ኢዛቤላ ዶስ ሳንቶስ፡ ኢዩሮቢክ ባንክ ምስ ኣፍሪቃዊት ቢልየነር ዝነበሮ ርክብ ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ

ኢዛቤላ ዶስ ሳንቶስ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢዛቤላ ዶስ ሳንቶስ ግዳይ ፖለቲካዊ ሽርሒ ከምዝኾነት ትዛረብ

ፖርቱጋላዊ ባንኪ ኢዩሮቢክ ምስታ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ሓደ ሃብታም ሰበይቲ - ኢዛቤላ ዶስ ሳንቶስ ዝነበሮ ርክብ ስራሕ ከምዘቋረጸ ወግዓዊ ገይሩ።

እቲ ባንኪ ናብዚ ውሳነ ክበጽሕ ዝኸኣለ ቢቢሲ ምስ ካልኦት ምርመራ ዘካይዱ ሚድያታት ብምትሕብባር እታ ቢልየነር ዝገበረቶም ሕቶ ዘልዕሉ ስምምዓት ምስ ኣቃልዑ እዩ።

ቢልየነር ኢዛቤል ግን እዚ ኽስታት ኩሉ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ ትዛረብ።

እዞም ንግዳዊ ስምምዓት ካብ ኩባንያ ነዳዲ ኣንጎላ ክሳብ ዓበይቲ ኣቕረብቲ ሞባይል ስልክታት ዝተፈጸሙ እዮም።

ባንኪ ኢዩሮቢክ ከምዝሓበሮ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣባላት ቦርድ ዳይሬክተራት ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ምስታ ቤልየነር ዘሎ ርክብ ክቋረጽ ወሲኖም ኣለዉ።

"ብኢዛቤላ ዶስ ሳንቶስ ቁጽጽር ምስ ዝግበረሎም ኩሎም ኩባንያታት ዘሎ ንግዳዊ ርክባት ክቋረጽ ወሲኖም" ክብል ኣፍሊጡ።

ብስማ ኣብ ዝተገበረ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ዝውውር ገንዘብ'ውን ምርመራ ከካይድ ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ።

ጓል ፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር ጆሴ ዶስ ሳንቶስ ዝኾነት ኢዛቤላ፡ ብተዘዋዋሪ ብክልተ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣቢላ ኣብ ባንኪ ኢዩሮቢክ 42.5 ሚኢተዊት ብርኪ (ብጽሒት) ኣለዋ።

እዚ ከኣ ኣብቲ ባንኪ ዝለዓለ ብርኪ ዝሓዘት ይገብራ።

ኣቡኣ ኣብ 2017 ካብ ስልጣኑ ኣብ ዝወረደሉ እዋን፡ ክልተ ወርሒ ጸኒሓ ካብ ኣደመንበርነት ኩባንያ ነዳዲ ኣንጎላ ተኣልያ።

እቶም ኣብዚ ቕነ ሰሊኾም ዝወጽኡ ሰነዳት ከምዘመልክትዎ፡ ንሳ ካብቲ ኩባንያ ነዳዲ [ሶናጎል ዝበሃል] ክትወጽእ ከላ 58 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ክፍሊት ኣጽዲቓ ነይራ።

ገለ ካብቶም ዝውውራት ገንዘብ ድማ ኣብ ኢዩሮቢክ ብዝርከብ ሕሳብ ባንኪ (ኣካውንት) ኣቢሎም ከምዝሓለፉ ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ የመልክት።

ኢዛቤላ ዶስ ሳንቶስ መን'ያ?

  • ኢዛቤላ ዶስ ሳንቶስ ጓል ፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር ሆዘ ዶስ ሳንቶስ እያ
  • ሰብኣያ ሲንዲካ ዶኮሎ ወዲ ኮንጎ ኮይኑ ኣብ ምእካብ ክቡር ቕብኣታት ዝተዋፈረ ነጋዳይ እዩ
  • ኢዛቤላ ኣብ ብሪጣንያ ተማሂራ። ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ለንደን ትነብር
  • ንሳ ልዕሊ $2 ቢልዮን ሃብቲ ዘለዋ ካብ ኣፍሪቃ እታ ዝሃብተመት ጓል-ኣንስተይቲ እያ