ሰባዊ መሰላት፡ ኣብዪ ኣሕመድ ዘተኣታተዎም ጽገናታት ኣብ ሓደጋ ኣትዮም

መንእሰያት ኢትዮጵያ Image copyright Getty Images

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ስልጣኑ ዝገበሮም ናይ ሰባዊ መሰላት ጽገናታትን ምምሕያሻትን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመተ 2019 ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣተዉ፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝተባህለ ጉጅለ ሰባዊ መሰላት ገሊጹ።

እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ዓመት ዝተፈጠሩ ዓሌታዊ ግጭታትን፡ ግዝኣተ ሕጊ ዘይምኽባርን ቀንዲ ካብቶም ጸገማት ከም ዝነበሩ ይጠቅስ።

ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ሚያዝያ 2017 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር፡ ኣብ መንጎ ብሄራት ብዝተፈጥረ ጎንጺ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞቶምን፡ ሚልዮናት ተፈናቒሎምን'ዮም።

እቲ ኩነታት ኣብታ ሃገር፡ ክሳብ ሕጂ ፍታሕ ዘይተረኽበሉ ዓቢ ዘይምርግጋእ ፈጢሩ ከምዝርከብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

ኣብ ሰነ 2019 ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ብዝተፈጸመ "ዕልዋ መንግስቲ" ዝተባህለ መጥቃዕቲ መርኣያ ምንቁልቋል ናይቲ ቅልውላዉ'ዩ ነይሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ፡ ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ፡ ኢታ ማጆር ሹም ሰራዊት እታ ሃጋር ዝነበረ ብዓል ኣርባዕተ ኮኮኾብ ጀነራል ሰዓረ መኮንን፡ ሜ/ጀነራል ገዛኢ ኣበራ፡ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣምባቸው መኮንን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ተቐቲሎም'ዮም።

Image copyright Getty Images

በቲ መንግስቲ "ፈተነ ዕልዋ" ዝበሎ መጥቃዕቲ ዝተጠርጠሩ፡ ብግብረሽበራ ዝተኸሱ ሓያሎ ሰባት ፍትሒ ከም ዘይረኸቡ እቲ ማሕበር ዘውጽኦ ጸብጻብ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።

ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን፡ ናይ ምእካብን መሰላት ከም ዝተጣሕሱ'ውን ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ብሰንኩ ሓያሎ ሰባት ከም ዝተቐትሉ የረድእ።

ምስ ናይ ክልል ጠለብ ህዝቢ ብሄረ ሲዳማ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፍታት ሓያሎ ሰባት ምቕታሎም፡ መንግስቲ ነቲ ሕቶ ቀልጢፉ ግቡእ መልሲ ብዘይምሃቡ'ዩ ድማ ይብል።

ኣብቲ ዞባ ብዝተፈጥረ ግጭታት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ መንበሪ ኣባይቶምን ከባቢኦምን ምፍንቓሎምን ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ንነዊሕ እዋን ከምዝጸንሑ ይዝከር።

ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ'ውን ካብቲ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ዘካየዶም ግህሰታት ኮይኖም፡ እሱራት ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንሳምንታት ምጽንሖም ንሕጊ'ታ ሃገር ዝጻረር'ዩ ኢሉ።

ከም ኣብነት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ፖለቲከኛታት ብምጥቃስ፡ ሓያሎ ግዳያት ፍርዳዊ መስርሕ ከይጀመሩ ኣብ ግዝያዊ መዳጎኒ ተታሒዞም ኣለዉ ኢሉ።

ዋላ'ኳ ሕጊ ግብረሽበራ እታ ሃገር፡ ምምሕያሽ እንተተገብረሉ፡ እቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመታት እኹል ከም ዘይኮነ'ውን ሂዩማን ራይትስ ተዛሪቡ።

Image copyright MICHAEL TEWELDE

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ኣሽሓት ሰባት በቲ ናይ ቀደም ሕጊ ከም ዝተኣስሩን፡ ኣሸበርቲ ተባሂሎም ከም ዝተጠቀኑን ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ብዛዕባ ዝተፈጸሙ ገበናትን ምግሃስ መሰላትን'ውን ዝተወስደ ፍትሓዊ ስጉምቲ የለን ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ዝተመስረተ ኮሚሽን ዕርቂ'ውን እንተኾነ ዘፍረዮ ነገር ከም ዘየለ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

መንግስቲ ነቶም ካብ ሱዕዲ ዓረብ ተጠሪዞም ዝመጹ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት'ውን፡ እኹል ማሕበራዊ ደገፍ ኣይገበረሎምን ክብል እቲ ማሕበር ነቒፉ'ሎ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን፡ ስራሕ ንምድላይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ሱዕዲ ከምዝኣትዉ ይፍለጥ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ በረኻታት ወይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም ክሞቱ ጸኒሖም'ዮም።