ኲናት ሓድሕድ ሊብያ፡ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሊብያ ጣልቃ ምእታው ከብቅዕ ጸዊዑ

ጋሳን ሳላሚ ጸዊዑ ሓላፊ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ነቶም ተዋጋእቲ ወገናት ዝግበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ሓገዝ፡ ነቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ገጹ የምርሖ ከም ዘሎ ሳላሚ ሓቢሩ

ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ፡ ጋሳን ሳላሚ ኣብ ጉዳያት ኲናት ሓድሕድ ሊብያ ጣልቃ ምእታው ከብቅዕ ጸዊዑ።

ነቶም ተዋጋእቲ ወገናት ዝግበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ሓገዝ፡ ነቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ገጹ የምርሖ ከም ዘሎ ሳላሚ ሓቢሩ። እቶም ተቐናቐንቲ ንሰንበት ኣብ በርሊን ዝርርብ ሰላም ከካይዱ ትጽቢት ይግበር።

ኣብቲ ዝርርብ፡ እወታዊ ምዕባለታት ክህሉ ተስፋ ከም ዘለዎ፡ ሳላሚ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ጀነራል ከሊፋ ሃፍጣርን ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ መንግስትን ንትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብ ኲናት ድሕሪ ምግጣሞም'ዩ እዚ ዝርርብ ድሕሪ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ጀነራል ሃፍጣርን ሃገራዊ መንግስትን ግዚያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኽሲ ኣካይዶም እዮም።

እንተኾነ ግና ነቲ ዝተራእየ ምጥሓስ እቲ ስምምዕ ክልቲኦም ወገናት ይካሰሱ። ንክልቲኦም ወገናት ንምትዕራቕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሞሰኮ ዝተኻየደ ፈተነ ፈሺሉ እዩ።

ብቐዳም፡ ሓይልታት ጀነራል ሃፍጣር ብርክት ካብ ዝበሉ ዓበይቲ ወደባት ሊብያ፡ ሰደድ ነዳዲ ከም ዝኸልከሉ ይግለጽ። እዚ ነታ ኣብ ሰደድ ነዳዲ ዝተሞርኮሰ ቁጠባ ዘለዋ ሃገር ኣዝዩ ሃሳዪ እዩ።

ጋሳን ሳላሚ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ ምሕትት፡ ሓያላን ሃገራት ነቶም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወገናት፡ ናይ ዕሱባት፡ ኣጽዋር፡ ገንዘባውን ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ሓገዛትን ምግባር ከብቅዓ ጸዊዑ።

ግደ ሃገራት ወጻኢ ኣብቲ ኲናት፡ ቱርኪ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ንምሕጋዝ ሰራዊታ ናብ ሊብያ ንምስዳድ ድሕሪ ምውሳና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ'ዩ ኣተኩሮ ስሒቡ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ጀነራል ሃፍታር ከሊፋ (የማን) ኣቦ መራሒ መንግስቲ ሊብያ ፋይዝ ኣል-ስራጅ (ጸጋም)

እቲ ብጀነራል ሃፍጣር ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ፡ ናይ ሩስያ፣ ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዮርዳኖስን ደገፍ ኣለዎ።

እቲ ብሰንበት ዝካየድ ዝርርብ ሰላም፡ ሓያላን ሃገራት ነቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሊብያ ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር ከኽብራን፤ ኣብቲ ግጭት ጣልቃ ካብ ምእታው ክቑጠባን መብጽዓ ክኣትዋ ትጽቢት ይግበር።

ኣብቲ ርክብ እቶም ክልተ ወገናት፡ ብድሕሪኦም ዘለዋ ናይ ወጻኢ ሃገራት፡ ሕቡራት ሃገራትን ፐረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጠይብ ኤርዶዋን ዝርከብዎም ካልኦት ሓያላት ሃገራት ክሳተፋ እየን።

ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን።

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ፡ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክትሕቖን ጸኒሓ ኣላ።

ሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ ንዝበዝሕ መብራቓዊ ሊብያ ክቆጻጽ ከሎ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ንከተማ ትሪፖሊ ንምቁጽጻር ኣንጻር እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ መንግስቲ መጥቃዕቲ የካይድ ኣሎ።