ትራምፕ፡ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ኣብ መዝገብ እገዳ ጉዕዞ ኣሜሪካ ክሰፍራ እየን

ትራምፕ Image copyright EPA

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኤርትራ እትርከበን ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መዝገብ እገዳ መገሻ ከስፍረን ይዳሎ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ነዚ ዝርዝር ንዝረኣዩ ሰባት ብምዝርራብ ዘቃልሓ ማዕኸናት ዜና ኣሜሪካ፡ እተን ኣርባዕተ ሃገራት ኤርትራ፣ ናይጀርያ፣ ታንዛንያን ሱዳንን ከምዝኾና ሓቢረን።

ኣብ ዳቮስ-ስዊዘርላንድ ኣብ ዝካየድ ፎረም ቁጠባ ዓለም ዝሳተፍ ዘሎ ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ናብቲ እገዳ ጉዕዞ ዝተነብረለን ሃገራት ዝሰፍራሉ መዝገብ ዝውሰኻ ሃገራት ከምዘለዋ'ኳ እንተሓበረ፡ ኣስማተን ግን ኣይረቝሐን።

ፖሊቲኮ ዝተበሃለ መርበብ ሓበሬታ ግን፡ እቲ ዝወጸኣ ሓበሬታ ናይ መወዳእታ ከምዘይኮነን ክቕየር ከምዝኽእልን ሓቢሩ።

እቲ ናይ ጉዕዞ እገዳ ንኹለን ኣብቲ ዝርዝር ዝሰፈራ ሃገራት ብኹሉ መዳይ ዝእግድ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዓይነት ቪዛ ማለት ኣብ ንግድን በጻሕቲ ሃገርን ኣብ ዝብል ከምዝፈላለ ተገሊጹ'ሎ።

እቲ ዘተ ዝካየደሉ ዘሎ ዝርዝር እገዳ መገሻ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ወግዓዊ ክኸውን ከምዝኽእል ሚድያታት ጸብጺበን።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ወርሒ መስከረም 2017፡ ካብ ኢራን፣ ሊብያ፣ ሶማሊያ፣ ሶርያን የመንን ዝመጽኡ ዜጋታት ናብታ ኣሜሪካ ከይኣትዉ ኣጊዱ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ እገዳ ኣብ ቤት ፍርዲ ከቢድ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እዃ እንተነበረ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግን ኣብ ወርሒ ሰነ 2018 ኣጽዲቕዎ'ዩ።

ተወሳኺ ዛንታ