ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ 'ዘይቅቡል' ማእሰርቲ ኣመልኪቱ ንኣምባሳደር ኢራን ናብ ቤትጽሕፈቱ ጸዊዑ

ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ብሪጣንያ፡ ሓሚድ ባየዲነጃድ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ብሪጣንያ፡ ሓሚድ ባየዲነጃድ

ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቶም ኣብ ሓደጋ ነፋሪት ህይወቶም ዝሓለፉ ግዳያት ንምዝካር ዝተኻየደ መደብ ስዒቡ ዝተገብረ ማእሰርቲ ኣምባሳደር ሮብ ማከይር ዘይሕጋውን ክምርመር ከም ዘለዎን ሓቢሩ።

ኢራን ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ይቕረታ ክትሓትትን ደጊሙ ከም ዘይፍጸም ከተረጋግጽን ከም ዝግባእ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዶመኒኪ ራብ ተዛሪቡ።

ኣምባሳደር ኢራን ሓምድ ባየዲነጃድ ሎሚ ኣብ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ክርከብ ትጽቢት ይግበር።

ኣምባሳደር ማከይር ብቐዳም፡ ኣብቲ ብሚሳል ኢራን ተሃሪማ ዝወደቐት ነፋሪት መገዲ ኣየር ዩክረይን፡ ዝነበሩ 176 ግዳያት ንምዝካር ምዃኑ ኣብ ዝተገለጸ መደብ ድሕሪ ምስታፉ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ንሱ ናብ ኤምባሲኡ እናተመለሰ እንከሎ፡ ጸጉሩ ክቕምቀም ናብ ሓደ ድኳን ምስ ኣላገሰ እዩ ንሰለስተ ሰዓታት ተታሒዙ።

ንማእሰርቱ ስዒቡ ብትዊተር ኣብ ዝዘረግሖ ሓበሬታ፡ ገለ ካብቶም ግዳያት ብሪጣንያውያን ምዃኖም ብምግላጽ ኣብ ዝኽሪ ግዳያት ክሳተፍ ምጽንሑን፡ እዚ ባህርያዊ ምዃኑን ሓቢሩ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ዶመኒክ ራብ፡ ኣብ ምውዳቕ እታ ነፋሪት፡ "ምሉእ፡ ግሉጽ፡ ነጻን መርምራ" ክግበር ብሰኑይ ጸዊዑ እዩ።

ንሱ ወሲኹ "ኣብ ኢራን ዝርከብ ስርዓት፡ ኣብ ቀራና መንገዲ እዩ ዘሎ. . . ናብ ዝገደደ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምንጻል ከንደልህጽ ይኽእል እዩ፤ እንተኾነ ግና፡ ዲፕሎማስያዊ ደገታት ርሕው ስለዘሎ፡ ኣማራጺታት ኣለዎ" ኢሉ።

ብሪጣንያ ምስቲ ብካናዳ ዝምራሕ ጉጅለ ብምዃን ኣስከሬን ግዳያት ንምርካብ ትሰርሕ ምህላዋ'ውን ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ከምኡ'ውን መራሒት ጀርመን ኣንግላ መርከል ድሕሪ ብቴለፎን ዘካየድዎ ዝርርብ ብሰንበት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ንምእሰርቲ ኣምባሳደር ማከይር ኮኒኖም ኣለው።

እተን በቲ ሓደጋ ዜጋታተን ዝሰኣና ሓሙሽተ ሃገራት፡ ንሓሙስ ኣብ ለንደን ብምርኻብ፡ ብዛዕባ ክውሰድ ዝኽእል ሕጋዊ ስጉምቲ ክዘራረቡ ምዃኖም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ንሮይተርስ ሓቢሩ።