ዚምባብያዊ ቢልየነር ሓካይም'ታ ሃገር ናብ ስራሕ ክምለሱ ደሞዞም ይኸፍል

ስትራይቭ ማሲዪዋ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ቴለኮም ዝነጥፍን ኣብ ብሪጣንያ ዝምቕማቱ ስትራይቭ ማሲዪዋ ናይ 6 ኣዋርሕ ዶሞዝ ሓካይም ክኸፍል'ዩ

ናይ ስራሕ ኣድማ ከካይዱ ዝጸንሑ ሓካይም ዚምባብወ፡ ሓደ ቢልየነር ዜጋ'ታ ሃገር ደሞዞም ክኸፍል ቃል ድሕሪ ምእታዉ፡ ናብ ስራሖም ክምለሱ ተሰማሚዖም።

እቲ ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣድማ፡ ኣብ ታሪኽ ዚምባበው ንዝነውሐ እዋን ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ኣብያ ከም ዝኾነን፡ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና እታ ሃገር ከቢድ ሃስያ ከም ዘስዓበን ይግለጽ።

ኣብ ቴለኮም ዝነጥፍን ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩን፡ ስትራይቭ ማሲዪዋ ብመንገዲ ባዕሉ ዝመስረቶ ማዕከን፡ ንሓደ ሓኪም፡ ንመነባብሮ ዝኸውን ኣስታት 300 ዶላር ንወርሒ፡ ከምኡ'ውን ካብን ናብ ስራሕ ዘመላልሶም መጓዓዝያን ክህብ'ዩ።

ዝበዝሑ ካብቶም ታሕተዎት ሓካይም (ጁኔር ዶክተራት) ኣብ ወርሒ ትሕቲ 100 ዶላር እዮም ዝረኽቡ።

እቲ ሃብታም ውልቀሰብ፡ ን6 ኣዋርሕ ደሞዞም ክኸፍሎም'ዩ መዲቡ ዘሎ። ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝኸውን ግን ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ብሰንኪ'ቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣድማ፡ ቀጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ሓያሎ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ማሕበር ሓካይም እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ኣድማ "ሰላሕታ ህልቂት" እዩ ክብል'ውን እቲ ማሕበር ይገልጾ።

እቶም ሓካይም ብሰንኪ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝዓረገ ዝቕባበ ባጤራ እታ ሃገር፡ ብዶላር ኣመሪካ ተመጢኑ ክኽፈሎም'ዮም ክጽውዑ ጸኒሖም።

በቲ መንግስቲ ዘቕርበሎም ዝነበረ እማመታት ብዘይምስምምዖም ድማ፡ ነቲ ኣብያ ንኣዋርሕ ቀጺሎሞ።

ዚምባብወ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላዉ ኣጋጢምዋ ይርከብ። ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ'ውን ነቲ ብልዑል ዝቕባበ ዝፍለጥ ቁጠባ መሊሱ ናብ ዝኸፍአ ቅልውላዉ ሸሚሙዎ ይርከብ።

ዋላ'ኳ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተመርጸ ፕረዚደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ፡ ንቁጠባ እታ ሃገር ከመሓይሾ ምዃኑ ቃል እንተ ኣተወ፡ ዛጊት እቲ ተስፋ ግሁድ ኣይኮነን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት