ፕረዚደንት ኢራን፡ ብዛዕባ ምውዳቕ ነፋሪት ዩክሬን መብርሂ ክወሃቦ ንሰራዊቱ ሓቲቱ

ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ናይዝሞቱ ስእሊ ሒዞም እንከለው Image copyright Getty Images

ፕረዚደንት ኢራን ሓሳን ሩሃኒ፡ እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተተኮሳ ሚሳይል ተሃሪማ ዝተሓምምሸት ነፋሪት ዩክሬን ዝምልከት ሰራዊት እታ ሃገር ዝያዳ መብርሂ ክህቦ ጠሊቡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ ብወገኑ፡ ድሕሪ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ኢራናውያን ንመዓልታት ግጉይ ሓበሬታ ከም ዝተዋህቡ ተዛሪቡ።

ንሱ ከምዝሓበሮ፡ ንሱን ፕረዚደንት እታ ሃገርን ብዛዕባ እቲ ጉዳያ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮም ገሊጹ።

ሓይልታት እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ነታ 176 ተሳፈርቲ ሒዛ እትጎዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ብጌጋ ብምህራሞም፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እንከላ ከም እተባረዐትን፡ እቶም ተሳፈርቲ ብምሉኦም ከምዝሞቱን ይፍለጥ።

እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ እዋን፡ ኢራን ኣብ ዒራቕ ንዝነበረ መደበራት ኣመሪካ ብሚሳይላት ዘጥቀዓትሉ ሰዓታት እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢራን ሓሳን ሮሃኒ ኣብ ቴለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ዝተወሃሃደን ዝተጻፈፈን መርመራ ክገብር ኣተሓሳሲቡ።

ብተወሳኺ፡ ህዝቢ እንታይ ከምዘጋጠመ ሓላፍነት ወሲድና ብቕንዕና ክንገሮ ከምዘለዎ ተማሕጺኑ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ፡ "ኣነን ፕረዚደንትን ብዛዕባ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ንፈልጦ ኣይነበረናን። ምስ ፈለጥና ድማ ብቕልጡፍ ንህዝቢ ሓቢርና" ክብል ተዛሪቡ።

ብምውዳቕ እዛ ነፋሪት፡ ኣብታ ሃገር ሓያል ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ምስ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ብዝተኣሳሰር ድማ ሓያሎ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ኢራን ገሊጻ ኣላ።