ ምርኣይ ዓቢ ምፍሕፋሕን ተጻብኦን ስለ ዝፈጠረ ገሊኡን ምስ ወንጌል እንተ ኻልኦት ድማ ምስ ባህላዊ እምነቶም ጸግዒ ብምሓዝ ግፍዕታት ዝተፈጸመሉ እዋናት ነይሮም'ዮም።

ኣመጻጽኣ ቀሺ ተወልደመድህን

ቀሺ ተወልደመድህን፡ ብ 1860 ኣብ ጸዓዘጋ ተወሊዱ፣ ኣብ ሰብዓ ዕድሚኦም (ብ1930) ከኣ ኣብ ኣስመራ ዓረፉ። ስድራ-ቤት ቀሺ ተወልደመድህን ፍሉጣት ናይ ኣርባዕተ ወለዶ ኣቕሽሽቲ ተዋህዶ'ዮም ነይሮም።

ኣቦኦም ቀሺ ገብረመድህን ተስፋይ፡ ሓወቦኦም ቀሺ ሓይለኣብ ተስፋይ ጽኑዓትን ብጽቡቕ ዝዝከሩን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓድን ኢዮም ነይሮም፤ ድሓር'ዮም ከኒሾም።

ታሪኽ ቀሺ ተወልደመድህን ኰነ ታሪኽ ስድራኦም ኣብ ቀሺ እዝራ ገብረመድህን (ምስ ካርል ዮሃን ሉንድስትሮም) ዝጸሓፍዎ 'ከኒሻ' ዘርእስቱ መጽሓፍ ንረኽቦ። ከምኡ'ውን ኣብቲ ጉስታቭ ኣረን ዝተባህለ ሽወደናዊ ዝጸሓፎ 'ኢቫንጀሊካል ፓዮኒርስ' (Evangelical Pioneers in Ethiopia) ክንረኽቦ ንኽእል።

ብተወሳኺ ብዛዕባ ቀሺ ተወልደመድህን ብቋንቋ ሽወደን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ኣሎ፣ ብዛዕብኦም ፍሉይ ሓተታ ኣብ 'ኢንሳክሎፒድያ ኢትዮፒካ' እውን ሰፊሩ ንረኸቦ።

ቀሺ ተወልደመድህን ኣገልጋሊ ቤተ-ክርስትያን፡ መራሕ-ምእመናን፡ መምህርን ተርጓማይን (ኣራምን) ነበሩ። ኣብ ቋንቋታት ምጽናዕ ፍሉይ ተውህቦ ስለ ዝነበሮም ክሳብ ሎሚ ብኣድንቖት ይዝከሩ'ዮም።

ሓደ ሰብ ቋንቋታት ትግረ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ዓረብኛ፡ ግሪኽ፡ እብራይስጢ፡ ጣልያን፡ ሽወደን ይፈልጥ'ዩ ክበሃል ከም ጽዉጽዋይ ኢና ንወስዶ። ቀሺ ተወልደመድህን ግን ተጊሆም ነቶም ቋንቋታት ብምጽናዕ፡ ነቲ ናይ ቋንቋታት ፍልጠቶም ከኣ ኣብ ምትርጓምን ምእራምን መጽሓፍ ቅዱስ ብጽቡቕ ተጠቒሞምሉ'ዮም።

መማህርቲ ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን

ኣብቲ ዘመን'ቲ ክህነት ዝተቐበሉ ኤርትራውያን ዳርጋ ኣይነበሩን፣ እቶም ኣቕሽሽቲ ኩሎም ሽወደናውያን'ዮም ነይሮም።

ብርግጽ ቀሺ ሰሎሙን ዓጽቁን ቀሺ ዘራጽዮን ሙሰ ዝበሃሉ - ኣቦታት ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ - ከቝሩቡ ዝኽእሉ ኣቕሽሽቲ ነይሮም'ዮም።

ሳልሳዮም ድማ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ ዝተባህሉ፡ ኣብ ሽወደን ንፈለማ እዋን ክህነት ዝተቐበሉ እውን ነይሮም'ዮም።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ 1880'ታት ንዮሃነንሉንድ (ሽወደን) ንትምህርቲ ዝተላእኩ ኤርትራውያን ተምሃሮ፡ ካብ ጸጋም ንየማን ...

በዓል ቀሺ ሰሎሙን ዓጽቁን ቀሺ ዘራጽዮን ሙሰን ኣቦታት ጥራይ ዘይኰኑስ መሰረት ናይ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስታያን ኤርትራ ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ብትምህርቲ ተዀስኲሶም ዘገልገሉ ኸኣ ኣተግበርቲ ዕላማ ማሕበር ነበሩ።

ሃይለሚካኤል ኪዳኑ (1856-1919) መምህርን ወንጌላውን ነበሩ። ብ 1877 ብኣገልግሎት ሚስዮን ንዓድዋ ተላእኹ። ብድሕሪኡ ስነ-ሃይማኖት ንክመሃሩ ንሃገር ሽወደን ተላእኩ (1881-1886)። ናብ ኤርትራ ምስ ተመልሱ ኣብ እምኩሉ ኣገልገሉ፣ ክሳብ 1917 ከኣ ኣብ በለዛ መሃሩ።

ማርቆስ ግርማይ (1862-1924) ብዓቕሚ ትምህርቶም ኣብ ሽወደን ብልጫ ዝረኸቡ ወንጌላዊ ነበሩ። ክህነት ከኣ ኣብ ኡፕሳላ ዝተባህለ ከተማ (ኣብ ሽወደን) ብ1889 ኢዮም ተቐቢሎም።

ከም ቀሽን መምህርን ኰይኖም ኣብ ኡምኩሉ፡ ጸዓዘጋ፡ ኣስመራ ኣገልገሉ። ብድሕሪኡ ኣብ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ብምእታው ስርሖም ቀጸሉ፣ ብ 1924 ከኣ ኣብ ሃገር ሽወደን ዓረፉ።

ናትናኤል ሓገና ጂጎ ኣብ ቲካ ዝበሃል ምድረ-ኩናማ ተወሊዶም ስነ-ሃይማኖት ንክምሃሩ ብ 1884 ንሽወደን ምስ ተላእኩ ኣብ ሓጺር ዕድሚኦም፡ ትምህርቶም ከይጨረሱ ብሕማም ምኽንያት ኣብኡ ሞቱ። ኣብ ስቶኮልም ኸኣ ተቐብሩ።

'ክህነት ኣይቅበልን'የ!'

ቀሺ ተወልደመድህን ሓያል ነይሮም ይበሃል። ናይ ስነ-ሃይማኖታዊ ትምህርቶም ኣብ ሃገረ ሽወደን ኣደልዲሎም ንኤርትራ ምስ ተመልሱ፡ ኣብ እምኩሉ፡ ሕርጊጎ፡ ገለብ፡ ኣስመራ ከም መምህርን ወንጌላውን ኰይኖም ኣገልገሉ።

ጉስታቭ ኣረን ከም ዘዘንትዎ፡ ኣብ ግቡእን መሰልን ረጊጾም ንሽወዳናውያን ይምክትዎም ከም ዝነበሩ ይጠቅስ።

ንኣብነት፡ ካብ ሽወደን ዝተመልሱሉ እዋን፡ ዶሞዝ መሳርሕቶም ብምርኣይ 'ኣነ'ውን ማዕረ መሳርሕተይ ዶሞዝ ክወሃበኒ ይግባእ' ብምባል ግቡኦም ከም ዝሓተቱ ነንብብ።

ነቲ መስርሕ-ዶሞዝ ንምምሕያሽ ከኣ ብዝተኻእሎም መጠን ሞጒቶም'ዮም። ምስ'ቶም ምስኦም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ሽወደናውያን ጥራይ ዘይኰነስ ምስ'ቶም ኣብ ሽወደን ዝነበሩ ኣማሓደርቲ ቤተ-ክርስትያን ብደብዳቤ ሞጒቶምሉ'ዮም።

በቲ እዋንቲ ንድልየትን ስርሓትን ፈረንጂ ምምካት ቀሊል ከም ዘይነበረ ክንግምት ንኽእል። ብጻዕሮም ከኣ ምምጥጣን ዶሞዝ ከም ዝተኣታተወ ጉስታቭ ኣረን ኣብ መጽሓፉ ይጠቅስ።

እዚ እንታይ'ዩ ዘርኢ፡ ቀሺ ተወልደመድህን ድሕር ዝብሉ ሰብ ከም ዘይነበሩ። ተመሳሳሊ ጕዳይ ኣብ ካልእ መዳይ'ውን ኣብ'ዞም መጻሕፍቲ ይጥቀሰ'ዩ። ኣቦይ ቀሺ 'ክህነት ኣይቅበልን' ዝበልሉ እዋን ነይሩ'ዩ።

ቀሺ እዝራ ኣብ መጽሓፎም ከም ዝገለጽዎ፡ ቀንዲ ዕላማ ኣቕሽሽቲ ሽወደን ብዝሒ ምእመናን ንኽዓቢ ዘይኰነስ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ንወንጌል ንኽቕበሉ ነበረ። እቲ ዕላማ ኣብ ሽቶኡ ንኽወቅዕ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽቅበልዎ፣ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽቅበልዎ ድማ ንከንብብዎ ክበቕዑ፣ ንከንብብዎ ድማ መሃይምነት ክቐትሉ ከም ዝነበሮም ብምስትውዓል ሓይሎም ኣብ ፊደል ምቝጻር ዘንበለ። ሚስዮናውያን ከኣ እቲ ሜላ'ቲ ተዓወትሉ።

ናይ ቀሺ ተወልደመድህን (ቅድሚ ምቕሻሾም) ኵነታት ግን ዝተፈልየ ነበረ። ኣይኰነንዶ ፊደል ግዕዝ፡ ፊደላት ላቲን ግሪኽ እብራይስጢ ንክቘጽሩ በቒዖም ዝነበሩ በዓል ፍሉይ ክእለት ነበሩ።

ስነ-ሃይማኖት ብቋንቋ ሽወደን ኣብ ሃገር ሽወደን ዝተማህሩ፣ ቋንቋ ጣልያን ዝመልኩ፡ ቋንቋታት ግሪኽን እብራይጥን ዝተማህሩ፡ ካብ ቋንቋታት ትግረን ትግርኛን ሓሊፎም ድማ ቋንቋታት ኣምሓርኛን ዓረብን ዝተማህሩ ሊቅ ነበሩ።

ቀሺ ተወልደመድህን ኣብ ኣስመራ ዝነበርሉ እዋን፡ ክህነት ንክቕበሉ እቶም ሽወደናውያን ኣመሓደርቲ ቤተ-ክርስትያን ሓረይዎም። ንሶም ካብ'ቶም ብሉጻት ሕጹያት ዝዀንሉ ምኽንያት ብትምህርቶም፡ ብዓቕሞም፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ከኒሻ ኸኣ ክቡርን ሕፉርን ስለ ዝነበሩ'ዩ።

ሽወደናዊ ቀሺ ኣንደርስ ስቨንሶን፡ ቀንዲ ኣማሓዳሪ ኣብ ኤርትራ፡ ክህነት ንከልብስዎም ተመዘዙ። ቀሺ ተወልደመድህን ግን 'ኣነ ኣብ ሃገር ሽወደን እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ኤርትራ ቅሽነት ብመሳርሕተይ ኣይቅበልን' ብምባል ኣበዩ።

በዚ ምኽንያት ምስ'ቶም መራሕቲ ክቃደዉ ኣይከኣሉን፣ እቲ ጕዳይ ከኣ ተመጠጠ፡ ኣብ ላዕለዎት ሰብ-ስልጣን ቤተ-ክርስትያን ከኣ በጽሐ። ቀሺ ተወልደመድህን ግን ጸኒዖም መጐቱ።

ኣብቲ እዋን'ቲ እቲ ማሕበር ኣመንቲ ኣቕሽሽቲ የድልይዎ ስለ ዝነበሩ ንጊዜኡ እቲ መስርሕ ተሰናኸለ፣ ብጻዮም፡ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ፡ ኣብ ሽወደን ክህነት ካብ ተቐበሉ ንሶም'ውን ከምኡ ይግብኣኒ በሉ። እቲ ጕዳይ ኣብ'ቶም ዝለዓሉ ኣመሓደርቲ ስለ ዝበጽሐ ሽወደናውያን ኣብ መዋጥር ኣተዉ።

ቀሺ ተወልደመድህን "ኣነ ካብ ኢድ ኣቡን እንተዘይኰይኑ ክህነት ኣይቅበልን'የ" ኢሎም መጎቱ። ቀሺ ስቨንሶን፡ እቶም መሳርሕቶም፡ ናይ ኣቡን መዓርግ ኣይነበሮምን።

እቲ ጕዳይ ጸገማት ስለ ዝፈጠረ ኣብ ነዊሕ ክትዕ ኣተወ፣ ንሽድሽተ ዓመት ዝኣክል ስለ ዘይተፈትሐ ስርሓት ሚስዮን ዛሕተለ፣ ኣብ መጨረስትኡ ግን ኣብ ልዝብ ከም ዝብጻሕ ተገብረ።

ብ1908 ኣዶልፍ ኮልሞዲን ዝበሃሉ ወንጌላዊ ንኤርትራ ክበጽሑ መጹ። ኮልሞዲን ዳይረክተር ናይቲ ጽውዓ (ሚስዮን)፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር፡ ሓለቓ ናይ ቤት-ትምህርቲ ሚስዮናውያን ስለ ዝነበሩ መዓርጎም ክብ ዝበለ ነበረ።

ምስ ቀሺ ተወልደመድህን ድሕሪ ምዝርራቦም ንሶም ክህነት ከልብስዎም ተሰማምዑ። ኰይኑ ድማ ብ 1909 ኣብ ኣስመራ ተቐብኡ።

እቲ ጕዳይ ብምፍትሑ ካልኦት ኣቕሽሽቲ ንክቅብኡ መገዲ ፈጠረሎም፣ ብኡ ኣቢሉ ድማ እቲ ቤተ-ክርስትያን ክዓቢ ከኣለ።

ስድራ-ቤት ቀሺ ተወልደመድህን

Image copyright Dawit
ናይ ምስሊ መግለጺ ስድራ-ቤት ቀሺ ተወልደመድህን

ኣቦይ ቀሺ ናይ ትምህርቲ ሰብ ስለ ዝነበሩ፡ ኣርሒቖም ይሓስቡ ኸኣ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ እዋንቲ ዝገበሩ ገይሮም ንኽልተ ደቆም ኣብ በይሩት ከይዶም ክመሃሩ ገበሩ። ይስሓቕን ኤፍሬምን ከኣ ብቑዕ ትምህርቲ ክረኽቡ ከኣሉ።

ኤፍረም ተወልደመድሂን ብ1913 ኣብ በይሩት ተማሂሮም፡ ኣብ በለዛን ኣስመራን ከኣ ክሳብ 1922 ኣገልገሉ። እቶም ኣብ ኤርትራ ብሚስዮናውያንን ካቶሊካውያንን ዝተማህሩ ሰባት ብኢትዮጵያ ይጥለቡ ስለ ዝነበሩ፡ መምህር ኤፍሬም ተወልደመድህን ንክምህሩን ንራእሲ ተፈሪ ንኸገልግሉን ብ 1923 ናብ ኢትዮጵያ ገዓዙ።

ካብ ምምሃር ናብ ሰራሕተኛ-መንግስቲ ምስ ሰገሩ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ሃጸይ ሃይለስላሴ ተቘጽሩ፣ ብድሕሪኡ ኸኣ ናይ ብላታንጌታ ሽመት ተዋሂቦም ከም ዲፕሎማት ክሳብ ጊዜ ሞቶም ኣገልገሉ።

መምህር ይስሓቕ ተወልደመድህን ኣብ ትምህርቲ ዓለም ኤርትራ ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ክቡር መምህር ነበሩ። ብስሞም ቤት-ትምህርቲ ይስሓቕ ተወልደመድህን ዝተባህለ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ኣስመራ ይርከብ።

መምህር ይስሓቕ ብ 1889 ኣብ ገለብ ተወልዱ። እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ይገዝኣሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ትምህርቲ ብዝሓሸ ኣገባብ ክተኣታቶ ጀመረ።

ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ከተማታት ሰጊሮም ኣብ ገጠራት ክህነጹ ጀመሩ፣ ምስኡ ኸኣ መምህራን ሰልጠኑ። መጀር ኪንስቶን ስነል ዝተባህለ እንግሊዛዊ ሓላፊ ትምህርቲ ምስ ኰነ፡ ንመምህር ይስሓቕ ከም ምኽትሎም ቈጸርዎም።

ዛንታ መምህር ይስሓቕ ነብሱ ዝኸኣለ ዛንታ'ዩ፣ እንግሊዝ ካብ ኤርትራ ምስ ወጸ ሓላፊ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ክዀኑ በቕዑ፣ ኣብ ዓውደ-ትምህርቲ ዘበርከትውዎ ስራሕ ከኣ ኣዝዩ ዓቢ'ዩ፣ ሓደ ካብ'ኦም ቤት-ትምህርቲ ኣዋልድ ብምኽፋቶም'ዩ። መምህር ይስሓቕ ብ 1978 ኣብ ኣስመራ ዓረፉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት