ኢራን ብብሪጣንያ ንዝቐረበ ጻውዒት ኒኩለራዊ ስምምዕ ነጺጋ

ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሩሓኒ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ዝኣተውኦ መብጽዓ ከኽብራ ፕረዚደንት ሓሰን ሩሓኒ ጸዊዑ

ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሮሓኒ፡ ነቲ ናይ 2015 ኒኩለራዊ ስምምዕ ዝትክእ "ኒኩለራዊ ስምምዕ ትራምፕ" ዝተሰምየ ሓድሽ ውዕል ክቕበል ብቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ንዝቐረበሉ ጻውዒት ነጺጉ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ዝቐደመ ስምምዕ "ሓጓፋት" ከም ዝረኸበሉን ስምምዕ ክግበር ሓሳብ ከም ዘቕረበን ቦሪስ ጆንሰን ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሮሓኒ "ትራምፕ ዝገበሮ ንኹሉ መብጽዓታት ምፍራስ" እዩ ኢሉ።

ኢራን ንገለ መብጽዓታት ናይቲ ስምምዕ ምስ ጠሓሰት፡ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳን ጀርመንን ንምስሕሓብ ናይቲ ኒኩለራዊ ስምምዕ ከም ዘለዓዓልዖ፡ ሓሰን ሩሓኒ ከሲሱ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ 2018 ነቲ ስምምዕ ብምጥንጣን፡ ኢራን ናብ ሓድሽ ስምምዕ ክትኣቱ ንምስግዳድ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝነበረ እገዳታት ኣሜሪካ፡ ዳግማይ ኣንቢርዎ እዩ።

እቲ ሓድሽ ውዕል፡ ንውጥናት ኒኩለር ኢራን ዘይተወሰነ ዝገትእን ምምዕባል ተወንጫፊ ሚሳይል ክተቋርጽ ዝገብርን እዩ።

እቶም ካልኦት ሓሙሽተ ወገናት ናይቲ ስምምዕ ማለት ሓያላን ሃገራት ኤውሮጳ፣ ቻይናን ሩስያን እቲ ስምምዕ ክፈርስ ኣይደልያን። እቲ እገዳታት ንሰደድ ነዳዲ ኢራን ዓቢ ሃሰያ ከስዕበሉ ከሎ፡ ዋጋ ባጤራ እታ ሃገር ኣንቆልቊሉ፡ መጠን ዝቕባበ ሰማይ ኣሪጉ ኣሎ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝገብሮ ጸቕጢ ኣብ ግንቦት 2019 ምስ ኣዛየዶ፡ ኢራን ነቲ ጸዓት ንምፍራይ ዘገልግል ዩራንየም ኣብ ምፍራይ ንዝነበረ ገደብ ክብ ኣቢላቶ ኣላ። ዩራንየም ኒኩለራዊ ኣጽዋር ንምፍራይ'ውን የገልግል እዩ።

ኣብ ፈለማ እቲ ወርሒ፡ ኢራናዊ ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ ብኣሜሪካ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኢራን እቲ ናይ መወዳእታ ገደብ ከም ዘልዓለቶ ብወግዒ ክተፍልጥ ከላ፤ ኣብ ኢራቕ ናብ ዝርከብ ክልተ መዓስከራት ሰራዊት ኣሜሪካ ባሊስቲክ ሚሳይል ቶኪሳ እያ።

እቲ ናይ 2015 ስምምዕ፡ ነታ ኒኩለራዊ መደባታ ንሰላማዊ መዓላ ጥራይ ምኳኑ እትገለጽ ኢራን፡ ካብ ኣሰካፊ ንጥፈታት ክትቁጠብን ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት ምክትታል ክገብር ክተፍቅድን ኣምሳይኡ ድማ እገዳታት ክለዓለላ ዝገብር እዩ።

ተወሳኺ ዛንታ