ዝሃብተመት ጓልኣንስተይቲ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ኣንጎላ ንምዃን ድልየት ከም ዘለዋ ኣመልኪታ

ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ፡ ሓንቲ ካብ ዝሃብተማ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም

ብምጥፍፋእ ሓደ ቢልዮን ዶላር ትኽሰስ ዘላ፡ ኣንጎላዊት ቢልዮነር ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ፡ ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ክትኸውን ድልየት ከም ዘለዋ ኣመልኪታ።

ንሳ ጓሉ ነቲ ንኣንጎላ ን38 ዓመታት ዝመርሐ ጆሴ ኤድዋርዶ ሳንቶስ ክትኸውን እንከላ፤ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኢዛቤል 1 ቢልዮን ዶላር ከም ዘጠፋፍኣት ይኸሱ። ንሳ ግና ነቲ ክሲ ነጺጋቶ ኣላ።

ጓል 46 ዓመት ኢዛቤል ሓንቲ ካብ ሃብታማት ዓለም ኮይና፤ መጽሄት ፎርብስ፡ 2.2 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ከም ዘለዋ ብምጥቃስ ካብ ደቂ ኣንስትዯ ኣፍሪቃ ብሃብቲ ኣብ ቅድሚት ይሰርዓ።

ኣቡኣ፡ ኣከራኻሪ ብዝኾነ መገዲ ሓላፊት መንግስታዊ ኩባንያ ነዳዲ 'ሶናንጎሊ' ክትኸውን ኣብ 2016 እዩ መዚዝዋ።

ኣብ 2017 ግና፡ እቲ ኣቡኣ ናብ ስልጣን ዘምጽኦ ፕረዚደንት ጃዎ ሎሬንኮ፡ ካብ መዝነታ ኣባሪርዋ።

ኢዛል እንታይ'ያ ኢላ?

ምስ ቢቢሲ ኣብ ለንደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ናብ ሃገራ እንተተመሊሳ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቕ ደጋጊማ ተዛሪባ።

ብዛዕባ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ናይ ምውድዳር ተኽእሎ እንተሎ ክትምልስ ከላ፡ ልዑል ሃገራውነትን ንሃገራ ናይ ምግልጋል ድልየትን ከም ዘለዋ'ያ ገሊጻ።

"ምምራሕ ምግልጋል እዩ፤ ስለዚ ዝኽእሎ ኩሉ ክገብር እየ" ኢላ።

ኢዛቤል፡ ጸኒሓ ምስ ቴለቪዥን ፖርቱጋል ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ኣብ 2022 ንፕረዚደንታዊ መረጻ ክትወዳደር "ተኽእሎታት" ከም ዘሎ ተዛሪባ።

ስድራ ዶስ ሳንቶስ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ከም ዝጎሓሉ ኣኽበርቲ ሕጊ ድሕሪ ምኽሳሶም፡ ድሕሪ ዝተኻየደ መርመራ፤ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣንጎላ፡ ሉዋንዳ፡ ዝርከብ ቤትፍርዲ፡ ናይ ባንክ ሕሳባን ንግዳዊ ንጥፈታታን ክድስክል ኣዚዙ እዩ።

ንሳ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ "እዚ፡ በቲ ህልው መንግስቲ ዝተዋደደ ፖለቲካ ዝመበገሲኡ ጠቐነ እዩ" ኢላ

ሓዋ፡ ጆሴ ፊሎመኖ ዶስ ሳንቶስ፡ ብኽስታት ብልሽውና ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ኣሎ።

ንሱ፡ ሓላፊ ማዕከን ሃብቲ ኣንጎላ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ካልኦት ተኸሰስቲ ተሓባቢሩ፡ 500 ሚልዮን ዶላር ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝገበረ እቲ ክሲ የመልክት።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት