ኤርትራ: 'ሃገራዊ ኣገልግሎት ውሑድ ህዝቢ ናይ ሓባር ጾር ዝስከመሉ መደብ'ዩ'

ኣብ ማእቶታዊ ስርሓት ዝተዋፈሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት Image copyright ማርቲን ፕላውት
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ማእቶታዊ ስርሓት ዝተዋፈሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት

ሕብረት ኣውሮጳ ንህንጸት ጽርግያታት ኢሉ ንኤርትራ ዝሃባ ልዕሊ 20 ሚልዮን ዩሮ፡ ምስ ግዱድ ስራሕ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ርክብ ኣለዎ ምባል ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ገሊጹ።

ኒውዮርክ ታይምስ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ጽርግያታት በቶም ብዘይ ደሞዝ ኣብ ግዱድ ስራሕ ዝዋፈሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝስራሕን፡ እቲ ሕብረት ክቆጻጸሮን ክከታተሎን ኣይክልን'ዩ ምባሉ እቲ ሚኒስተር ነጺጉ።

Image copyright Yemane Geberemesekel
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኤርትራ መደበር ታዕሊም ሳዋ ዘይሓለፈ መንእሰይ ውሑድ'ዩ

እቲ ኣገላልጻ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዘጸልም'ዩ ዝበለ ኣቶ የማነ፡ መደብ "ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ውሑድን ጽኑዕን ህዝቢ፡ ንዓርሞሹሽ ብደሆ ንምግጣምን ንምጥፋእን ጾሩ ብሓባር ዝስከመሉ ተግባር ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን'ዩ" ኢሉ።

ግዱድ ስራሕን፡ ገደብ ኣልቦ ዕስክርና ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣካል ናይቲ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይጠቕሱ።

ይኹን እምበር፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሃገራዊ ልምዓታዊ መደባት ክሳተፉ ንቡር ምዃኑን ንናይ ሓባር ረብሓ ዘገልግል'ዩ ዝብል ምጉት'ዩ ከቕርብ ጸኒሑ።

ብዛዕባ'ቲ ክሲ መልሲ ንምርካብ ንኤምባሲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኣስመራ ተወኪስናዮ'ኳ እንተነበርና፡ ዛጊት መልሲ ኣይረኸብናን።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣውሮጳ ከቕርቡ ጸኒሖም'ዮም።

ይኹን እምበር፡ ሰበስልጣን ናይቲ ሕብረት ብወገኖም ንኤርትራ ዝህቦ ደገፍ፡ ግዱድ ስራሕ ኣብ ዘለዎ ፕሮጀክታት ከም ዘይውዕል ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጎሞ ነይሮም።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንዋሕዚ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንምግታእ ነተን፡ ከም በዓል ኤርትራ ዝበላ ምንጪ ናይቲ ዋሕዚ ዝኾና ሃገራት ገንዘባዊ ደገፍ ከም ዝገብር ይፍለጥ።

እቲ ብጉዳይ ኩነተ-ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ክምኽነ ዝጸንሐ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ክልቲአን ሃገራት'ውን እነተኾነ ቀጺሉ'ሎ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ሂዉማን ራይትስ ዎች ኣብ ኤርትራ ግህሰት ተምሃሮን መምህራን ጠጠው ይበል ኢሉ።

እቲ ሚኒስተር ዜና፡ ኣብ ሓምለ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት "ናብ ንቡር" ክምለስ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ብመሰረት መንግስቲ ኤርትራ ዘውጽኦ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት 1994 ን18 ኣዋርሕ ጥራይ'ዩ ክቕጽል ዝግብኦ።

ኣብ ክረምቲ 1994 ብወግዒ ካብ ዝጅምር ክሳብ መፋርቕ 1998 ኣብ ዝነበረ እዋን'፡ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ዓመትን ፈረቓን ግብኦም ፈጺሞም ንገዝኦምን ስራሖምን ይምለሱ ነይሮም።