ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ኣብ ቤኒሻንጉል ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታቱ ከምዝተፈትሑ ኣፍሊጡ

ሎጎ ኤጀንሲ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ Image copyright TIGRAY TV

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ከተማ ኣሶሳ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝተዳለወ መድረኽ ፌደራሊስት ሓይልታት ንምጽብጻብ ከይዶም ዝተኣሰሩ ኣባላት ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ከምዝተፈትሑ ኣፍሊጡ።

ኣካያዲ ስራሕ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣይተ ተሻለ በቀለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ሓደ ጋዜጠኛ ምስ በዓል ሞያ ካሜራ ናብ ኣሶሳ ከምዝኸዱ ተዛሪቡ።

"ብቕድሚ ትማሊ [ሰንበትን] ትማሊ ሰኑይን ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ስርሖም ይሰርሑ ነይሮም። ዘድልዮም ቃለ-መሕትት'ውን ኣካይዶም። ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 3 [ኣ.ኢ] ፖሊስ ካብ ዘዕረፉሉ ሆቴል ወሲድዎም" ኢሉ።

ኣባላት ክፍሊ ኣምሓርኛ ዝኾኑ ጋዜጠኛ ዳዊት ከበደን በዓል ሞያ ካሜራ በሃይሉ ዉቤን ብፖሊስ ተታሒዞም ይኸዱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ብሓጺር መልእኽቲ ስልኪ ከምዘፍለጥዎም ዘዘኻኸረ ኣይተ ተሻለ፡ ደዊሉ ከምዘዘራረቦም ገሊጹ።

"ናብ ጣብያ ፖሊስ ምስኣተዉ ደዊለሎም 'ኣቲና'ለና፤ የዘራርቡና ስለዘለዉ ግን ጸኒሕና ክንድውለልካ' ኢሎምኒ። ድሕሪ ሓሙሽተ ደቓይቕ ግን መሊሰ ክድውል ከለኹ ስልክታቶም ተዓጽየን ክረኽቦም ኣይከኣልኩን" ክብል ነቲ ኩነታት ኣረዲኡ።

"ናብቶም ነቲ መድረኽ ዘዳለዉ ፖለቲካዊ ውድባት ደዊልና ኣብ ዝሓተቱሉ እዋን ከምዝኣሰርዎም ሓቢሮምና" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

"መብርሂ ኣይረኸብናን. . . "

ብዛዕባ እቲ ዝተፈጠረ ነገር ንምጽራይ ናብቲ ክልል ወይ ከተማ ደዊልኩም'ዶ? ዝብል ሕቶ ንኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ኣይተ ተሻለ በቀለ ኣቕሪብናሉ።

"ናብቶም ዝምልከቶም ማለት ኮሚሽን ፖሊስ ቤኒሻንጉል፣ ፖሊስን ደዊልና መብርሂ ክህቡና ኣይከኣሉን" ክብል መልሲ ሂቡ።

እዚ ጉዳይ መንግስቲ ክልል ትግራይ ክፈልጦ ከምዝተገበረን ክትትል ይግበረሉ ከምዘሎን እቲ ኣካያዲ ስራሕ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ክልቲኦም ኣባላት ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ስለዝተኣሰሩ ቢቢሲ ናብ ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ ምምሕዳር'ታ ከተማ ደዊሉ ኣዘራሪብዎ።

ዋና ኢንስፔክተር ዖስማን ኦስቢክ ሓደ ጋዜጠኛ ምስ በዓል ሞያ ካሜራ ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ብምርግጋጽ፡ "ዝተታሕዝሉ ምኽንያት ናብቲ መድረኽ ከምዝተዓደሙ ዘረጋግጽ ደብዳበ ብዘይምሓዞም'ዩ" ኢሉ።

"ካብ ኣዲስ ኣበባ እዮም መጺኦም፤ ብፖለቲካዊ ውድባት ተዓዲምና እዮም ዝብሉ። ይኹን'ምበር 'ብስሩዕ ደብዳበ ከም ዝመጽኡ ኣይንፈልጥን' ዝብል ሓበሬታ እዩ ዘለና። ሕዚ እቲ ጉዳይ ኣብ መስርሕ ምጽራይ እዩ ዝርከብ" ክብል ኣረዲኡ።

እቲ መረዳእታ ኣቐዲሙ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ቤኒሻንጉል ከምዝበጽሖም ዘዘኻኸረ ኢንስፔክተር ዖስማን፡ ክልቲኦም ዝመጽኡሉ ንምርግጋጽ ምስቲ ዝለኣኾም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ጨንፈር [ቴለቪዥን ትግራይ] ይዘራረቡ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ኣይተ ተሻለ ግን "ካብቶም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባት ብዝበጽሓና መጸዋዕታ መሰረት ኢና ልኢኽናዮም" ክብል ሰራሕተኛታት ትካሉ ከምዝኾኑ ኣረጋጊጹ።

ደብዳበ!

ፖሊስ እታ ከተማ ከምዝሓበሮ እቶም ሰራሕተኛታት ኤጀንሲ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ፡ ደብዳበ ብዘይምሓዞም እዩ።

ጋዜጠኛታት ምዃኖም ጥራይ እኹል ኣይኮነን'ዶ? ዝብል ሕቶ ንሓላፊ መምርሒ ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ኣሶሳ ዋና ኢንስፔክተር ዖስማን ኦስቢክ ኣቕሪብናሉ።

"እቲ ኣሰራርሓ ከምኡ እዩ። ዝኾነ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብስራሕ ምኽንያት ናብ ዝኾነ ከባቢ ክኸይድ ከሎ 'ነዚ ስራሕ ወይ ጉዳይ መጺኡ' ዝብል ደብዳበ ክሕዝ ኣለዎ ይብል" ኢሉ።

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ዝርከቡ ክልተ ተቓወምቲ ውድባት ዘዳለውዎ መድረኽ ፌደራላዊ ሓይልታት ክሳብ ትማሊ ከምዝተኻየደ ድማ ኣረጋጊጹልና።

ብዛዕባ እቶም ልኡኻት ኤጀንሲ መራኸብቲ ሓፋሽ ንኣደለውቲ እቲ መድረኽ ክሓትዎም ምዃኖም'ውን ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ከተማ ኣሶሳ'ዶ ኮሚሽን ፖሊስ ቤኒሻንጉል?

እቲ ጋዜጠኛ ምስ በዓል ሞያ ካሜራ፡ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ቤኒሻንጉል ብዝሃቦ መምርሒ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ'ዩ ዋና ኢንስፔክተር ዖስማን ተዛሪቡ።

ሓላፊ ጽጥታ እቲ ክልል ኣይተ ኣበራ ባይታ ብወገኑ፡ ኣብ ቁጽጽር ዘውዓሎም ፖሊስ እታ ከተማ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ እኹል መረዳእታ ከምዘይብሉ ገሊጹልና።

"ብመምርሒ ፖሊስ ከተማ ዝተታሕዙ ኣለዉ፤ ዝተታሕዝሉ ምኽንያት ብዝምልከት ዝፈልጦ ነገር የብለይን" ክብል ሓቢሩ።

ተወሳኺ ዛንታ