ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ 'ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኤርትራውያን ንሃገሮም ገዲፎም ተሰዲዶም'

ጎደና ሓርነት
ናይ ምስሊ መግለጺ ጎደና ሓርነት

ንመሰል ደቂ-ሰባት ዝጣበቕ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ፡ ክሳብ መወዳእታ 2018 ዓ.ም፡ 507,300 ኤርትራውያን ንሃገሮም ገዲፎም ከምእተሰዱ ገሊጹ።

እዚ ድማ ዳርጋ 10 ሚእታዊ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ የብርህ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ 2019 ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ'ዩ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ገሊጹ።

ኣብቲ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2019 ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝቐጸለን፡ ብሳዕቤኑ ኣሸሓት ቆልዑ ዝርከብዎም ኤርትራውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ከምዝወጹኡ ጠቒሱ።

እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር ኣይከኣለን ድማ ኢሉ።

ኤርትራ፡ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምዃና'ውን፡ ሰብኣዊ መሰላት ከምእተኽብር ክገብራ ኣይከኣልን ይብል ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ኤርትራ ሕጂ'ውን ይቕጽሉ ኣለዉ ንዝበሎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት'ውን ዘርዚሩ'ሎ።

Image copyright Eric Lafforgue/Art in All of Us

ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ግዱድ ሸቕልን

ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ 18 ኣዋርሕ ክኸውን ዝድንግግ ኣዋጅ እኳ እንተሎ፡ ኤርትራውያን ገደብ ኣልቦ ናብ ዝኾነ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክኣትዉ ከምዝግበር ሂዩማን ራይትስ ዎች ይገልጽ።

ገለ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ህንጸት ትሕተ ቅርጽን ኣብ ናይ ወጻኢ ትካላት ዕደናን ግዱድ ዕዮ ይፍጽሙ ድማ ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ 'ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብሕጊ 18 ኣዋርሕ ዝተገደበ ብምዃኑ፡ ገደብ ኣልቦ ኮይኑ ከምዘይፈልጥ' ብምግላጽ ነቲ ዝቐርብ ክስታት ክነጽጎ ጸኒሑ እዩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ንዘውጸኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተናዊሑ እንተኾይኑ፡ ብምርጫ መንግስቲ ኤርትራ ኣይኮነን።

ኣህጉራዊ ሕጋጋት ብዝጠሓሰ ዓማጺ ኣካል'ዩ ተስገዲዱ። ስርዓተ ምክልኻል ኤርትራ ንግዳማዊ ኣካላት፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ክጠሓስ ከሎ ሸለል ንዝበሉን ዘጽቀጡን፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይወርድን'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብቲ ሕጂ ዘውጸኦ ጸብጻብ ከምዝብሎ፡ ሓደ ሰብ 18 ዓመት ክመልኦ ከሎ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ሕጊ እኳ እንተሎ፡ ኣብ እዋን "ግፋ" ግን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ'ውን ከምዝውሰዱ ይገልጽ።

ገሊኦም ዕድመኦም 16 ወይ 17 ዝኾኑ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ኣብ ሳዋ መበል 12 ክፍሊ ክመሃሩ ከምዝግደዱ'ውን እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብ ሳዋ፡ ተምሃሮ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛን መቕጻዕትን ይወርዶም ክብል ድማ ይኸስስ።

Image copyright LOIC VENANCE
ናይ ምስሊ መግለጺ ናንተስ፡ ፈረንሳ፡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ብብዝሒ ዝርከቡሉ መደበር ስደተኛታት

ሃይማኖታዊ ናጽነት

መንግስቲ ኤርትራ ንኣርባዕተ ሃይማኖታት ጥራሕ'ዩ ብወግዒ ዝፈልጥ ይብል እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት። ንሳተን ድማ ኦርቶዶክስ ክርስትያን፣ ሱኒ ምስልምና፣ ሮማ ካቶሊክን ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራን እየን።

"ኣብ 2019፡ ከምቲ ልሙድ ኣብ ከረንን ኣስመራን [ብሰንኪ ሃይማኖት] ማእሰርትታት ነይሩ" ድማ ኢሉ።

'መሰኻኽር ዮሆዋ' (ጂሆቫ) ንሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዘይቅበልዎ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ብፍሉይ፡ መጥቃዕታት ከምዝበጽሖምን፡ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ክሳብ 52 ኣመንቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ይርከቡ ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ብወግዒ ዝፈልጠን ሃይማኖታት እውን እንተኾነ፡ ኣብ 2019 ጸቕጥታቱ ከምዘሐየለ ሂዩማን ራይትስ ዎች ይገልጽ።

ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ብካቶሊክ፣ ምስልምናን ወንጌላውያንን ዝመሓደራ ሸውዓተ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝሃገረ እውን ኣብሪሁ።

ኣብ ሰነ ድማ፡ ንኹለን ክሊኒካት ካቶሊክ ከምዝሃገረ ጠቒሱ።

ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ንዝድግፉ ሓሙሽተ ኣቕሽቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን፡ ኣብ 2019 ከምዝኣሰረ'ውን ሂዩማን ራይትስዎች ገሊጹ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ የማነ ገብረመስቀል ኣብ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ግን "ኣብ ኤርትራ እኮ ግጉይ ስእሊ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ኣሎ ኮይኑ'ምበር፡ ኤርትራ መሰል ናይ እምነት ተኽብር ሃገር እያ። መንግስቲ'ውን ኢዱ ዘእትወሉ ኣይኮነን። ኣነ ተደለኹ ይኣምን ተዘይደለኹ ኣይኣምንን። መንግስቲ ነዚ እመን ነቲ ኣይትእመን ክብለኒ ኣይክእልን እዩ" ኢሉ ነይሩ።

ሂዩማን ራይትስዎች ኣብ ዘውጸኦ ናይ 2019 ጸብጻብ፡ ነቐፍቲ መንግስትን ሰበስልጣን ነበርን፡ ብዘይፍርዲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ 'ዘይሕጋዊ' ቤት ማእሰርትታት ተሓይሮም ምህላዎም፤ ከምኡ ድማ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰልን መሰል ምውዳብን ተጋሂሱ ምህላዉ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት