መረጻ 2012፡ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ 10 ነሓሰ ክካየድ ኣብ ዘቐረበ ውጥን ዘተ ይካየድ ኣሎ

ዘተ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ Image copyright BBC Sport

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ መረጻ ዝካየደሉ (ድምጺ ዝወሃበሉ) ዕለት፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 10 ነሓሰ 2012 (16 ነሓሰ 2020) ክኸውን ከምዝወጠነን ገና ዘተ ይግበረሉ ከምዘሎን ገሊጹ።

ኣብቲ ዘተ ይሳተፉ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን፡ መረጻ ኣብ ክረምቲ ዝካየድ እንተኾይኑ ኣሉታዊ ጽልዋ ከየስዕብ ስግኣት ከምዘለዎም ገሊጾም።

እቲ መረጻ ክካየደሉ ተወጢኑ ዘሎ ግዜ እዋን ክረምቲ ብምዃኑ፡ ኣብ ጎስጓስ መረጻን ኣብ ብዝሒ ኣድመጽትን ኣሉታዊ ጽልዋ ከስዕብ ይኽእል እዩ ኢሎም።

ሓላፊት ቦርድ መረጻ ብርቱኳን ሚደቅሳ ድማ፡ ብምኽንያት እቲ ዝግበር ዘሎ ናይ ሕጊን ትካላውን ለውጥታት፡ ነቲ መረጻ ኣብ ጉንበት ምክያድ ስለዘይተኽኣለ ናብ ነሓሰ ክደፍእዎ ከምዝተገደዱ ገሊጻ።

ናብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን ዝድፋእ እንተኾይኑ ድማ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ 2013 ዝግበር ስለዝኸውን፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ከምዝኸውን ኣብሪሃ።

እቲ ዘተ ዝግበረሉ ዘሎ ሰሌዳ ግዜ እንታይ ይብል?

ምዝገባ መረጽቲ፡ ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 28 ሚያዝያ ክካየድ፡ ጎስጓስ መረጻ ድማ ካብ 27 ሚያዝያ ክሳብ 05 ነሓሰ ክግበር ተወጢኑ'ሎ።

ካብ 22 ታሕሳስ ክሳብ መፈለምታ መጋቢት ናይ ክልላት ኣብያተ ጽሕፈት ዝጣየሽሉ እዋን ከምዝኾነ እቲ ሰሌዳ ግዜ የመልክት።

ካብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ 26 ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ፡ ሕጹያት ክምዝገቡ እዮም።

27 ሚያዝያ ፖለቲካዊ ውድባት ወግዓዊ ጎስጓስ መረጻ ዝጅምሩሉ ኮይኑ፡ 5 ነሓሰ ድማ ክዛዘም ውጥን ሓሰብ ቀሪቡ'ሎ።

Image copyright ETHIOPIAN ELECTION BOARD

ቦርድ መረጻ ዘተ ይካየደሉ ከምዘሎ ገሊጹ ኣብ ዘውጸኦ ውጥን ሰሌዳ ግዜ፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢት መረጻ ዝግለጸሉ እዋን፡ ካብ 11 ነሓሰ ክሳብ 20 ነሓሰ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ሰሌዳ ግዜ፡ ሰልፍታት ፖለቲካ፣ ትካላት ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ገና ርእይቶኦም ይህቡሉ ኣለዉ።

ርእይቶታት ተሳተፍቲ

እዋን ክረምቲ ስለዝኾነ ኣብቲ መረጻ ምትእጉጓል ከይፍጠር ዝብል ስግኣት ካብ ተሳተፍቲ ቀሪቡ ነይሩ። ሓላፊት ቦርድ መረጻ ብርቱኳን ሚደቅሳ ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ካብ ሃገራዊ ትካል ትንበያ ኣየር (ሜትዎሮሎጂ) ብዝርከብ መረዳእታ ምጥንኻር ከምዝከኣል ሓቢራ።

ክረምቲ ንመኻይን ምቹእ ኣይኮነን ንዝብል ድማ ናብቶም ኣጸገምቲ ዝኾኑ ከባብታት መኻይን ምክልኻል ሃገር ምጥቃም ከምዝከኣል ተዛሪባ።

ንኢዜማ ዝወከሉ ኣይተ ዋሲሁን ተስፋዬ "ምዝገባ ሕጹያት ኣብ ውሽጢ 13 መዓልታት ክካየድ ዝብል ሓጺሩ" ክብል ስክፍትኡ ገሊጹ።

13 መዓልቲ ንምዝገባ ሕጹያት እኹል ከምዝኾነ ዝሓበረት ወይዘሮ ብርቱካን፡ ተወሳኺ መዓልቲ ዘድልይ እንተኾይኑ ግን መሊስካ ምርኣይ ከምዝከኣል ኣመልኪታ።

ኣብቲ ዘተ ዝሳተፍ ዘሎ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብወገኑ፡ እታ ሃገር መረጻ ንምክያድ ኣብ እትኽእለሉ ኩነታት ከምዘይትርከብ ርእይትኡ ኣቐሚጡ።

"ህዝቢ ካብ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ናብ ትካላዊ ስርዓት ንክሰጋገር ዘቕረቦም ሕቶታት መልሲ ኣይረኸቡን። እዞም ሕቶታት ከኣ ብመረጻ መልሲ ዝረኽቡ ኣይኮኑን። ብድርድርን ሃገራዊ ምርድዳእን ዝፍትሑ እዮም" ኢሉ።

ነዚ ከይፈታሕኻ ናብ መረጻ ምእታው ግን ናብ ድሕሪት ዝመልስ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣካቢት እቲ ቦርድ ንሕቶ ኣይተ ልደቱ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ እቶም ስግኣታት ንቦርድ መረጻ ከምዘይምልከቱ ተዛሪባ።

"መረጻ ምክያድ ግድን'ዩ፤ ጉድለታት እንተሃለዉ'ውን ሓላፍነት ወሲድና ክነፈጽሞ ኢና። ብኣዋጅ ዝተወሃበና ግቡእ ኢና ነፈጽም" ክትብል ኣረዲኣ።

"ኣውሮጳዊ ሕብረት ነቲ መረጻ ክዕዘብ ጻውዒት ኣቕሪብናሉ ኣለና፤ ኣብ ሓጺር እዋን መልሲ ክህበና እዩ" ኢላ ወይዘሮ ብርቱካን።

እቲ ዘተ ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ቦርድ መረጻ ብድሕ'ቲ ዘተ ውሳነ ከሕልፍ ትጽቢት ይግበር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት