ኤርትራውያን ስለምንታይ እዮም ስዊዘርላንድ ዘጽደቐቶ እገዳ ጉዕዞ ስደተኛታት ተቓዊሞም?

ዶክተር ዳንኤል ረዘነ Image copyright Björn Tunbäck
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶክተር ዳንኤል ረዘነ

መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ዘለዎም ስደተኛታት ብናይ ጉዕዞ መረዳእታ ማለት እውን 'ትራቭል ዳክመንት' ናብ ጎረቤት ሃገሮም ንከይጓዓዙ ዝእግድ ሕጊ ኣፅዲቑ። በዚ መሰረት ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንከይጓዓዙ ዝተኸልከሉ ብዙሓት ኤርትራውያን ነዚ ሕጊ ክቃመዎ ይረኣይ ኣሎ።

ኣባል ሰብሞያ ሕጊ ኤርትራውያን ዶክተር ዳንኤል ረዘነ እዚ ሕጊ ንኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ስደተኛታት ኩሎም ዝጥምት ከምዝኾነ እዩ ዝገልፅ።

"እዚ ሕጊ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ጀሚሮም ይዘራረብሉ ነይሮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ፀዲቑ። ካብ ሓደ ጥሪ 2020 ኸኣ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ ዝብል መደብ ነይሩ" ብምባል፡ ሕጂ እዚ ሓድሽ ሕጊ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ኣቆፃፅራ አውሮጳውያን ጀሚሩ ኣብ ተግባር ክውዕል ከምዝተወሰነ ሓቢሩ።

ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ዝሓተተ ስደተኛ፡ ብዝኾነ መገዲ ናብ መበቆል ሃገሩ ክኸይድ ከምዘይኽእል ዝገልፅ እዚ በዓል ሞያ ሕጊ፡ እዚ ሓድሽ ሕጊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ካብ ዝስማዕ ንደሓር፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣንፃር እዚ ሕጊ ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።

"ንኤርትራውያን ብጣዕሚ እዩ ኣጨኒቕዎም ዘሎ። ምኽንያቱ ብዙሕ ኤርትራዊ ናብተን ናይ ኤርትራ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኾና ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ብብዙሕ ምኽንያታት ብዙሕ ሰብ ዝገሸለን እየን። ሕጂ ግና ናብ ኢትዮጵያንን ሱዳንን ምጋሽ ክኽልከል ማለት እዩ" ብምባል ኤርትራውያን ናብተን ሃገራት ብምምራሕ ስድርኦም ዝረኽብሉ ዕድል ዝመንመነ ከምዝኾነ የረድእ።

ስደተኛ ዝበሃል ምስቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ መንግስቲ ፖለቲካዊ ፀገም ዘለዎ እዩ። እዚ ማለት እንተስ ብፖለቲካዊ ርኢቶ፣ ብሃይማኖት፣ ወይ ብኻልእ፡ መሰረታዊ መሰልካ ዝግህስ መንግስቲ ስለዝሃድነካ ተባሂሉ እዩ፡ ናይ ዑቕባ መሰልካ ዝሕለወልካ ዝብል እቲ በዓል ሞያ ሕጊ፡ ብመሰረት እዚ፡ ሓደ ሰብ እቶም ዑቕባ ዝሃብዎ መንግስቲ ብዘይፈልጥዎ ኣገባብ እንድሕር ናብ ሃገሩ ዝኸይድ ኮይኑ፡ የታልል እዩ ዘሎ ይብል።

ይኹን'ምበር በዚ መገዲ ናብ ሃገሮም ዝኸዱ ውሑዳት ከምዝኾኑን ንኹሎም ስደተኛታት ከምዘይውክሉን ድማ ይገልፅ።

"እቲ ሕጊ ኣብ ስደተኛታት ፅልኢት ብዘለዎም'ዩ ማዕቢሉ"

ዛጊት እዚ ሕጊ ንምንታይ ኣድልዩ? ኣብ ዝብል፡ ብጉዳይ ስደተኛታት እታ ሃገር ዕላዊ ዝኾነ ምኽንያት ከምዘይተውሃበ ዝገለፀ ዶክተር ዳንኤል ረዘነ፡ እዚ ሕጊ ካብ መፈለምታ፡ "ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ፅልኢ ብዘለዎም ኣካላት" እዩ ማዕቢሉ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ።

"እቶም ስደተኛታት ዝፀልኡ ፖለቲካውያን ውድባትን (ሰልፍታት) ንጡፋት ፖለቲከኛታትን እታ ሃገር ግና ነዚ ከም ምኽንያት ብምጥቃም ኣንፃር ስደተኛታት ዘቕነዐ ፖሊሲታትን ሕግታትን ንክትግበር፡ ይሰርሑ ኣለዉ" ኢሉ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዚ ዓይነት ሕጊ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክወፅእ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን። ቅድም ክብል እውን መንግስቲ ኖርወይ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ብናይ ጉዕዞ መረዳእታ ንከይንቀሳቐሱ ዝእግድ ሕጊ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ይዝከር።

እዚ ምስ ናይ ሕጂ ሓድሽ ሕጊ ስዊዘርላንድ እንክነፃፀር ክንደየናይ ኣብ ተግባር ክውዕል እዩ ንዝብል ሕቶና ክምልስ ከሎ፡ ዶክተር ዳንኤል፡ "ብዝተወሰነ ዓቐን በቲ ዝደልይዎ መገዲ ይሰርሐሎም ከምዘሎ እየ ዝርዳእ። ምኽንያቱ ሕጂ ደፊሩ ዝኸይድ ሰብ የለን።

"ንኣብነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ብዙሕ ሰብ እዩ ካብ ስዊዘርላንድ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ፤ መዕርፎ ነፈርቲ ክሳብ ዝገርሞም። ምኽንያቱ እቲ ሰብ እቲ ዕድል ከይተዓፀወ ክጥቀመሉ ስለዝደለየ"

እዚ ኣካይዳ መሰል ስደተኛታት ዝጥሕስ ብምዃኑ፡ መፍትሒ ንኽረክብ ሰብ ሞያ ሕግን ካልኦትን ይሰርሑ ከምዘለዉ ድማ ይጠቅስ።

ናብ መበቆል ሃገርካ ኢኻ ከይትኸይድ ክትኽልከል ዘለካ እምበር፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት'ሲ ቅቡል ዝኾነ ናይ መገሻ ምኽንያት እንድኣሃልዩካ ስለምንታይ ትኽልከል? ኢሉ ዝሙግት በዓል ሞያ ሕጊ ዶክተር ዳንኤል፡

"ብዙሕ ሰብ እታ እንኮ ስድርኡ፣ ፈተውቱ ወይ ኣሕዋቱ ክርእይ ዝኽእል፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምምፃእ እዩ። ስለዚ ንኸምዚ ዓይነት ሰብኣዊ ዝበሃሉ ጉዳያት ኣብ ግምት ዘየእተወ ስለዝኾነ፡ ክዕረየሉ ዝኽእል መገድታት እንተልዮም ወይ መፍትሒ ክርከበሉ ዝኽእል መገድታት እንተሎ፡ ምስ ዝምልከቶም ማሕበራትን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ዝግደሱ ኣካላትን ንዘራረበሉ ኣለና" ብምባል እቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ከይዲ ገሊፁልና።