ቀዳማይ ክፋል ዛንታ እያሱ በርሀ፡ ካብ ጅብሩኽ ክሳብ ዓሳጋራ

እያሱ ብቑልዕነቱን ኣብ ገድልን
ናይ ምስሊ መግለጺ እያሱ ብቑልዕነቱን ኣብ ገድልን

ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ 1968፡ መቐለ ኣብ ሓያል ፖለቲካዊ ረስኒ ዝነበረትሉ እዋን እዩ። ደርጊ፡ 'ዝተቓወመ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንምቅዋም ዝሓለነ'ውን ብሞት ክቕጻዕ እዩ' ኢሉ ካብ ዝእውጅ ውዒሉ ሓዲሩ።

ኣብዚ ጽንኩር ህሞት ኮይኖም ግን፡ መናእሰይ ሕቡእ ዋህዮታት ወዲቦም ይንቀሳቐሱ ነይሮም። ኣብ መናድቕ መቐለ፡ ኣንጻር ደርግ ጭርሖታት ተጻሒፉ ይሓድር ነበረ።

ሽዑ፡ ግርማይ በርሀ ኣብ ዓድግራት መምህር ነይሩ። ቀዳምን ሰንበትን ግን ኣብታ ዝዓበየላ መቐለ እዩ ዘሕልፎ።

ሓደ መዓልቲ፡ ግርማይ ብኸባቢ ሆሳእና (ሕዚ 16 ዝበሃል ከባቢ) ሕልፍ ክብል፡ ኣብ መንደቕ ብቀይሕ ቀለም ዝተጽሓፈ ጽሑፍ ረኣየ። "ደርግ ካብ ሱሩ ክቡርቆቕ እዩ" ዝብል ጭርሖ፤ ብጽቡቕ ናይ ኢድ ጽሑፍ ዝተጽሓፈ።

ግርማይ እዚ ጽሑፍ ናይ መን ምዃኑ ኣይጠፍኦን። ኣብ ገዝኦም ታኒካ ቀለም ምስረኸበ ድማ፡ ነቲ ጥርጣርኡ ኣረጋጊጽሉ። ናይ እያሱ ጽሕፈት እዩ!

"እታ 'ክቡርቆቕ እዩ' እትብል ግን 'ክመሓው እዩ' ዘይምገበርካያ?" ኢልዎ ንእያሱ። 'ፈሊጠካ'ለኹ' ንምባል እምበር በቲ ዝገበሮ ተሓጕሱ ኣይነበረን ከምኡ ኢልዎ።

እኳ ደኣስ ከም ዓብዪ ሓው ኮረዮ። "እነይ ክተሕንቐለይ ዲኻ ከምኡ ትገብር ዘለኻ?" ኢሉ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል መዘዝ ከዘክሮ ፈቲኑ።

ኣፈላለዮም ደርጊ ናይ ምጽላእን ዘይምጽላእን ኣይነበረን። ክልቲኦም ኣሕዋት ኣንጻር ደርጊ እዮም። ፖለቲካዊ ኣሰላልፈኦም ግን ነንበይኑ ነይሩ።

እያሱ ድሮ ምስ ተሓህት (ህወሓት) ክንቀሳቐስ ጀሚሩ'ሎ። ግርማይ ድማ፡ ኣብቲ እዋን ደጋፊ ኢህኣፓ እዩ ነይሩ።

ነዚ ድማ ክልቲኦም ፈሊጦም'ለዉ። ዋለኳ ብግልጺ ኣይዘራረብሉ እምበር፡ ኣብቲ ሓሓሊፉ ዝገብርዎ ክትዓት የንጸባርቕዎ።

እያሱ "ገዛኻ ከይኮስተርካ ገዛ'ማትካ ምጽራይ የለን" ይብል ነይሩ። እኒ ግርማይ ከኣ ንተሓህት "ጭጓጉሒት" (ዕንቍ) ይብልዎም ነይሮም፤ "ጸበብቲ" ንምባል።

ክልቲኦም ኣሕዋት፡ ኣብ እዋን ንእስነቶም ብፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኣይተቓደዉን። ግን ዝፋተዉ ኣሕዋት ነይሮም። ኣተዓባብየኦም ድማ ከም ዓብዪን ንኡስን ጥራይ ኣይነበረን። ከም መሓዙት እውን እዮም።

ቁልዕነት እያሱ

ግዜ ሓያል! ናብ ትማሊ ከይትምለስ፡ ናብ ጽባሕ ከይትዘልል፡ ብሎምን ብሕዚን ዓጊቱ ዝሕዘካ ብርቱዕ እዩ።

እምበር እንተዝኾነለይሲ፡ ኣብ ሓዲድ ግዜ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ምምልላስ ዝከኣል እንተዝኸውን፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ናብ መወዳእታ 1950ታትን፡ ናብ መጀመርያ 1960ታትን ሒዘኩም ምተዓዘርኩ።

ቁልዕነት እያሱ በርሀ ብኣካል ከርእየኩም፡ ንመቐለ ምወሰድኩኹም።

ናይ ምስሊ መግለጺ እያሱ ብቑልዕነቱ

ናብታ ጅብሩኽ እትበሃል መንደር መቐለ እንተንኸይድ፡ ንእያሱ ምረኸብናዮ። ኣብ ጥቓ ዕዳጋ ሰኑይ፡ ኣብ መንጎ እክብ ኢሎም 'ብዪ' (ባሊና) ዝጻወቱ ቆልዑ ኣይምሰኣናዮን።

"እቲ ረጕድ ቆልዓ ዶ ሪኢኹምዎ? ንሱ ግርማይ በርሀ እዩ፤ ዓብዪ ሓዉ ንእያሱ። ብሰለስተ ዓመት እዩ ዝዓብዮ። መሓዙቱ ንምንታይ 'ግርማይ ወደል' እናበሉ ከምዝጽውዕዎ ኣይጠፍአኩምን"

"እቲ ምልኩዕ ቆልዓ፡ ንሱ ሙልጌታ ገብረህይወት እዩ። ምልኩዕ ምዃኑ እዩ "ጫልቱ" ዝብል ሳጓ ኣውሂብዎ። ምስ እያሱ ትኽ ትንፋስ መሓዙት እዮም"

"እቲ ሳልሳዮም፡ ንሱ እያሱ በርሀ እዩ" እናበልኹ ከርእየኩም ምደለኹ።

ግንከ፡ ግዜ ሓያል! ብኣካለ ስጋ ናብቲ እዋን ምምላስኳ ክንደየናይ ከይቀንዓና፤ ብዓይነ-ልቦና፡ ብተዘክሮ ሰብ-ግዜ፡ ናብ ዘበነ ቁልዕነት እኒ እያሱ ክንምለስ ግን መን ኣዋዲ ኣለና?!

ሽዑ፡ መቐለ ንእሽቶ ከተማ እያ ዝነበረት። ብዝሒ ህዝባ 25,000 ጥራይ ነይሩ።

እቲ ሕዚ 'ቀዳማይ ወያነ' ዝበሃል ማእኸል ዕዳጋ፡ ሰጣሕ ሜዳ ነበረ። ሰኑይ ሰኑይ እዩ ዕሙር ዕዳጋ ዝካየደሉ'ምበር፡ ካልእ መዓልቲ መጻወቲ ቆልዑ ጅብሩኽ እዩ።

ጅብሩኽ፡ ሰኑይ ሰኑይ እያ ትደምቕ። ጨው ዝጸዓኑ ኣግማል፣ እኽሊ ዝተሸከማ ኣድገ በቕሊን ጋንፉር ዘራግፍ ኣርሆታይን ይመልእዋ።

ጨው ዝነግዱ ኣርሆቶት፣ ጽዕነቶም ኣራጊፎም፣ ካብ ድኻሞም ከዕርፉ ኣብ እንዳ ስዋን እንዳ ሜሳትን ጅብሩኽ እዮም እግሮም ዝዓጽፉ።

ኣዲኡ ንእያሱ ድማ፡ ኣብቲ እዋን ፍልጥቲ መያሲት ነይረን። እኒ እያሱ፤ ዛንታ፣ ወግዒን ወኻዕኻዕን ኣርሆቶት እናሰምዑ እዮም ዓብዮም።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ጥቓ ዕዳጋ ሰኑይ ዝሞተት ኣድጊ ምርኣይ ልሙድ ነይሩ። ከቢድ ጉዕዞ ኣርሆ ሓሊፈን፡ ጨው ጽዒነን ዝተመለሳ ኣእዱግ ብድኻም ይሞታ። ኣዛብእ ድማ ነዘን ኣእዱግ ክድረሩ፡ ኣማስዮም ናብ ጅብሩኽ ይቕልቀሉ።

ቖልዑ መንደር (ደቂ ገዛውቲ) ተኣኪቦም እናተጻወቱ ዝሓድርሉ ቅነ "ኣያ ናቕላ" እንተኾይኑ፡ ቆልዑ ጅብሩኽ 'መን ናብቶም ኣዛብእ ብዘይ ፍርሒ ተጸገዐ' ይወራረዱ። መን ተባዕ መን ፈራሕ ይፈታተሹ። ግዜ ቁልዕነት እኒ እያሱ ብኸምዚታት ዝተመልአ እዩ።

እያሱ ኣብ ቁልዕነቱ ኣዝዩ ዝፈትዎ ዝነበረ ጸወታ ግን ምሕምባስ እዩ። ዘይሓምበሰሉ ቀላይ መቐለ የለን። ካብ ጅብሩኽ ውርድ ኢሉ ኣብ ማይ ግፋፍ ይሕምብስ። ሽዑ፡ ማይ ግፋፍ 'ጫፍ መቐለ' እዩ ነይሩ። ካብኡ ንክየው፡ ግራውቲ እምበር ገዛውቲ ኣይነበሮን።

ናብ ዒላላ ከኣ ከይዱ ይሕምብስ። ናብ ሮማናትን ጨለዓንቋን ወሪዱ ይሕምብስ።

ዕብይ ምስበለ ድማ፡ ወወክማ ኣብ ዝበሃል ማእከል መናእሰይ ቴኒስ ይጻወት ነይሩ። እያሱ ፈታዊ ጸወታ ጥራይ ግን ኣይነበረን። ንትምህርቱ'ውን ልዑል ቆላሕታ ይህብ። ጸብለልታ ረኺቡ ክሽለም ይጽዕር ነይሩ።

እያሱ፡ ኣብ ትምህርቲ ጥራይ ዝሕጸር ድማ ኣይኮነን። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮውሃንስ ተምሃራይ ኮይኑ፡ ባዕሉ ዝመስረታን ዝመርሓን፡ ድኻታት ተምሃሮ ንምሕጋዝ ዝቖመት ናይ ግብረ-ሰናይ ክለብ ነይራቶ።

ሓደ እዋን ድማ፡ ተዋስኦ ደሪሱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮውሃንስ ምርኢት ከምዘቕረበ መማህርቱ ይዝክሩ። ሙዚቃ ግን ዳሕራይ ዝተገለጸ ውህብቶ እያሱ እዩ።

መተዓብይቱ፡ እያሱ ተምሃራይ ኮይኑ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ዝደረፈሉ እዋን ኣይዝክሩን። ናይ ቁልዕነት መሓዝኡ፡ ሙልጌታ ገብረህይወት (ጫልቱ) "ሆየ ሆየ ክንብል እንከለና ግን፡ እያሱ መንጉሒ ነይሩ" እዩ ዝብል።

ንእግረ መገዱ ከኣ፡ ሓንቲ ዛንታ ዘኪሩ።

"ናእሽቱ ቆልዑ ከለና እዩ። ኣነ፡ እያሱን ካልኦት መሓዙትናን ኮይንና ሆያ ሆየ ንብል ነይርና። ኣብቲ ጥቓ ገዛውትና ዝነብሩ ህንዳውያን ነይሮም። 'ሆያ ሆየ ብእንግሊዝኛ እንታይ ከምዝበሃል እንተንፈልጥሲ፡ ኣብቶም እንዳ ህንዲ'ውን ከይድና ሆያ ሆየ ክንብል ነይርና' እናበልና፡ ምዕባይ ሓዉ ንእያሱ ሰሚዑና። ኣነ ብእንግሊዝኛ ናይ ሆያ ሆየ ግጥሚ ከውጸአልኩም እሞ፡ ካብተን ዝረኸብኩምወን ፍርቂ ንዓይ ትህቡኒ ኢሉና። እሺ ኢልናዮ። እቲ ህንዳዊ ሚስተር ቪያስ እዩ ዝበሃል ነይሩ።"

እያሱ፡ ጫልቱን መሓዙቶምን "ሚስተር ቪያስ ቬሪ ናይስ፡ ሚስተር ቪያስ ቬሪ ናይስ" እናበሉ ናብቲ እንዳ ህንዲ ኣትዮም።

ጫልቱን እያሱን፡ እዚን ወድዚን ሓዊስካ ማእለያ ዘይብሉ ተዘክሮ ቁልዕነት እዩ ዘለዎም። ታሪኾም ግን ኣብ ጅብሩኽ ጀሚሩ ኣብ ጅብሩኽ ዝውዳእ ኣይኮነን። መጋድልቲ'ውን እዮም። ዛንታ ምግዳሎም ጸኒሕና ክንምለሶ ኢና።

እያሱን ክራርን

እያሱ ቅድሚ ናብ ገድሊ ምውጽኡ እዩ ክራር ክፈታትን ጀሚሩ። ኣደ እያሱ፡ ማማ ኣሰገደች መለስ፡ "ታኒካ ወዲ ታኒካ ገይሩ ክራር ሰሪሑ ትርምርም የብላ ነይሩ" እየን ዝብላ።

ሕዚ፡ ጓል 99 ዓመት ኮይነን እኳስ እንታይ እናበለ ይደርፍ ምንባሩ ኣይረሳዓን።

"ትግራይ'ዶ ሓሊፎም በዚ ገይሮምየ --- ክኽተሎም ባዕለየ እናበለ ይደርፍ ነይሩ። ጽቡቕ ገይሩ ከኣ ተኸቲልዎም" ይብላ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣደ እያሱ፡ ወይዘሮ ኣሰገደች መለስ ሕዚ ጓል 99 ዓመት በዓልቲ ጸጋ ዕድመ እየን።

ኣብ ዘበን መንእሰይነት እኒ እያሱ፡ መናእሰይ መቐለ እንዳ ስዋ የዘውትሩ ነይሮም። እያሱ ግን ከም መዛንኡ እንዳ ስዋ ዘዘውትር፡ ስዋ ዝሰቲ ሰብ ኣይነበረን። ናብ ሓንቲ እንዳ ስዋ ግን ይኸይድ ነይሩ።

እተን ሸያጢት ስዋ፡ ክራር እናወቕዓ እየን ስዋ ዝሸጣ። እያሱ፡ ወይ ክራር እተን 'ኮማሪት' ጥዒምዎ፡ ወይ ምእንተ ፖለቲካዊ ዕላል ናብኡ ይኸይድ ምንባሩ ምግማት ይከኣል።

1967 ዓ.ም ከኣ፡ ደርጊ ወፍሪ 'እድገት በህብረት' ኣወጀ። እያሱ ሽዑ 11 ክፍሊ ወዲኡ ነይሩ። ንሱ'ውን ከም መዛንኡ ወፊሩ።

ለካቲት ወፊሮም፡ ነሓሰ ነቲ ወፍሪ ራሕሪሖምዎ ክሳብ ዝምለሱ፡ እያሱ ምስ ክራር ካልእ ሌላ ኣጋጢሙዎ። እያሱን ኪሮስ ኣለማየሁን ኣብ ወፍሪ 'እድገት በህብረት' ተራኺቦም።

እያሱን ክራርን፡ ከምዚ እናተፋተዉ ብርሑቕ ዝተሃራረፉ ፍቑራት፡ ሓንሳብ ንሱ ናብቲ ዘላቶ ይቕልቀላ፤ ሓደ ግዜ ከኣ ንሳ ሓሊፋቶ እናጸንሐት፡ ብዙሕ ግዜ እዮም ተራኺቦም።

ኣብ መወዳእታ ግን ከምዚ ኾነ።

"ናብ ሜዳ ቅድሚ ምኻድና ቅድሚ ዝተወሰነ ኣዋርሕ፡ እያሱ ክራር ንግዛእ ኢሉና" ይብል ጫልቱ።

ብጾቱ ግን 'ኣብ ገድሊ ብረት እምበር ክራር እንታይ ክዓብስ?' በሉ። ክራር እያሱ፡ ኣብ ገድሊ ትግራይ ዓባይ መሳርሒት ከምእትኸውን ሽዑ ኣይበርሀሎምን።

"እያሱ ብ 50 ሳንቲም ክራር ዓዲጉ። ቅድሚ ንሜዳ ምውጽኡ፡ ክራር ምግራፍ ለሚዱ ነይሩ" ይብል ጫልቱ።

እያሱ ባዕሉ'ውን ግን፡ ሜዳ ወሪዱ ብረት ዓሚሩ ክኳሻሕ እምበር፡ ንሱን ክራሩን ምልክት ኪነት ገድሊ ክኾኑስ ሓሲብዎ ኣይነበረን።

ናብ ገድሊ፡ ብማይ መገልታ

ተምሃሮ ብ 1967 ዓ.ም ንወፍሪ 'እድገት በህብረት' ራሕሪሖም እንትምለሱ፡ ድሮ ተሓህት (ህወሓት) ተመስሪቱ'ሎ።

"ቃልሲ ተጀሚሩ እኒሄ፡ ምዕራብ ትግራይ ከምዚ ዝበለ ነገር እኒሄ ንሰምዕ ኣለና። ክረምቲ 1967 ድማ ስርሒት ኣክሱም ተኻይዱ እኒሀ። ንሱ ንሰምዕ እኒሀና" ይብል ጫልቱ፡ ነቲ እዋን እናዘከረ።

ድሕሪ'ዚ፡ መናእሰይ 'እንታይ ክንገብር ኣለና? ምስ'ቲ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ብኸመይ ርክብ ንምስርት? ብኸመይ ንገድሊ ንወጽእ?' ዝብል ሕቶታት ከልዕሉን ክነዓዓቡን ምጅማሮም የዘንቱ።

ድሕሪ'ዚ፡ እያሱ ኣብ ስርዒት ከተማ ክነጥፍ ጀሚሩ። ናይ ቃልሲ ጽሑፋት ዘንብብሉን ዝመያየጥሉን 'ናይ መጽናዕቲ ዋህዮ' ነይርዎም። ለይቲ እናተስኡ፡ ኣብ መንደቕ ኣንጻር ደርግ ጽሑፋት እናጸሓፉ ይሓድሩ።

ካብ እድገት በህብረት ምስተመለሱ፡ ሽዑ ንሽዑ ንሜዳ ክወርዱ እዩ ነይሩ ድልየቶም። ኣብ ከተማ ስርዒት እናጠናኸሩ ክጸንሑ ስለዝተነገሮም ግን ንኣስታት ሓደ ዓመት ክጽበዩ ነይርዎም።

ናይ ምስሊ መግለጺ እያሱ ኣብ ንእስነቱ

ኣብ መወዳእታ ሓሳብ ልቦም ሰሚሩ፤ ሓምለ 1968 ንሜዳ ክወጹ ተፈቐደሎም።

እያሱን ጫልቱን ቆልዑ እንከለዉ፡ ኩልሻብ ሓምለ 5 ብሓደ እዮም ዘሕልፍዋ ነይሮም። ምኽንያቱ፡ በዓል ሓወርያ ስለዝኾነ። ዕንጉታ ሕምባሸኦም ሒዞም፡ ጭጉራፎም እናንጎዱ፡ እንዳ ደጃት ኣብርሃ ሓሊፎም እናተጻወቱ እዮም ዓብዮም።

እታ ንገድሊ ዝወጹላ መዓልቲ'ውን፡ ሓወርያ ነይራ - 5 ሓምለ፡ 1968። ንጸወታ ከይኮነስ ንመስዋእቲ፡ ጭጉራፍ ዘይኮነስ ጥይት ከንጉዱ፡ ሕምባሻ ዘይኮነስ ጀዲድን መርፍእን ሒዞም ንሜዳ ወፊሮም።

ኣብታ መዓልቲ፡ ንእያሱን ጫልቱን ሓዊሱ፡ ትሸዓተ ኾይኖም እዮም ወጺኦም። ንዓኣቶም ተራ መዓልቲ ኣይነበረትን፡ ኣደ እያሱ ማማ ኣሰገደች ግን ከም ኩሉ መዓልቲ እያ መሲላተን ነይራ።

እያሱ ኣብታ ዝኸደላ መዓልቲ፡ ምስ ሓደ ዓርኩ ኣብ ገዝኡ ምሕዳሩ ይዝክራ። ገስጊሱ ተሲኡ፡ ንመሓዝኡ ከፋንዎ ምዃኑ እንትነግረን እውን ኣይጠርጠራን። "ማማ ምሳሕ ኣይትጸበይኒ" ኢልወን ከምዝወጸ ይዝክራ።

"ኣብ ማይ መገልታ ትወርዱ፡ ካብ ማይ መገልታ ንምብራቕ ገጽኩም ስቕ ኢልኩም ኪዱ። ዕዳጋ ሮቡዕ ዝበሃል ቦታ ክትረኽቡ ኢኹም ተባሂሉ እዩ ተነጊሩና" ይብል ጫልቱ።

ማይ መገልታ፡ ቅድሚ ንዓድግራት ምብጻሕካ እትርከብ ንእሽቶ ናይ ገጠር መንደር እያ ዝነበረት። ትሸዓቲኦም "ናብ ማይ መገልታ" ኢሎም ትኬት እንተቖሪጾም ጥርጣረ ክፈጥር ከምዝኽእል ስለዝሰግኡ፡ ንዓድግራት ኢሎም እዮም ተሳፊሮም።

ኣብ ማይ መገልታ ምስበጽሑ፡ ካብታ ዝተሳፈሩላ 'ኣውቶቡስ ሓጂ ዓብዱ' ወሪዶም ከምቲ ዝተብሃልዎ ንምብራቕ ገጾም ገስገሱ። እቲ መገዲ ኣይፈልጥዎን። ነቲ መገዲ ዝፈልጥ ሓደ ገባር ግን ከም ኣጋጣሚ ተሓዊስዎም።

"መገዲ ዝመርሐኩም ሰብ ክህሉ እዩ ተባሂሉ ኣይተነገረናን" ይብል ጫልቱ።

ነዚ ድማ እዩ ናይቲ ገባር ኣብ መገዶም ምሕዋሱ ዘይፈተውዎ። ብእንግሊዝኛ ድማ "እንታይ ኾይኑ እዩ እዚ ገባር ምፍላይ ኣብዩና?" ኢሎም ሓመይዎ። ወዮ ገባር ግን እንግሊዘኛ ዝሰምዕ ነበረ።

እቲ መገዲ ዝመርሖም 'ገባር' ተምሃራይ ዝነበረን "ወዲ ብርሽ" ዝበሃል ተጋዳላይ ምዃኑን ደሓር እዮም ፈሊጦም።

እያሱን ብጾቱን ካብ ዕዳጋ ሮቡዕ ናብቲ ዝዕለምሉ 'ዓሳጋራ' ዝበሃል መሬት ዓፋር ትጉዕዝ ክሓድሩ ኣጋግዘ ጉዕዞ ጀመሩ።

ኣብ መቐለ ግን፤ እናመሰየ ምስከደ፡ ከብዲ ኣደ እያሱ ክሕቆን ጀመረ። ማማ ኣሰገደች 'እዚ ቆልዓ ናበይ ኣቢሉ?' ኢለን ተጨቛጨቛሞ፤ ንምንኣስ እያሱ፡ ንጽገሬዳ ጓለን ጸዊዐን ደሃይ እያሱ ክትገብር ለኣኻኣ።

"ጽገሬዳ እናበኸየት መጺኣትኒ። ሽዑ ኣነ ተፈሊጡኒ። ተጠባቢርና፡ ምኻዱ ፈሊጥና" ይብላ ማማ ኣሰገደች።

ብጽባሒትኡ፡ እኒ እያሱ 'ዓሳጋራ' በጽሑ። እያሱ ኣብኡ እዩ ተዓሊሙ። ህይወት ገድሊ 'ሀ' ኢሉ ተጀመረ። ኣብታ 'ምብዛሕ እዩ ዋና' እትብል ግጥሙ ናይ ዓሳጋራ ናይ መጀመርያ ጦብላሕትኡ ዘንጸባርቓ ተለላታት ኣለዋ።

"ንኡስ ኮይነ ኮበለለ

በረኻ እንትወፍር ክጋደል ኢለ

ታሪኽ ዕድሎተይ ኮይኑ…

ምስቶም ሰብ ዝናር: ክውዕል ክሓድር

በረኻ እንትወፍር

መሬት ዓፋር ወሪደ ዓሳጋራ

ታዕሊም እንትጅምራ

ዝረኸብክዎ፡ ዝረኸበኒ ዓላማይ

ንሱ እውን ውርዙዝ፡ ጭሕሙ የነታ መሳላይ

ከዓ ከምዚ በለኒ…

ውድብና፡ ገድልና፡ ቃልስና፡ ነዊሕ ይኹን መሪር

ዓወትና ግድን እዩ ወይከ ኣይንጠራጠር"

እያሱ ኣብዛ ናይ መድረክ ግጥሙ "ውርዙዝ፡ ጭሕሙ የነታ መሳላይ" ክብል ብዝሰማዕኽዎ ቁጽሪ፡ ተጋዳላይ የማነ ጃማይካ እዩ ቀዲሙ ናብ ሓሳበይ ዝመጽእ። ሓቀይ ድማ፤ ንእያሱን ብጾቱን ተቐቢሎም ኣብ ዓሳጋራ ካብ ዝዓለሙ ተጋደልቲ ሓደ፡ ጃማይካ ነይሩ።

እታ ንእሽቶ መንደር 'ማይ መገልታ' ድማ፡ ኣብ ህይወት እያሱ ንሓዋሩ ዓብዪ ቦታ ሒዛ ተረፈት።

"[ድሕሪ ገድሊ] ሓምለ 5 ክኸውን ተሎ፡ እያሱ ኣብ ዝነበረ ነይሩ፡ ኣብ ማይ መገልታ ኾይኑ ይድውለለይ፡ ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ይልእኸለይ ነይሩ። ነቲ ዝተጋደልናሉ መዓልቲ ልዑል ክብሪ ነይርዎ" ይብል ጫልቱ።

እዚ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፍ፡ ቁልዕነትን ጅማሮ ገድሊ እያሱን ዘዘንቱ እዩ፤ እቲ ዝዓበየ ኣበርክቶኡ፡ ቃልሱን ታሪኹን፡ ድሕሪ'ዚ እዩ ዝጅምር። ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ፡ ንዕኡ ኢና ክንድህስስ።