ሩስያ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር መድቨደቭ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ መዝነቱ ወሪዱ

ፑቲንን መድቨደቭን Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ስልጣን ፕረዚደንት ቀዳማይ ሚነስተርን ክበራረይሉ ዝጸንሑ ፑቲንን መድቨደቭን

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ቅዋማዊ ምምሕያሽ ክግበር እማመ ድሕሪ ምቕራቡ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ወሪዱ።

እዚ ማለት እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ካቢነ እታ ሃገር ብምሉኡ፡ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ንሓላፊ ኣገልግሎት ግብሪ ዝነበረ ሚካኤል ሚሹስቲን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን መዚዝዎ'ሎ።

ፑቲን፡ ነቲ ካብ መዝነቱ ወሪዱ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዲሚትሪ መድቨደቭ ምክትል ኣቦመንበር ናይቲ ባዕሉ ዝመርሖ ቤት-ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ክኸውን መዚዝዎ'ሎ።

እቲ ሃንደበታዊ ውሳነ፡ ዘመነ ስልጣኑ ቅድሚ ምብቅዑ፡ ኣርባዕተ ዓመት ኣቐዲሙ'ዩ ዝውሰድ ዘሎ። ስለምንታይ ነቲ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ግና ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን።

እማመ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ኣብ ሚዛን ስልጣን እታ ሃገር ዓቢ ለውጢ ዘምጽእ ምዃኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር መድቨደቭ ተዛሪቡ።

ብመሰረት እቲ ሕጂ ዘሎ ቅዋም እታ ሃገር፡ ፑቲን ንዝቕጽል እብረ ስልጣን ክወዳደር ኣይፍቀደሉን'ዩ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ንክልቲኡ ደረጃታት ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ እማመ ስልጣን ካብ ፕረዚደንት፡ ናብ ፓርላማ ዘሰጋገር'ዩ ኢሉ።

ምንጭታት መንግስቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሚኒስተራት መንግስቲ እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ከም ዝወርድ ኣይፈለጡን።

"ሃንደበታዊ'ዩ ነይሩ" ክብል ሓደ ካብቶም ምንጭታት ሓቢሩ።

መድቨደቭ ንባዕሉ፡ ንሓያሎ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 2008 ክሳብ 2012 ፕረዚደንት ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ድማ፡ ቭላድሚር ፑቲን ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ሒዙ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብቲ ዝነበሮ መንበረ ፕረዚደንት ተመሊሱ።

ይኹን'እምበር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ'ውን እንተኾነ ገባሪን ሓደጊን ከም ዝነበረ'ዩ ዝግለጽ።

ብመሰረት ቅዋም ሩስያ፡ ሓደ ፕረዚደንት ንክልተ ተኸታተልቲ እብረታት ጥራይ ከገልግል'ዩ ዝፍቀደሉ። እዚ ማለት፡ ኣብ ካልእ እዋን ተመሊሱ ስልጣን ክሕዝ ይኽእል'ዩ።

ኣብቲ ንባይቶ ዘስመዖ መደረ፡ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ዝውለዱ ቆልዑ ንምውሳኽ ዘኽእል ናይ ፖሊሲ ለውጥታት ከም ዝግበር ቃል ኣትዩ።

ብዝሒ ህዝቢ ሩስያ፡ እናነከየ ምምጽኡ ንመንግስቲ'ታ ሃገር ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩሉ ጸኒሑ'ዩ።

ነቶም ክወልዱ ዝኽእሉ ዜጋታት ንምትብባዕ፡ ቆልዑ ንዘለዎም ስድራቤታት ናይ ቀረፅ ሕድገት ክግበረሎም ምዃኑ'ዩ ፑቲን ተመባጺዑ ዘሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት