ዝሞተ ህጻን 'ከተንስእ' ዝበለት ኢትዮጵያዊት 'ፓስተር' ብምትላል ተቐጺዓ

ካብ መቓብር Image copyright SOCIAL MEDIA

ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ወረዳ ቦሰት ከተማ ወለንጪቲ፡ ካብ ዝመውት ክልተ ሰሙን ዝገበረ ወዲ 2 ወርሒ ህጻን " ካብ ሞት ከልዕሎ ራእይ ተገሊጹለይ" ብምባል መቓብር ዘፍሓረት 'ፓስተር'፡ ብምትላል ከምዝተቐጸዐት ፖሊስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ህጻን ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ምስ ሞተ ሓንቲ ራእይ ተገሊጹለይ ዝበለት ሰበይቲ፡ ንኣዶ እቲ ህጻንን ንካልእ ሰብይትን ኣኸቲላ ናብቲ ናይ መቓብር ቦታ ብምኻድ፡ ንሬሳ እቲ ህጻን ፍሒረን ከምዘውጽእኦ ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ቦሰት ዋና ኢንስፔክተር ካሰኝ ደምሴ ተዛሪቡ።

"እታ ውልቀ ሰብ እትበጽሕ መሲላ ብምኻድ፡ ነታ ኣዶ 'ወድኺ ኣይሞተን፤ ብህይወት እዩ ዘሎ። ካብ ሞት ከተስኦ ድማ ራእይ ተገሊጹለይ እዩ' ትብላ። ኣብቲ ናይ መቓብር ቦታ ከይዳ ከምእትጽልይ ድማ ነጊራታ። እታ ኣዶ ድማ ሓቂ መሲሉዋ ተታሒዘን ናብቲ ናይ መቓብር ስፍራ ከይደን" ኢሉ እቲ ዋና ኢንስፔክተር።

ኣኸቲሉ ድማ "ኣብቲ ናይ መቓብር ስፍራ ምስበጽሓ ነቲ ህጻን ኣውጺኣቶ" ዝብል ዋና ኢንስፔክተር ካሰኝ፡ ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ነበርቲ ንፖሊስ ከምዝሓበሩን፡ ፖሊስ ድማ ነቲ ኩነታት ድሕሪ ምምርማሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣተሓባቢሩ እቲ ኣስከሬን ካልኣይ ክቕበር ከምዝገበረ ገሊጹ።

ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ክከታተል ከምዝጸንሐን እታ ገበነኛ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ግቡእ ቅጽዓት ከምዝተውሃባን ዋና ኢንስፔክተር ካሰኝ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ፍርዲ ድማ ገበነኛ ምዃና ተረጋጊጹ፡ ክልተ ሽሕ ቅርሺ ተቐጺዓ።

እታ ውልቀ ሰብ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘለዋ ሓላፍነት ብዝምልከት ዋና ኢንስፔክተር ካሰኝ፡ " ካብ ታሪካ ከምዝተረዳእናዮ እታ ውልቀ ሰብ ኣማኒት እምበር ኣገልጋሊት ወይ ካሊእ ነገር ኣይኮነትን" ብምባል መሊሱ።

በቲ ተግባር ነበርቲ እቲ ከባቢ ቁጠዐኦም ከምዝገለጹ እቲ ዋና ኢንስፔክተር ወሲኹ ሓቢሩ።

እታ ውልቀ ሰብ ከም ኩሉ በጻሓይ እያ መጺኣ እትብል ወላዲት እቲ ህጻን፡ " 'ወድኺ ከተንሰኦ እየ፡ ራእይ ርእየ ኣለኹ' ምስ በለትኒ፡ ከብዲ ኣዶ ኮይኑኒ ኣሚነያ" ብምባል ተዛሪባ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ