ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ሜክሲኮ ንምእታው ብሩባ ይሰግሩ ኣለው

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ሜክሲኮ ንምእታው ብሩባ ይሰግሩ ኣለው Image copyright AFP

ብኣማኢት ዝቑጸሩ፡ ናብ ኣሜሪካ ክኣትው ዝፍትኑ፡ ስደተኛታት ኣብ ደቡባዊ ሜክሲኮ ብዝርከብ ሩባ ይሰግሩ ምህላዎም ተገሊጹ።

ብቐንዱ ካብ ሆንዱራስ፡ ከም ዝተበገሱ ዝንገረሎም እቶም ስደተኛታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሩባ ሱሸየት ዝርከብ ድልድል ከይጥቀሙ ምስ ተኸልከሉ እዮም በቲ ሩባ ዝሰግሩ ዘለው።

ሜክሲኮ፡ ብረዚደንት ትራምፕ ብዝተገብረላ ጸቕጢ፡ ናብ ኣሜሪካ ዝጓዓዙ ስደተኛታት ዝጥቀሙሉ መገድታት ክትዓጽው ተገዲዳ እያ።

ኣባላት ሓለዋ ዶባት ሜክሲኮ፡ ነቶም ስደተኛታት ናብ ገማግም እቲ ሩባ ከይቀርቡ ክኽልክልዎም ፈቲኖም እኳ እንተነበሩ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ፖሊስ ንዝገበሮ ሓጹር ጥሒሶም፡ ሜክሲኮ ኣትዮም ኣለው።

ፖሊሰ ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተኮሰሎምን ገለ ካባቶም እቶም ስደተኛታት ናብ ፖሊስ ኣእማን ምድርባዮምን ጸብጻባት ገሊጾም።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ከተማ ተኩነ ኡማን፡ ጓቴማላ ተዓቚቦም ዝነበሩ እዮም።

ሸሞንተ፡ ተወከልቲ እቶም ስደተኛታት ናብ ሜክሲኮ ክኣትው ምስ ሰብ መዚ ክዘራረቡን ናብ ፕረዚደንት ኣንድረስ ማኑወል ሎፐዝ ደብዳበ ከብጽሑን ተፈቒድሎም ነይሩ። ንሱ ሕጊ ንምኽባር ቃል ክኣትወሎምን ክኣትው ከፍቅደሎምን ጠሊቦም።

እዞም ነቲ ሩባ ዝሰግሩ ዘለው፡ ኣካል ናይቶም ካብ 2,000 ክሳብ 3,500 ዝግመቱ፡ "ቃፍላይ 2020" ብዝብል ዝፍለጡ፡ ብሜክሲኮ ኣቢሎም ኣሜሪካ ክኣትው ዝፈተኑ ስደተኛታት እዮም።

ጓቴማላ ብወገና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ መዓልትታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ ሆንዱራስ ሰጊሮም ከም ዝኣተው ኣፍሊጣ።

ካብቶም ኣብ ዶብ ሜኪሲኮ ዝርከቡ ስደተኛታት መብዛሕትኦም፡ ብምኽንያት ጎንጺ፡ ድኽነትን፡ ልዑል መጠን ቅትለት ሰብን ከም ዝተሰደዱ ይዛረቡ።

"እቲ ሙቐት ተስፋ ኣቑሪጹና። ብፍላይ ነቶም ህጻናት ኣድካሚ እዩ" ይብል ሓደ ካብቶም ስደተኛታት።

ኣብ ሜክሲኮ፡ ክነብሩ፡ ክሰርሑን ዑቕባ ክሓቱን ከም ዝኽእሉ፤ ናብ ኣሜሪካ ግና ክሰግሩ ከም ዘየፍቅዱሎም ሰብ መዚ ሜክሲኮ ገሊጾም።

"ክጥብሩና እዮም ዝፍትኑ ዘለው። ክንምዝገብ ይሓትቱና፡ ሽዑ ይጥርዙና" ኢሉ ካልእ ስደተኛ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሜክሲኮ ግና ድሮ 1,100 ስደተኛታት ኣብ ዞባታት ቻፓስን ታባስኮን ከም ዝተቐበለ ይገልጽ። "ኩነታቶም ወሑስ ምስ ዘኸውን" ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ እዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት