ናብ ወርሒ እተሰንዮ መጻምድቲ ዝደሊ ዘሎ ጃፓናዊ ቢልዮነር

ጃፓናዊ ቢልዮነር ዮሳኩ ሜዛዋ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ጃፓናዊ ቢልዮነር ዮሳኩ ሜዛዋ

ጃፓናዊ ቢልዮነር ዮሳኩ ሜዛዋ፡ ኣብ ዙርያ ወርሒ ንምብጻሕ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ እተሰንዮ ጓል-ኣንስተይቲ መጻምድቲ ይደሊ ከምዘሎ ገሊጹ።

እዚ ወዲ 44 ዓመት ቢልዮነር፡ ኣብ መንኰርኰር ኮይኑ ንወርሒ ዝጓዓዝ ናይ መጀመርያ ሲቪል ክኸውን እዩ።

እቲ ናይ ወርሒ ዑደት ኣብ 2023 ክካየድ ተወጢኑ ከምዘሎ ይግለጽ።

ንሱ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝጸሓፎ ምሕጽንታ፡ ነቲ ጉዕዞኡ ምስ 'ፍልይቲ ጓል-ኣንስተይቲ' ኮይኑ ከካይዶ ምዝደሊ ገሊጹ'ሎ።

ዮሳኩ ሜዛዋ፡ ምስ መሓዝኡ ዝነበረት ተዋሳኢት ጓል 27 ዓመት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዩ ተፈላልዩ። ንሱ፡ መጻምድቲ ንምርካብ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ክምዝግባ ሓቲቱ'ሎ።

"ጽምዋን ባዶነትን ቀስ ብቀስ ክዕብልለኒ ጀሚሩ፡ እዚ ድማ ብዛዕባ ሓደ ነገር ክሓስብ ኣገዲዱኒ፤ ንሱ ድማ ፍቕሪ እዩ" ክብል ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ጽሒፉ።

ብተወሳኺ፡ "ኣነ ናይ ህይወት መጻምድቲ ክረክብ እየ ዝደሊ፡ ምስ ናይ መጻኢ መጻምድተይ ኮይነ ድማ፡ ካብ ክንዮ ጠፈር ፍቕርን ዓለማዊ ሰላምን ክጭርሕ እደሊ" ክብል'ውን ጽሒፉ።

እተን መጻምድቱ ክኾና ዝደልያ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ፡ ዘይተመርዓዋ፡ ልዕሊ 20 ዓመት ከምኡ'ውን ምሉእ ተስፋ ዘለወን፤ ንህዋ ክኸዳ ድልየት ዘለወን ክኾና ከምዘለወን ገሊጹ።

እቲ ናይ ምዝገባን ውድርድር ግዜ ክሳብ 17 ጥሪ 2020 ክፉት ኮይኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ድማ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ክንገር ትጽቢት ይግበረሉ።

ቢልዮነር ዮሳኩ ሜዛዋ፡ ከባቢ 3 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ከምዘለዎ እዩ ዝግለጽ።