ሰራዊት ሱዳን ንኣድማ ደገፍቲ ዑመር ኣል-በሽር ዝኾኑ ሓይልታት ጸጥታ ተቖጻጺሩዎ

ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን Image copyright AFP/HO/SUDAN TV
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓላፊ ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል መሰጋገሪ መንግስቲ ዝኾነ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ፡ ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን

ሰራዊት ሱዳን ንኣድማ ናይቶም ንፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ዑመር ኣልበሽር ከም ዝድግፉ ዝንገረሎም ሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተቖጻጸሮ ኣፍሊጡ።

ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ብርቱዕ ናይ ተዂሲ ምልውዋጥ ድሕሪ ምክያዱ ኣብታ ሃገር ናይ ጸጥታ ወጥሪ ሰፊኑ ቀንዩ'ሎ።

ጠንቂ ናይቲ ግጭት መጣየሲ ክፍሊት ናይ ገለ ኣባላት ናይቲ ኣዝዩ ዝፍራህ ዝነበረ ትካል ስለያ ምዃኑ ተፈሊጡ። ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ እቲ ትካል ለውጥታት ይግበረሉ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ኣብቲ ዝተፈጥረ ግጭት፡ ክልተ ወታሃደራት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 4 ቆሲሎም ኣለዉ። እቲ ግጭት ድሕሪ ምውራድ ኣልበሽር ዝተራእየ እቲ ዝኸፍአ ናዕቢ'ዩ ተባሂሉ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣባላት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዝኾነ፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ "ሕመቲ"፡ እቲ ኣድማ ብሓላፊ ስለያ ነበር ጀነራል ሳላሕ ጎሽ ዝተወደበ'ዩ ነይሩ ክብል ከሲሱ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ጀነራል ዳጋሎ፡ እቲ ኣድማ ዕልዋ መንግስቲ'ዩ ክብል ከም ዘይደፍር ብምግላጽ፡ ከምኡ ዓይነት ተግባር ከም ዘይጻወር ተዛሪቡ

እቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣበይ ከም ዘሎ ዘይፍለጥ ጀነራል ሳላሕ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ ካብታ ሃገር ከም ዝወጸ ይንገር።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ፡ ሱዳን ብጀነራላትን ሲቪላውያን መራሕቲ'ያ ትመሓደር ዘላ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት እታ ሃገርን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ መሰጋገሪ ተመስሪቱ ይርከብ።

ክሊ ኣየር ንበረራታት ተኸፊቱ'ሎ

ጀነራል ዳጋሎ፡ እቲ ኣድማ ዕልዋ መንግስቲ'ዩ ክብል ከም ዘይደፍር ብምግላጽ፡ ከምኡ ዓይነት ተግባር ከም ዘይጻወር ተዛሪቡ።

ሓላፊ ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል መሰጋገሪ መንግስቲ ዝኾነ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ፡ ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ብወገኑ፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ግጭት ከም ዝሃድአ ሓቢሩ።

"ኩሉ እዝታት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ኣትዩ'ሎ። ክሊ ኣየር ድማ ተኸፊቱ'ሎ" ክብል እቲ ጀነራል ኣዊጁ።

እቲ ግጭት ድሕሪ ምውልዑ፡ በረራታት ተቛሪጹ፡ ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም'ውን ተዓጽዩ ነይሩ። ድሩዓት ወታሃደራዊ ማካይን'ውን ኣብታ ከተማ ተዋፊረን ከም ዘለዋ ጸብጻባት ሓቢሮም።

Image copyright AFP

ገለ ኣባላት ናይቲ ብ'ጀነራል ኢንተሊጀንስ ሰርቪስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትካል ስለያ፡ ሓይሎም ንምርኣይ ከቢድ ብረታት ንሰማይ ክትኩሱ ሓዲሮም።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ካርቱም፡ ውግእ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ጥቓ ማዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ከባቢ፡ ገለ ካብቶም ዝኣደሙ ኣባላት ስለያ ንሓደ ህንጻ ከም ዝተቖጻጸሩን፡ ነበርቲ ብምጥቃስ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

"እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቶም ኣባላት [ስለያ] መጠን ዝተዋህቦም ናይ መጣየሲ ገንዘብ ብምንጻጎም'ዩ" ክብል ኣፈኛ መንግስቲ ፋይሳል መሓመድ ሳላሕ ንመደበር ተለቪዥን እታ ሃገር ተዛሪቡ።

ሓደ ካብ ቀንዲ ንተቓውሞታት ሱዳን ዝወደቡ ጉጀለታት፡ "እዚ ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ፈጢሩ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ስርሒታት" ደው ክብል ጸዊዑ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ቀጻሊ ተቓውሞታት፡ ብውሕዱ 170 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይፍለጥ።

እቲ ብሃገራዊ ደሕነትን ኣገልግሎት ስለያን ዝፍለጥ ናይ ጸጥታ ትካል፡ ነቲ ተቓውሞታት ንምጭፍላቕ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ ነይሩ'ዩ።

ኣብቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝቐጸለ ዘመነ-ስልጣን ዑመር ኣልበሽር፡ እቲ ትካል እቲ ዝሓየለ ናይታ ሃገር ናይ ጸጥታ ኣካል'ዩ ነይሩ።

ህዝባዊ ናዕቢ ብዝፈጠሮ ድፍኢት ብሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ኣልበሽር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ብብልሽውና ተኸሲሱ ንክልተ ዓመት ማሰርቲ ተፈሪዱ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት