ኣብ ብዙሓት ከተማታት ምዕራብ ኦሮሚያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ተቛሪጹ

ምዕራብ ኦሮሚያ

ካብ መፈለምታ ናይዚ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከምኡ ድማ ኣገልግሎት ሞባይል ስልኪ (ቴሌፎን) ተቛሪጹ'ሎ።

ኣብ ኣርባዕቲኦም ዞባታት ወለጋ፡ ማለት'ውን ምዕራብን ምብራቕን ወለጋ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሆሮጉድሩን ቄለምን ወለጋ፡ ኢንተርኔት ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቛረጸ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ምዕራብ ወለጋን ቄሌም ወለጋን ድማ፡ ኢንተርኔት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣገልግሎት ሞባይል ስልኪ እውን ኣይሰርሕን።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ነቀምትን ሻምቡን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ተቛሪጹ ከምዘሎ ገሊጾም።

ብመንግስቲ ዝመሓደር ኢትዮ ቴሌኮም፡ ብዛዕባ ምቁራጽ እቲ ኣገልግሎታት ዝሃቦ ዝኾነ መግለጺ የለን።

እቲ ኸባብታት፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝነጥፉ ዕጡቓት ዝንቀሳቐሱሉን ብዙሕ ግዜ ጎንጽታት ዝረኣየሉን ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት (ሓይሊ ዕማም) ዝመሓደር ዘሎ እዩ።

Image copyright LAKRUWAN WANNIARACHCHI

ውሃቢት ቃል ኢትዮ ቴሌኮም፡ እቲ ትካል ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶ ከምዘይህብ ንቢቢሲ ድሕሪ ምግላጽ፡ ወግዓዊ መግለጺ ከምዘውጽእ ግን ጠቒሳ።

እቲ ኣገልግሎት ዝተቛረጸሉ ከባብታት፡ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝተፈንጨሉ ዕጡቓት ዝንቀሳቐስሉ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ቅትለት ሰብመዚ መንግስቲ ከጋጥም ዝጸንሐ ኮይኑ፡ መንግስቲ ገለ ካብቶም መጥቃዕትታት፡ በቶም ዕጡቓት ዝፍጸሙ እዮም ብምባል ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።

ገለ ውሃብቲ ርእይቶ ድማ፡ መንግስቲ ኣብቲ ከባብታት ኣብ ዘካይዶም ስርሒታት ልዕሊ ዓቐን ሓይሊ ይጥቀም እዩ ብምባል ይኸስዎ።

ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓትን ቀጻሊ ውግኣት ከምዝካየድ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ ግን ዝሃቦ ዕላዊ መግለጺ የለን።

ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ኢትዮ ቴሌኮም ዝኾነ ሰብ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እቲ ኣገልግሎት ናይ ምቁራጽ ውሳነ 'ካብ ላዕሊ ብደረጃ ሃገር' ዝተወሰደ ምዃኑ ጠቒሱ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት