ቡሩንዲ፡ ግዳያት ጃምላዊ ህልቂት ዝተቐብሩሉ ጋህሲ ንህዝቢ ተኸፊቱ

ንህዝቢ ዝተኸፍተ ጋህሲ ግዳያት ህልቂት ቡሩንዲ Image copyright MAIRIEBUJA
ናይ ምስሊ መግለጺ ገለ በጻሕቲ ሬሳ ቤተሰቦም ከለልዩ ከም ዝኸኣሉ ሰብመዚ ተዛሪቦም

ኣብ ቀንዲ ከተማ 'ታ ሃገር ዝኾነት ቡጁምቡራ ዝርከብ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ግዳያት ጃምላዊ ህልቂት ቡሩንዲ ዝተቐብሩሉ ጋህሲ፡ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ።

እቶም ግዳያት፡ ድሕሪ ቅትለት ፕረዚደንት ነበር መልኲዮር ዳዳየ ኣብ ዝተፈጥረ ግጭት፡ ዝተቐትሉ'ዮም።

እቲ ኣብ 1993 ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ናይቲ ንፈለማ ግዜ ብምርጫ ኣብ ስልጣን ዝመጸረ ፕረዚደንት ዳዳየ፡ ኣብ መንጎ እቲ ብዉሑዳን ብሄረ ቱትሱ ዝዕብለል ሰራዊት መንግስትን፡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሁቱን፡ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኣስዒቡ'ዩ።

ኣብቲ ን12 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ልዕሊ 300 000 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዝጀመረ ኲዕታ ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ቡጁምቡራ፡ ዝርከብ ጋህሲ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰንበት ተፈጺሙ።

ትማሊ ሰኑይ ድማ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ'ሎ። ኣብቲ ቦታ ብደም ዝጨቀወ ክዳውንትን ናይ መንነት ካርድታትን ናይቶም ግዳያት ንምርኢት ቀሪቡ'ሎ።

ምክትል ኣቦመንበር፡ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ቡሩንዲ፡ ኖህ ክለመንት ኒንዚዛ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ጋህሲ ሬሳ ናይ 250 ሰባት ከም ዝተረኽበ ሓቢሩ።

"ገለ በጻሕቲ ንሬሳ ቤተሰቦም ከለልዩ ኪኢሎም፡ ይበኽዩ ነይሮም። ስንባደ ፈጢሩ'ሎ" ክብል፡ እቲ ምክትል ኮሚሽነር ተዛሪቡ።

እቲ ነቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ብምጽራይ፡ ኣብ መንጎ ሁቱን ቱትስን ዕርቂ ከውርድ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ኮሚሽን፡ ሎሚ ጸብጻብ ናይቲ ኣብ ካልኦት ጋህስታት ዝረኸቦ ጭብጥታት ከቕርብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ደቃ ብጎዞሞ ንዝቖረጸላ ሰብ ይቅረ ዝበለት ርዋንዳዊት

ተመሳሳሊ ዛዕባታት