ኣብ ኢራን ብዝወደቐት ነፋሪት መጓዓዝያ መገዲ ኣየር ዩክሬን 176 ሰባት ሞይቶም

እታ ነፋሪት ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬን፡ ናብ ኬየቭ እያ ትጓዓዝ ነይራ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እታ ነፋሪት ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬን፡ ናብ ኬየቭ እያ ትጓዓዝ ነይራ

ቦይንግ-737 ዝዓይነታ፡ 176 ሰባት ዘሳፈረት ናይ ዩክሬን ነፋሪት ኣብ ኢራን ከምዝወደቐት መራኸብቲ ብዙሓን እታ ሃገር ጸብጺበን።

ብዓለምለኻዊ መገዲ ኣየር ዩክሬን እትውነን ነፋሪት፡ ኣብ ከተማ ቴህራን ካብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ኢማም ኮሜኒ ምስተበገሰት ብዙሕ ከይጸንሐት እያ ወዲቓ ኢሉ ሃገራዊ መደብር ዜና ፋርስ።

እታ ነፋሪት ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬን ኬየቭ እያ ትጓዓዝ ነይራ። ዝበዝሑ ተሳፈርቲ ድማ ኢራናውያንን ካናዳውያንን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

ሚንስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኡክሬን ከምዝሓበሮ፡ ግዳያት እቲ ሓደጋ 82 ኢራናውያን፣ 63 ካናዳውያን፣ 11 ዩክሬናውያንን [ትሸዓት ኣባላት ዝርከብዎም]፣ 11 ስዊድናውያን፣ 4 ኣፍጋኒስታውያን፣ 3 ብርጣናውያንን 3 ጀርመናውያንን እዮም።

ምውዳቕ ናይታ ነፋሪት ምስ ጎንጺ ኢራንን ኣመሪካን ዝተሓሓዝ ድዩ ዝብል ንጹር ኣይኮነን።

Image copyright AFP

ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ እታ ነፋሪት ኣብ ዝወደቐትሉ ጥቓ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተዋፊሮም ኣለዉ።

ሓላፊ ቀይሕ ወርሒ ኢራን፡ ካብቲ ሓደጋ ዝድሕን ሰብ ክህሉ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘየለ ገሊጹ ነይሩ።