ትግራይ፡ መቐለ እታ ዘይተወደአት ህንጻ እትመስል ከተማ

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ከይተወደአ ነዊሕ ዝገበረ ህንጻ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ከይተወደአ ነዊሕ ዝገበረ ህንጻ

ካብ ኣዲስ ኣበባ 780 ኪሎ ሜትር ብኣንፈት ሰሜን እትርከብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ፡ መቐለ፡ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ርእሰ ከተማ ኣውራጃ እንደርታ እያ ነይራ።

ኣብ 2254 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ኸኣ ተዶኪና ትርከብ።

ብደረጃ ዓለም ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ህዝቢ ካብ ዝነብረለን ከተማታት ኮይና፡ ብደረጃ ብራኸኣ ኣብ መበል 72 ትስራዕ።

እታ "ሰሜናዊት ኮኾብ" ተባሂላ እትጽዋዕ ከተማ መቐለ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ድሬዳዋ፣ ኣዳማን ጎንደርን ትስራዕ።

ሓወልቲ፡ ዓዲ ሓቂ፡ ቀዳማይ ወያነ፡ ሓድነት፡ ዓይደር፡ ሰሜንን ኵሓን ዝተባህላ ሸውዓተ ክፍለ ከተማታት ከኣ ትሓቁፍ።

ከተማ መቐለ ምስ ቀረባን ርሑቕን ዘራኽባ ክልተ ቀንዲ ናይ ቅጥራን ጽርግያታት ኣለዋ። እቲ ሓደ ብመንገዲ ውቕሮ ናብ ዓዲ ግራት ካብኡ ናብ ኤርትራን፡ ብመገዲ እንትጮ ከኣ ብሑመራ ኣቢሉ ናብ ሱዳን ዘራኽብ'ዩ።

እቲ ካልኣይ ከኣ ብዓዲ ጉዶም ገይሩ ንከተማ ቆቦ ኣስጊሩ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ የራኽባ። ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝተባህለ ብበረራ ዘራኽባ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ እውን ኣለዋ።

እዛ ኣብ 13 ክፍለ ዘመን ከም ዝተመስረተት ዝንገረላ ከተማ ኣብ መጀመርታ 19 ክፍለ ዘመን፡ ራእሲ ወልደስላሰ ናይ እንደርታ ንሕንጣሎ፡ ደጀኑ ምስ ገበራ ናይ ከተማ መልክዕ ክትሕዝ ከም ዝጀመረት ይዝረብ።

እዛ ኣብ ጋብላ ከም ዘሎ ዑቋር ማይ ብዓበይቲ ጎቦታት ተኸቢባ ዘላ ከተማ መቐለ፡ ብምብራቕ ጎቦ ጮምዓን እንዳየሱስን፡ ብሰሜን ጎቦ ሞሶቦ፡ ብደቡብ ድማ እምባ ኣርዓዶም ዓጂቦማ ይርከቡ።

ብምብራቕ ኣብ ዝባን ጎቦ ጮምዓ መቐለ ተሰቒሉ ዘሎ ዓቢ ምስሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ከኣ ንኸተማ መቐለ ሓደርክን፡ ድሓን ሕደርን ዝብላ ክመስል፡ ቀትሪ ብጸሓይ፡ ለይቲ ብመብራህቲ ተኾሊዑ ካብ ዝበዝሐ ሸነኽ እታ ከተማ ይረአ።

ዘይተወደአ ህንጻታት መቐለ

ንፈለማ እዋን ንከተማ መቐለ ዝኣተወ ሰብ፡ ኣብታ ከተማ ብዘለዋ ብዝሒ ባጃጅን፡ ዘይተወድአ ዓበይቲ ደርብታትን ኣቓልቦኡ ክሰሓብ ግድን እዩ። ኣብታ ከተማ ቅድሚ ዓመታት ተጀሚሩ ዘይተዛዘመ ህንጻታት ኣሎ። ካብ ምብዝሑ ዝተላዕለ ከኣ ንኸተማ መቐለ ተጀሚራ ዘይተወደአት ከተማ የምስላ።

ኣብ ከባቢ ስታድዩም ትግራይ ካብ ዝጅመር ነዊሕ ዓመት ዝገበረ ሓያሎ ዘይተወደአ ህንጻታት ኣሎ። ገሊኡ ልዕሊ 10 ዓመት ዝገበረ እዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከረማ መቐለ ተጀሚሮም ዘይተወድኡ ህንጻታት ፈቐድኡ እዮም ዘለዉ

ኣብ ከባቢ ኣክሱም ሆቴል ዘሎ ኣዝዩ ዓቢ ሆቴል እውን ብተመሳሳሊ ከይተዛዘመ ነዊሕ ብምግባሩ፤ ብትሕቲኡ ክትሓልፍ እንከለኻ እቲ ብደገ ዘሎ ጠዋሉ ከይወደቐካ ብጥንቓቐ ኢኻ ትሓልፎ። እዚ ከም ኣብነት ደኣ ተጠቒሱ እምበር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጎደናታት ተጀሚሩ ዘይቀጸለ ዓበይቲ ህንጻታት ብዙሕ እዩ።

እዚታት ተደማሚሩ ከኣ ነታ ከተማ ዘይተወደአት ህንጻ ኣምሲልዋ ይርከብ።

ዘወን ኣብ ገለ ካብ ቀበሌታት መቐለ

ካብ ሆቴል ሃጸይ ዮውሃንስ ብጎደና ሰላም ጌርካ ናብ ሸነኽ ሮማናትን ኣደባባይን ክትከይድ እንከለኻ፡ ንኢድ ጸጋምካ ቀበሌ 14ን 15ን ትረክብ።

ቀበሌ 14፣ 15ን 16ን ብብዝሒ እንዳ ስዋታተትን ኣብያተ መስተን ዝርከቦ ቦታ ኮይኑ፡ ኣብ ቀትርን ለይትን ክልተ በበይኑ ትርኢታት ዝርኣየሉ ቦታ እዩ።

ቀትሪ እቲ ኣብ ጎደና ሰላም ዘሎ ዓበይቲ ትካላት ንግዲ፣ እንዳ ወርቂ፣ ባንኪታት፣ መሻጣ ናውቲ ህንጻ፣ ኣብያተ ብልዒ፣ እንዳ ካፌታትን መዕረፊ ኣጋይሽን ኣብ ጽዑቕ ስራሕ'ዩ ዝውዕል።

ናይ ምስሊ መግለጺ ቀትሪ ቀትሪ ቡን ዝሽየጦ ከባቢ ቀበሌ 16

ብለይቲ ግን ብፍላይ ንጋሻ "እዛ ቖልዓ ደኣ ምሸት ምድሪ ኣብዚ እንታይ እያ ትገብር ብእዋኑ ገዛኣ ዘይትኣቱ?" ከብሎ ዝኽእል ነገራት ኢኻ ትዕዘብ።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ነብሰን ሸይጠን እንጀረአን ክምእርራ ኣብ ኣፍደገ ዝተዓጸወ ትካላት ጽግዕ ጽግዕ ኢለን ደው ዝበላ ትርኢ። ድቂ-ኣካል እተን ኣብኡ ዝስርዓ ደቀ ኣንስትዮ ርእይኻ እምበርዶ 18 ዓመት መሊአን እየን ዘብል እዩ።

ቀትሪ፡ ኣብ ቀበሌ 16 ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣንጎሎ ጽላል ዘርጊሐንን መንበር ሰሪዐን ቡን ኣፍሊሐን ዝሸጣ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብቲ እንዳ ቡን ዝግልገሉ ዓማዊልን፡ ኣብ ኢዶም ንእሽተይ ሳንዱቕ ዝሓዙ ዝውልወል ጫማ ብዝሓቱ ንኣሽቱ ኣወዳትን ዕምርቲ እያ።

ይኹን እምበር ኣብቲ እንዳቡናት ብንግሁኡ ፍንጃል ሒዞም ኣብኡ ዝውዕሉ ብዝሒ መንእሰያት ርኢኻ ኣብዚ ዓድስ እምበርዶ ስራሕ ኣሎ እዩ? ኢልካ ክትሓትት ትግደድ። ግን ብዙሓት 'ድለላ' ከም ዝሰርሑ እዮም ዝዛረቡ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ከተማ መቐለ ድሕሪ ማይ

ኣብ ቀበሌ 16፡ ኣብ ትሕቲ ገረብን ጸግዒ መንደቕን ኣብ ዝተሰርዐ መናብር ኩሉ ዓይነት ድለላ እዩ ዝኻየድ፡ ዝካረን ዝሽየጥን ገዛ፡ ዝሽየጣን ዝካረያን መካይን፡ ትካላት ንግዲ ዝካረዩን ዘካርዩን ኩሉ ብመንገዲ እዞም ደላሎ እዩ ዝካየድ።

እቲ ቦታ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ርጉእ መንበሪ ኣባይቲ እዩ ነይሩ ይበሃል - ሕጂ ግን ብድምጺ ሙዚቃ ዝሞቐ ዝዓመረን ዝጸዓቐን ባራት ዘለዎ ማእከል ኩሉ ዓይነት ዕዳጋ ኢዩ።

ድምጺ ሙዚቃ ቀበሌ 16 "ኣነ ክዛረብ ንስኹም ስቕ በሉ" ዝብለካ ዘሎ'ዩ ዝመስል።

ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ድምጺ እቲ ካበቢ ክቕንስ ጎስጓስ የካይዱ እዮም፤ ይኹን እምበር ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ የሎን።

ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ኣብቲ ቀበሌ ብምህላው እውን ስለምንታይ ቅልጡፍ ስጉምቲ ዘይተወሰደ ዝብሉ ኣለው።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከረማ መቐለ ከም ቐንዲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዘገልግላ 'ባጃጅ' ንከተማ መቐለ ሕብራ ሰመያዊ ምስ ኣምሰልኦ'የን

"ድምጺ ህዝቢ ይሰማዕ. . ."

ድምጺ ህዝቢ ይሰማዕ

ወይ ድማ ክስማዕ'ዩ፡ ... ደርፊ ዘመን ኣለምስገድ፡ ምስቲ ኣብ ከብሒ ዘሎ ራያ፣ ዳሽን፣ ቅዱስ ጊዮርግስ፣ ካስል፣ ዋልያ፣ በደሌ፣ ሜታን ካልእን ዓይነታት ቢራ ከም እትዕደል ኣብ ነብሲ ወከፍ ባር ኣቲኻ እትስማዕ ደርፊ እያ።

ዘመን ኣለምሰገድ "ኣነ ወዲ መን ድየ?

ህዝቢ ትግራይ ዓድኻ ሃየ፡ ታሪኽካ ሃየ . . . " ክብል እንከሎ፡ እቶም ኣብ ባር ዘለዉ ሰተይቲ፡ ሓባራዊ ትእዛዝ ከምዝተመሓላለፎም፡ ንዘመን ብሓባር ብድምጾም ከሰንይዎ ይስምዑ።

"ኣነ ወዲ መን ድየ

ህዝቢ ትግራይ ዓድኻ ሃየ . . . ኣዮዮ ኣዮዮ" ሓባራዊ ድምጺ።

ሓወልቲ ሰማእታት

ናይ ምስሊ መግለጺ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ

ሓወልቲ ሰማእታት ብሰሜን ስታድዩም መቐለ፡ ብደቡብ መቐለ ዩኒቨርስቲ፡ ብምዕራብ ቤት ክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ብምብራቕ ኸኣ ብዝገፈሐ ክፋል መቐለ ተማእኪሉ ይርከብ።

እዚ ሓወልቲ ካብ መሬት 51 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ ኮይኑ ካብ ዝበዝሐ ክፋል መቐለ ኣማዕዲኻ ይረአ።

እዚ ብኣርባዕተ መሓውር ካብ መሬት ተበጊሶም ኣብ ማእክል ብምርኻብ ብውህደት ኣርባዕቲኡ መሓውር ኣብ ላዕሊ ንሉል ዝውክል ክቢ ቅርጺ ዝተሸከመ እዩ።

ኣብ ኩሉ ሸነኻት እቲ ሓወልቲ ከኣ ንቃልሲ ህዝብን ተጋደልትን ትግራይ ዝውክሉ ዝተፈላዩ ቅርጽታት ኣለዉዎ።

ኣብ ጎኒ እዚ ሓወልቲ ኣብ ዘሎ ኣዳራሽ ኸኣ ንሕሉፍ ሰነዳት ህወሓት ዝሓዘ ገዚፍ ኣዳራሽ ኣሎ።

ንእግረ መንገደይ

ናብ ከተማ መቐለ ዝበጽሕ ጋሻ፡ እሞ ኸኣ ትግርኛ ዘንብብ እንተኾይኑ፡ ትካላት ንመላለዪ ዝሰቕለኦ ታቤላታተን ርእዩ ምግራሙ ዘይተርፍ እዩ።

ሓያለ ካብቲ ታቤላታት ግድፈት ፊደላቱን ኣሰራራዓ ቃላቱ ርኢኻን፡ እዞም ትካላት ሰራዒ ድዮም ስኢኖም ወይስ ኮይኑዎም ንሱ እዩ ዓቕሞም ኢልካ ኢኻ ትሓልፍ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ቀበሌ 16 ፊት ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ዝርከብ መዕረፊ ኣጋይሽ 'ብራዘርስ'

'እንዳ ብልኢ'፡ 'ዳ'ብልኢ'፡ 'ምግቢ ቤት፡ ቤት መግቢ' 'ኣልጋ ኣለና' ወዘተ ዝብል ፈቐድኡ እዩ ዘሎ።

መንግስታያውያን ቤት ጽሕፈታት ከይተረፋ ኣካል እዚ ዘይምዕሩይ ምሉእ ሓሳባት ምዃኖም ምስ ርኣኻ ኸኣ 'ኣብ ኩሉ እባ'ዩ' ትብል።

ናይ ምስሊ መግለጺ ብልዒዶ ብልኢ?

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት

ክልተ ሳዕ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግር ፈቲነ ግን ኣይተዓወትኩን። ኣብ ሳልሳይ ግዜ ግን ሰሊጡኒ - ፡ እዚ ኣብ መወዳእታ ናይ 2014 እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ኣብ ዝተፈላለየ መድረኽ ዶባዊ ኲናት፡ መቓብር ስውኣት ዝዃዓቱ፣ ቤተክርስትያን ብነፈርቲ ዝደብደቡ፣ ዚንጎታት፡መዓጹን ፊኒስተራን ከተማታት ሰንዓፈ፣ ባረንቱ፣ ተሰነይ፣ ጾሮናን ካልኦት ከተማታትን ዓድታትን ነቒሎም ዝወሰዱ፤ 'ናብቶም ወረርትና፡ መሬትና ዝገበቱ' ኢለ ዝኣምነሎም ይሰግር ብምንባረይ ነብሱ ዝኸኣለ ስክፍታን ሻቕሎትን ነይሩኒ።

ብጸላም መረብ ተሳጊረ፡ ኮኸብ ጽባሕ ወጺኡ መሬት ክሳብ ዝወግሓለይ ኣብ ሓደ ከውሊ ኣድብየ ሓደርኩ።

መሬት ወጊሑ፡ ጽሓይ ብርሃና ክትሰድድ ምስ ጀመረት ግን ካብቲ ዘለኽዎ ብዙሕ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ቦታ ድምጺ ሰባት ሰማዕኩ።

ካብቲ ተኸዊለሉ ዝነበርኩ ናብቲ ድምጺ ዝሰማዕኩሉ ቦታ ብኣንክሮ እናጠመትኩ፡ ካብቲ ድምጺ ዝሰማዕኩሉ ከባቢ ምንቅስቃስ ሰብ ክርኢ ዓይነይ ኣጨምቲለ ምክትታለይ ቀጸልኩ።

" እቲ ላህጃ እኳ ናይ ኤርትራ ኣይኮነን" ብምባል ከውሊ ተጠቒመ ናብቲ ድምጺ ዝሰማዕኩሉ ቦታ ዝያዳ ቐረብኩ።

ሰለስተ 'ሲቪል' ዝተኸድኑ መንእሰያት ኣብ ሓደ ዕሙቕ ዝበለ ሩባ ፡ ሓዊ ኣናኺሶም መግቢ ይሰርሑ ነይሮም።

እንታይነቶም ናብቲ ዝገመትክዎ ክሳብ ዝቐርበለይ፡ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ዝኸውን ኣብ ከውሊ ኾይነ ድሕሪ ምጽንጻን ፡ ግምተይ ጽቡቕ ኣሎ ምስ በልኩ 'ዕሕሕ' ኢለ ኣድሃኹ።

"መን ኢኻ'ታ?" በለ ሓደ ካብኦም። "ጋሻ እየ፡ ክቐርበከም'ዶ?" መለስኩ።

" ንዓ ሐራይ ንዓ" ልስልስ ብዝበለ ድምጺ ዓደሙኒ።

ክሳብ ኣጸቢቐ ቀሪበ ኢደይ ንሰላምታ ዝልእከሎም ሰለስቲኦም ንጥፈታቶም ኣቋሪጾም ብዓይኖም የሰንዩኒ ነይሮም።

ሰላምታ ድሕሪ ምልግጋስና፡ " በይንኻ ዲኻ፤ መማጽእቲ ኣለውኻ?" ሓደ ካብኦም ሓተተኒ።

"ንበይነይ'የ"

"በል እንቋዕ ብዳሕና ኣተኻ"

"እንቋዕ ብደሓን ጸናሕኹም"

ብድሕሪ'ዚ ንዓይ ኣብቲ ጥቐኦም ዝነበረ ለማጽ ከውሒ ኮፍ ክብል ሓቢሮም ንኹላትና ዘሕበረ ዕላል ፈለሙ።

ኣብዚ ጉዕዞ ናይ ስግረ ዶብ፡ ብዙሕ ሕማቕ ከም ዝርኣዩን፡ ከምዝሰምዑን የዕሊሎም፤ እቲ ሩባ እንዳ ኣራዊት ከምዝኾነን፡ ብዙሓት ብኣራዊት ከም ዝብልዑን ብምሕባር፡ በይነይ ተበጊሰ ብሰላም ክኣቱ ምኽኣለይ፡ ንፈጣሪ ከመስግን ከም ዝግበኣኒ ርእይቶኦም ሃቡ።

እዞም ኣብ ሩባ ግኒ ዝብሃል ቦታ ዝጸንሑኒ ሰለስተ መንእሰያት፡ ነበርቲ ካባቢ እንትጮ ኮይኖም፡ ናብቲ ቦታ መጺኦም ወርቂ ክኣርዩ ዝቐነዩ ምዃኖም ካብቲ ዝሰርሕዎ ሽሮን ኣብ መቑሎ ዘብሰልዎ ቅጫን ብሓደ እናተመግብና እንከለና ኣዕለሉኒ።

"ስምዓኒ'ማ ጎይታይ፡ እዚ ሓደ ሰብ'ሲ ንኹሉኹም ዓድኹም ከሕድገኩም፡ ብሱሩ ትሃልቁ እኮ ኢኹም ዘለኹም"

ሓደ ካብቶም ሰለስተ ዝበለኒ'ዩ።

ኣይመለስኩን።

ብውሽጠይ ግን "ንስኹምሲ እንታይ ሓዲግኩሙልና?" እየ ዝብል ነይረ።

ንነብሰይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከም ዝኣተወት ስለዝሓሰብክዋ ግን ሓሳበይ ብቃል ኣየሰነኽዎን።

እቲ ሓደ ካብቶም ሰለስተ፡ ገዚፍ መስቀል ዝተንጠልጠሎ፡ ሮጊድ ሰመያዊ ማዕተብ ዝገበረ በጽሒ ግን ሓሳበይ ዝተረድአ እንክመስል፡

"ወያነ ወሪራትና ኢሉ ኣብ ጉድ አእትይኩም" በለኒ።

ሕጂ ግን ክምልስ ዘገድድ ነጥቢ ካብ ልሳነይ ሞሊቑ ወጽአ።

"ሕጅስ መን ድዩ ወሪሩ?"

ወጺኣ'ምበር፡ ድሕሪ ምባለይሲ ኣብ ዘይቦታኣ ዝበልክዋ ኮይኑ'ዩ ተሰሚዑኒ።

"ባዕሉ"

"መን ባዕሉ?"

"መራሒኹም'ምበር መን ዳኣ!" ኣንታ ነዚ ድዩ ብሓቂ ዘይፈልጥ ብዘስምዕ'ዩ መሊሱለይ ሓደ ካብኦም።

ስቕ ስለዝበልኩ፡ ናብ ውልቃዊ ዕላሎም ተመሊሶም፡ ምስኦም ከምዘለኹ ዝረስዑ ክመስሉ ስቕ ኢሎም ዕላሎም ቀጽሉ።

ብዛዕባ ኣብ እንትጮ ዘላ እንዳ ስዋ፡ ብዛዕባ ወርቂ ኣርዩ ዝሓለፈሉ ወዲ ዓዶም'ሞ፡ ብዘይኣግባብ ሰልዲ ብምብኻኑ ናብ ድኽነቱ ዝተመልሰ፡ ብዛዕባ ናብ ስዑድያ ክሰግር ኣብ ባሕሪ ዝጠሓለ ብጻዮም፡ ብዛዕባ ኣብ ዓዲ- ፍታዉ ወርቂ ክኣርዩ ኣብ ጉደጓድ ዝተደፈኑ ክልተ ሰባት፡ ብዛዕባ ኣብ ገርሁ ስርናይ ዘላ ጽብቕትን ተበላጺትን ዝበልዋ ጸማቚት ስዋ፡እንታይ ገዲፎም።

ኣብቲ ዛራ ሩባ፡ ነቲ ካብ ጎቦ ዘምጽእዎ ሓመድ እናሓጸቡ፡ ወርቂ'ዩ ዝበሉኒ፡ ኣነ ግን ካብ ምድቓቑ ዝተላዓለ ክርኣየኒ ዘይከኣለ ኣኣርዮም ኣብ ሓንቲ ተራር መትሓዚ ከኒና ትመስል ጎማ ይእክብዎ ነይሮም።

ኣብ ሞንጎ ዕላሎም . . .

"ሕጂ ንስኹም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይምልከተኩምን'ዩ ማለት ድዩ?" ነቲ ስቕታይ ትሰብር'ያ ዝበልክዋ ሕቶይ ወስ ኣበልኩ።

"መከላከያ ማለትካ ድዩ?"

"እወ ከመኡ'ዩ መስለኒ"

"ተዘይፎቲና መን ክጥይቐና"

"ብሓቒ!?" ብምግራም'የ ሓቲተ

"ማርያምን፡ ወይን ከምዚ ናትኩም ድያ መሲላትካ?" እቲ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ዘይተዛረበ ቀጢንን ጽምኡን መንእሰይ መለሰለይ።

"ኣታዮ፡ ይብለካ'ዶ ኣየለኹን፡ ብሱሩ ኣጽቢቡ ዓጽዩ ኣብሂምኩም'ዩ፡ ጽናሕማ እዚ ጎቦ ብልወጻእናዮ እዛ ኩላ ዓዲ መብራህቲ፡ ፎቕን ጽርግያን ኮይና ምስ ርኣኻያ ግርም ክብለካ 'ዩ"

" 'ወያነ ወያነ. .' እናበለ እንድዩ ኣዶንቂሩዎም፡ ብዘይካ ንሱ ልበላ ካልእ ዘሎ ዘይመስሎም"

ተተቐባቢሎም ከም ዘይዛረብ ገበሩኒ።

ኣይተጋገዩን ወያነ'ዮም ነዚ ኵናት ጀሚረ'ሞ ዝብል ዘረባ ኩሉ ዝኣምነሉ እዩ። ስም ናይቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝተኻየደ ደማዊ ኵናት፡ ብኤርትራ ክጽዋዕ እንከሎ'ውን ቀዳማይ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ወራር እናተባህለ'ዩ ዝጽዋዕ።

ተወሪርና ንምባል ዝተዋህቦ ስያመ'ውን ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ናብዚ ዓዶም ምስ ሰገርኩ፡ ካልእ ንሶም ሓቂ እዩ ኢሎም ዝኣምንሉ ሒዞም ጸኒሖሙኒ።

መቸም ክልቲኦም ህዝብታት እቶም መራሕቶም ዝበለዎም ሓቂ'ዩ ኢሎም እንተኣመኑ ዝተሓዞም ኣይኮነን፤ መንግስታት ጌገኦም ኣሪሞም ንህዝቦም ሓቂ ክሳብ ዘየፍለጡ ኸኣ እቲ ወሪርኩምና፡ ወሪርኩምና'ባ ዝብል ዘረባ፡ ብናይመን ጌጋ እዩ ብዘይገድስ ምስቲ ዝተኸፈለ ሂወት ስለዝተሓሓዝ ነገር ምፍጣሩ ኣይተርፍን'ዩ።

ሕጂ . . .

እቲ ወጥርን እቲ ወሪርኩሙና ፡ ወሪርኩሙና እባ ዝብልን፡ ትግራዎት ኣብ ባድመ ዘለዎም ርእይቶን ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ።

ካብቲ ኣዕሪፈሉ ዝነበርኩ ሆቴል ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝወስደኒ ዝነበረ መራሒ መኪና እናዕለልና እንከለና "ባድመኮ ንኤርትራ እያ ተወሲና፡ ንስኹም ግን ክትወጽኡ ኣይትደልዩን ኢኹም፡ ኣቢይ ንውዕል ኣልጀርስ ተቐቢለዮ ምስ በለ እውን ኣብ ጉዳይ ባድመ ዘለኩም መርገጺ ብተቓውሞ ኢኹም ገሊጽኩም" ኢለዮ።

"እንታይ መሲሉካ፡ ባድመ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ናይ ትግራይ እያ። ጸዓዱ ንዓናን ንዓኹምን [ኤርትራ] ከናቑቱ፡ ቀደም ብመንገዲ ጣልያንን ምነሊክን ፈቲኖም፤ ሕጂ ኸኣ ብባድመ ይቕጽልዎ ኣለዉ፡ ንሕና ህዝቢ ይንቃሕ ኢና ንብል ዘለና" ኢሉኒ።

"እሞ ምስ ወጻእኩም ምዝራብ ኣይምሓሸን"

"ከይኮነ'ባ ግርም፡ ከይገርመካ ኣብ ጉዳይ ባድመ ኩሉ ትግራዋይ ሓደ እዩ ሓሳቡ" ወሲኹለይ።

ምስቲ ኣቦ ኣብ ዝብጻሕ ምስ በጻሕኩ ብሰላምታ ተፈላሊና፡ "ግን፡ ሕጊ ዝሃበና ብዘይ ይግባይ ክንቅበል ኢና ኢልካ ፈቲኻ ረዲኻ ዝኣተኻዮ መጋባእያ ዝሃበካ ብይን ምሕሳምከ? ኩሉ ደላይ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ትግራዋይ ክሓስበሉ ዝግባእ ጉዳይ'ዶ ኣይኮነን?" ዝብል ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ሓሳብ ምኳኑ እናኣሰላሰልኩ ኣብ ሰማያት መቐለ ኮይነ ንመቐለ ይጥምታ ነበርኩ።

መዓስየ ክምለሳ ግን እንድዒ።

ተወሳኺ ዛንታ