ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ግብጽን ናበይ የምርሕ ኮን ይኸውን?

ግድብ ህዳሰ Image copyright Getty Images

ኢትዮጵያን ግብጽን፡ ኣብ ህንጸት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ክሰማምዓ ዝኸኣላ ኣይመስልን። ናይ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ካብ ትማሊ ጀሚሮም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም ይዘራረቡ ኣለው።

ኣርባዕተ ናይ ቴክኒክ ርክባት ኣካይደን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ዘይከኣላ ኢትዮጵያን ግብጽን፡ ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ናይ መወዳእታ ርክብ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ እንተዘይክኢለን፡ ቅድሚ ሕጂ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተፈራረማሉ 'መትከላዊ ስምምዕ' ('ደክሌሬሽን ኦፍ ፕሪንሲፕል') ዓንቀጽ 10 ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

ግድብ ህዳሰ ምስ ዝዛዘም፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ማያዊ ኤለክትሪክ ዘመንጩ ግድብ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። ኣብ 2011 ዝጀመረ ህንጸት እቲ ግድብ፡ ኣብቲ ንፈለግ ናይል 85 ሚእታዊት ማይ ዘበርክት ሩባ ኣባይ'ዩ ዝህነጽ ዘሎ።

እንተኾነ ግን ህንጸት እቲ ግድብ፡ ንግብጺ ሰላም ዝሃባ ኣይመስልን። ካብ ፈለማ ጀሚሩ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ክሰሓሓባ ጸኒሐን እየን።

በዚ መዳይ ስዑዲ ዓረብ ንክልቲአን ሃገራት ንምቅርራብ ትንቀሳቐሰሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ እቲ ኩነታት ናብ ኲናት ከምርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ነይሩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ እታ ንግብጺ ትውግን'ያ ተባሂላ እትንቀፍ ኣሜሪካ ንክልቲአን ሃገራት 'ንምትዕራቕ' ትንቀሳቐስ ኣላ።

ስግኣት ግብጺ

ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ትሃንጾ ዘላ ግድብ ምምላእ እንክትጅምር ካብ ሩባ ኣባይ ናብ ናይል ዝውሕዝ መጠን ማይ ክንክይ እዩ ዝብል ስግኣት እዩ ዘለዋ። እዚ ድማ ብተዘዋዋሪ ንኢትዮጵያ ዓብላላይነት ዘጎናጽፋ እዩ።

ዋላ'ኳ ብማይ ዝሰርሑ ጸዓት ዘፈልፍሉ ግድባት ማይ ዘባኽኑ እንተዘይኮኑ፡ ኢትዮጵያ ብኽንደይ ዝኣክል ማይ እያ፡ ነቲ ግድብ ትመልኦ ዝብል ግና፡ ቀንዲ ንግብፂ ካብ ዘሰክፉ ጉዳያት እዩ።

እቲ ግድብ ህንፀቱ እንክዛዘም ድማ ልዕሊ 74 ኪዩቢክ ሜትር ማይ ከምዝሕዝ እዩ ዝግለፅ። ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ንምህናፅ ዝወስደላ ግዘ ነዊሕ እንተድኣ ኮይኑ ግና፡ ግብጺ ዘጨንቓ ኣይክህሉን'ዩ።

ሰለስቲአን ሃገራት ብመሰረት ቅድሚ ሕዚ ዝነበረን ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ሃኒፃ ንክትዛዝም ሸውዓተ ዓመታት ክዋሃባ ትደልይ።

ሚንስተር መስኖን ኢነርጂን ዶ/ር ስለሺ በቀለ፡ "ትልምና ኣብቲ ዝመጽእ ክረምቲ ምምላእ ምጅማር እዩ። ክልቲኦም መፈልፈሊታት (ተርባይናት) ብምጥቃም ድማ፡ ኣብ ታሕሳስ 2013 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ሓይሊ ክነፈልፍል ኢና" ምባሎም ይዝከር።

ግብጺ ግና፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሸውዓተ ዓመታት ነቲ ግድብ ንምምላእ ንዘውፀአቶ ትልሚ ዝጠዓማ ኣይመስልን። መጠን እቲ ማይ ብሓደ ግዘ ከይንኪ ዝብል ድማ፡ ከም ምኽንያት ተቕርብ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሚንስትር መስኖን ኢነርጂን ስለሺ በቀለ(ዶ/ር ኢንጅነር)

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ዘካየድዎ ዘተ፡ ብዘይ ፍረ እዩ ተበቲኑ። ሚንስተርስለሺ፡ ግብፂ ንክትሰማማዕ ድሌት የብላን ብምባል ይወቕሱ።

"ንምስምማዕ ድሉዋት ኮይኖም ዝመጽኡ ኣይመስለንን። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሓድሽ ማይ ናይ ምምላእ መደብ እዮም ሒዞም መፂኦም። እዚ ሓድሽ መደብ ድማ ካብ 12 ክሳብ 21 ዓመታት ዝብል እዩ። እዚ ድማ ብፍፁም ተቐባልነት የብሉን" ኢሎም።

ሚኒስትር ማይ ግብጺ መሓመድ ዓብደል ብወገኖም፡ ኣብ ጉዳይ ምምላእ ማይ ናይቲ ግድብ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝሐሸ ምርድዳእ በጺሐን ኣለዋ ክብሉ ተሰሚዖም ነይሮም።

መርገፂ ግብጺ

ኣስታት 90 ሚእታዊት ናይ ማይ ጠለባ ካብ ሩባ ናይል እተማልእ ግብጺ፡ እቲ ፈለግ መሰረት ህላወኣ ከምዝኾነ እያ ትገልፅ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብድል ፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ግብጺ ኣብ ናይ ባዕላ ጸገም (ሰውራ/ወያነ ዓረብ) እንተዘይትህሉ ነይራ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ምህናፅ ኣይምጀመረትን ኢሎም ምንባሮም ይዝከር።

ካብ ሩባ ኣባይ ዝመፅእ መጠን ማይ ነክዩ ማለት፡ ዓቕሚ ጸዓት ናስር ምድኻም ማለት እዩ። ቃላይ ናስር ድማ፡ ግብፂ መብዛሕትኡ ሓይሊ ኤሌትሪክ እትረኽበሉ ዓንዲ ሑቖ ግድብ ኣስዋን እዩ።

Image copyright Getty Images

ካብቶም ግብጺ ከም ቅድመ-ኩነት ዘቐመጠቶም ሓሳባት ሓደ፡ ግድብ ህዳሰን ግድብ ኣስዋንን ይራኸቡ ዝብል እዩ። "እዚ ተግባራዊ ክኸውን ኣይኽእልን" ኢሎም፡ ንተዛተይቲ ከምዝነገርዎም ድማ ሚኒስተር ስለሺ ይዛረቡ።

ኢትዮጵያ ንምታይ ዓብይ ግድብ ክትሃንፅ ደልያ?

ብብዙሕ ቢልየን ብር ዝህነፅ ዘሎ ግድብ ህዳሰ፡ ንዕብየት ኢትዮጵያ ትርግታ ልቢ ከምዝኾነ እዩ ዝቑፀር። እቲ ግድብ ህንፀቱ እንክዛዘም፡ 6ሽሕ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምምንጫዉ ዓቕሚ ክህልዎ'ዩ።

ብዙሕ ህዝባ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ልቡ ንዘይረኽበላ ኢትዮጵያ፡ ኣድላይነት እዚ ግድብ ዘየተሓትት እዩ። ኪንዮ እዚ ድማ፡ ነቲ እናዓበየ ዝመፅእ ዘሎ ዘፈር (ጽላት) ማኒዩፋክቸሪንግ ዓብይ ሩፍታ ዝህብ እዩ።

ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ሙሉእ ብሙሉእ ሓይሊ ምፍልፋል ምስ ጀመረ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትሸይጥ ትኽእል እያ። ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራን ጂቡቲን ካብቲ ግድብ ክርብሓ ይኽእላ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ግድብ ትረኽቦ ልዕሊ ገንዘብ ዝኾነ ረብሓ፡ ሉኣላውነት ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

እዚ ኩነታት ናብ ኩናት ከምርሕ'ዶ ይኽእል?

ክልቲአን ሃገራት እንተድኣ ዘይተሰማሚዐን፡ ናብ ጎንጺ ከምርሓ ይኽእላ እየን ዝብል ስግኣት ነይሩ። ብ2005 ኣብ ዝወፅአ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ፖለቲከኛታት ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክፍንውዎ ብዛዕባ ዝኽእሉ መጥቃዕቲ እንክመኽሩ ተራእዮም እዮም።

ፕረዚደንት ዓብዱል ፈታሕ ኣል-ሲሲ እውን፡ ግብጺ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ እያ ክብሉ ተሰሚዖም እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እውን፡ ዝኾነ ዓይነት ሓይሊ ንኢትዮጵያ ደው ኣየብላን፡ ክብሉ ንባይቶ እታ ሃገር ምዝራቦም ይዝከር።

ኣሜሪካ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሃገራት ኢዳ ምእታዋ ድማ፡ እቲ ጉዳይ ኣሻቓሊ እናኾነ ይኸይድ ምህላዉ ዘርእይ እዩ። ግብፂ ቅድም ኢላ እውን፡ ሽምግልና ኣሜሪካ ዋላ እኳ እንተሓተተት፡ ኢትዮጵያ ግና ኢድ ኣእታውነት ኣሜሪካ ኣይፈቐደትን ነይራ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኮሚቴታት ቴክኒክ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ ዘተታት ግና፡ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን፡ ብተዓዛብነት ተኻፈልቲ እቲ ዘተ ኮይኖም እዮም።

ኣብ ቀፃሊ'ኸ?

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሰለስቲአን ሃገራት፡ ካብ ትማሊ ጀሚሮም ኣብ ኣሜሪካ ይዛተዩ ኣለዉ።

ሰለስቲአን ሃገራት ብመሰረት ቆፀርአን፡ ጽባሕ 6 ጥሪ 2012 (2019) ኣብ ስምምዕ እንተድኣ ዘይበፂሐን፡ እዚ ጉዳይ ናብ መራሕቲ እተን ሃገራት ወይ ድማ ናብ ብመንጎኝነት ሳልሳይ ወገን ዝዝትያሉ መገዲ ከምርሕ ይኽእል።

"እቲ ቀዳማይ መማረፂ፡ ምስ ዘዛትይ ኣካል ኮፍ ኢልካ ንምስምማዕ ምፍታን እዩ። ሰለስቲአን ሃገራት ክሰማምዓ ኣለወን። ዓንቀፅ 10፡ ብመሰረት 'እሽታ' ሓንቲ ሃገር ጥራሕ ተመስሪቱ ሓሳብ ይፅደቕ ኣይብልን" ይብሉ፡ ሚኒስተር ማይ ኢትዮጵያ ዶ/ር ስለሺ በቀለ።

ተወሳኺ ዛንታ