ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ክወስድ ምዃኑ ዝገለጸ ጃፓናዊ ሚኒስተር ኣዘራራቢ ኮይኑ

ሺንጂሮ ኮይዙሚ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣቕራቢት ዜና ክሪስተል ታኪጋዋ Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሺንጂሮ ኮይዙሚ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣቕራቢት ዜና ክሪስተል ታኪጋዋ

ሚኒስተር ኣከባቢ ጃፓን ሺንጂሮ ኮይዙሚ ሰበይቱ ክትሓርስ ከላ ኣቦነተዋኢ ዕረፍቲ (ፓተርኒቲ ሊቭ) ክወስድ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ኣብታ ሃገር ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

በዓልቲ ቤቱ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ክትሓርስ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፡ ንኽልተ ሰሙን ዕረፍቲ ከምዝወስድ ሚኒስተር ኮይዙሚ ሓቢሩ። ጃፓናዊ ኣባል ካቢነ ሚኒስተራት፡ ኣቦነታዊ ዕረፍቲ፡ ማለት ንኣቦ ሓድሽ ውላድ ዝወሃብ ፍቓድ ዕረፍቲ ክወስድ እዚ ናይ ፈለማ እዩ።

ኣብ ጃፓን፡ ኣቦን ኣደን፡ ሓድሽ ህጻን ክወልዱ ከለው፡ ካብ ስርሖም ክሳብ ሓደ ዓመት ዝበጽሕ ዕረፍቲ ክወስዱ ይፍቐዶም።

እንተኾነ ግን ካብ ኣቦታት፡ ብሰንኪ ጻዕቒ ስራሕ፡ 6% ጥራይ እዮም ኣብ 2018 ነቲ ዕረፍቲ ዝወስዱ። ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ኣሃዝ 82% ይበጽሕ።

"እቲ ህጻን ምስ ተወለደ ኣብ ዘሎ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ እታ ኣደ ብዙሕ ጾራት ስለዝህለዋ፡ ንስርሐይ ቀዳምነት እናሃብኩ፡ ብጠቕላላ ናይ ክልተ ሰሙን ኣቦነታዊ ፍቓድ እየ ክወስድ" ኢሉ እቲ ሚኒስተር።

ዝያዳ ኢመይልን ቪድዮ ኮንፈረንስታትን ብምዝውታር ስርሑ ከም ዝሽፍንን፡ ኣብ ኣገደስቲ ኣኼባታት ምክትላቱ ከም ዝውክልዎን ገሊጹ። ከም ኣኼባ ፓርላማ ዝኣመሰሉ "ኣገደስቲ ህዝባዊ ንጥፈታት" ግና ክርከበብ ምዃኑውን ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ናይ ኣቦነት ዕረፍቲ ናይ ምውሳድ ሓሳብ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ እዩ ክዘራረበሉ ጸኒሑ።

ወዲ 38 ዓመት፡ ሚኒስተር ኮይዙሚ፡ ወዱ ነቲ ህቡብ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ጁንኪሮ ኮይዙሚ ኮይኑ በዓልቲ ቤቱ፡ ፈረንሳዊ መበቆል ዘለዋ ጓል 42 ዓመት ጃፓናዊት ኣቕራቢት ዜና ክሪስተል ታኪጋዋ እያ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት