ኣባል ኣልሸባብ ነይረ ኢሉ ዝተናዘዘ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

እቲ ሰብኣያ ኣበናይ ቤተ-ክርስትያን ከይዱ ከምዝተናዘዘ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን Image copyright Getty Images

ኣብ ኬንያ፡ ከተማ ሞምባሳ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከይዱ ኣባል እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ነይረ ኢሉ ምስ ተናዘዘ ብፖሊስ ተኣሲሩ።

ማዕከናት ዜና ኬንያ ከምዘቃልሕዎ፡ እቲ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ ምስ ተናዘዘ፡ እቲ ቀሺ ፖሊስ ጸዊዑ ከምዘእሰሮ ሓቢረን። እቲ ሰብኣይ ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ኣልሸባብ ከምዝነበረ ነቲ ቀሺ ነጊርዎ።

ትማሊ ሰሉስ፡ እቲ ኣብ ሞምባሳ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ፡ ፖሊስ መርመርኦም ክሳዕ ዝውድኡ ን10 መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሕ ወሲኑ'ሎ።

ብመሰረት ማዕከናት ዜና ኬንያ፡ ንኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ጥርጡር ንካልኦት ጥርጡራት ኣብ ምሓዝ ክሕግዝ ዝኽእል ሓበሬታ ክህብ ድልው ምዃኑ ኣረጋጊጹ'ሎ።

እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ግን፡ ስም እቲ ጥርጡርን ቤተ-ክርስትያንን ብንጹር ካብ ካብ ምጥቃስ ተቖጢቦም ኣለው።

ብመሰረት ሕጊ ቀኖና፡ ካቶሊካውያን ካህናት ብዛዕባ እቲ ዝሰምዕዎ ምስጢረ ንስሓ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክህቡ ክልኩል እዩ። እንተኾነ ግን፡ እዚ ሕጊ ኣብ ሉተራዊት ወንጌላዊት ቤተክርስትያንን ካልኦት ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያንን ኣይትግበርን እዩ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመን ሓደ ወተሃደርን ክልተ ኮንትራክተራትን ከምዝቐተለ ይፍለጥ።

ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ካልኦት ክልተ ኣባላት ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ከምዝቖሰሉ'ውን ሰብመዚ እቲ መዓስከር ገሊጾም ነይሮም።

እዚ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላሙ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ ሰራዊት ኬንያን ኣሜሪካን ዝጥቀምሉ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት