"ብቐንዱ ጸቕጢ ዝፈጥረልና ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እዩ" ጋዜጠኛ ኢቢሲ ቢላል ወርቁ

ኣርማ ኢቢሲ (ጸጋም) ጋዜጠኛ ቢላል (የማን) Image copyright EBC/BILAL

ንትሸዓተ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ዘገልገለን ምክትል ዋና ኣሰናዳኢ ክፍሊ ዜና ዝኾነን፡ ጋዜጠኛ ቢላል ወርቁ፡ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝገሸሉ፡ ነቲ ትካል ራሕሪሑ ዑቕባ ሓቲቱ'ሎ።

ቢላል ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተኻየደ ፎረም ኢንቨስትመንት ዩኬ-ኣፍሪቃ ንምጽብጻብ ምስ'ቲ ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ልኡኽ እዩ ተጓዒዙ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ እንተነኣሰ ካልኦት ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ኣኣብ ዝወፈሩሎም ሃገራት ምዕራብ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ተሪፎም እዮም።

'ኢዲቶርያል ነጻነት የብልናን'

ስሞም ክንጠቕሶም ዘይደለዩ ነባር ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ዝወፈርዎ ዑቕባ ክሓቱ ዝተገደዱ ምስ ሞየኦም ተኣሳሲሩ ብዝበጽሖም ጽዕንቶ ተዛሞኢዱ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

"ገለ ዛዕባታት እናተመረጹ እዮም ዝጽብጸቡ" ዝብሉ እዞም ጋዜጠኛታት፡ ንኣብነት ኣብ ጅግጅጋ ኣብያተ ክርስትያናት እንተቃጸሉ፣ ምጥያሽ ቤተክህነት ኦሮምያ ብዝምልከት ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ተቓዊሙ መግለጺ እንትህብ ከይጽብጸቡ፣ ኣብ ሞጣ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ እኹል ሽፋን ከይረክብ ከምዝተገብረ ይዝርዝሩ።

ከምኡ ድማ ካብ ክልል ትግራይ ዝመጹ ዝኾኑ ዛዕባታትን ካብ ህወሓት ዝወሃቡ መግለጺታትን ከይተሓላለፉ ከምዝግበር ብምጥቃስ ዝተመረጹ ዜናታት ጥራሕ ሽፋን ክወሃቦም ከምዝግበር ይዛረቡ።

ጋዜጠኛ ቢላል ድማ፡ ኢቢሲ ዝጽብጽቦም ዛዕባታት ካብ ምምራጽ ሓሊፉ፤ ሓለፍቲ መንግስትን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ኣብ ልዕሊ እቲ ትካልን እቶም ጋዜጠኛታትን ጽዕንቶ ከምዘሕድሩ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ምክትል ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኢቢሲን ሓላፊ ዘፈር ቴሌቪዥንን ኣይተ አብዱልጀሊል ሃሚድ ግን 'ነጻነት ኢዲቶርያል የለን' ንዝብሉ ወቐሳታት ይነጽጎ።

Image copyright ኢቢሲ

"ናይ ባዕልና ኢዲቶርያል ፖሊሲ ኣለና። በኡ መሰርት እዩ ዝስራሕ። ሓድሽ ዝተቐየረ ነገር የለን። ዝኾነ ኢድ ዘእቱ ኣካል ድማ የለን። ኩሉ ነገር ዝስራሕ ብስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት እዩ"ብምባል፤ ጋዜጠኛ ቢላል ናብርኡ ከመሓይሽ ኢሉ 'ምበር ንነጻነት ኢዲቶርያል ኢሉ ከምዘይተሰደደ ይዛረብ።

ዜናታት እናተመረጹ እዮም ዝጽብጸቡ ንዝብል ወቐሳ ድማ፡ 'ሃገር ብዘየናግዕ መልክዑን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዘቀራርብን መልክዑ ኢና ንመርጾም" ኢሉ።

ብዛዕባ ዝተዓገቱ ተምሃሮ ቢሮ ሴክሬተርያት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ካብ ዝሃቡ መግለጺ ወጻኢ፤ ካሊእ ተኸታተሊ ጸብጻባት ክሰርሑ ሓቲቶም ከምዝተኸልከሉ ድማ እቶም ጋዜጠኛታት ይዛረቡ።

እቲ ምክትል ሓላፊ ግን እዚ 'ዘበት እዩ' ክብል ኣይቅበሎን።

'ኢቢሲ ብቕዓት ብዘይብሎም ሰባት እዩ ዝምራሕ'

ጋዜጠኛ ቢላል ነቲ ትካል ዝመርሑዎ ሰባት ዝኾነ ናይ ሚድያ ፍልጠት ዘይብሎም፣ ግቡእ ትምህርቲ ዘይረኸቡን ብብሄርን ዓሌትን ዝተኣኻኸቡን ከምዝኾኑ ይዛረብ።

"ዝኾኑ ሓሳባት እንተተላዒሎም ብብሄር እዮም ዝመዝንዎምን ዝቓንዩዎምን" ኢሉ።

እቶም ስሞም ዘይተጠቐሱ ካልኦት ጋዜጠኛታት ድማ፡ ተመሳሳሊ ሓሳብ እዩ ዘለዎም።

ኣይተ አብዱልጀሊል ግን እዚ ብዙሕነት ኣብቲ ትካል ቴሌቪዥን ክንጸባረቕ ከምዝግባእ እዩ ዝምጉት።

"ዓቕሚ ግን መን እዩ ዝልክዕ? ዩኒቨርሲታት ኣምሂሮም ሰርቲፊኬት ሂቦሞም እዩም። ክሳብ ካልኣይ ድግሪ ዘለዎም ጋዜጠኛታት ኣለዉ" ኢሉ።

ሰራሕተኛታት ጠቕላላ ግልጋሎትን መራሕቲ መኪናን ከይተረፉ ኣብ ኢዲቶርያል ኣኼባታት ክሳተፉ ከምዝግበር ድማ እቶም ጋዜጠኛታት ይዛረቡ። እዚ ድማ ኣብ ዕለታዊ ስረሖም ጽዕንቶ ከምዝፈጥረሎም እዮም ዝኣምኑ።

ኣባላት ኢዲቶርያል ኮሚቴ ይፍለጡ እዮም ዝብል እቲ ምክትል ሓላፊ ግን፡ "እቶም ሰራሕተኛታት ናይ ነዊሕ እዋን ልምዲ ስለዘለዎም ኣብ ትሕዝቶ ዝምልከት' ውን ርእይቶ እንተሃቡ ጸገም የብሉን" በሃሊ እዩ።

Image copyright Bilal worku

'ዝበልናካ ጥራሕ ግበር'

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ገለ ጋዜጠኛታት መንግስቲ ከካብ ዝወፈርዎ ክተርፉ ጀሚሮም ኣለዉ።

ቢላል ወርቁ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ትካል ራሕሪሑ ዑቕባ ዝሓተተሉ ምኽንያት ሓቲትናዮ።

ድሕሪ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ስርዓት ክፍጠር እዩ ብዝብል ተስፋ፡ ብትግሃት ይሰርሕ ነይረ" እዩ ዝብል።

"እንተኾነ፡ እቲ ለውጢ ዝበሃል ሓቀኛ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን። ቁጽሪ ዝሞቱ ዜጋታት እናወሰኸ፡ ብዝሒ ዝመዛበሉ ዜጋታት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። እታ ሃገር ብሰላም ወጺእካ ምእታው ከቢድ ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት እያ ዘላ። ኣብ ከምዚ ዓይነት እዋን ድማ፡ መራኸብቲ ብዙሃን፡ ሃገር ናይ ምድሓን፣ ዜጋታት ዝሓሸ ናብራ ክነብሩ ኣብ ምግባርን ሰላም ኣብ ምፍጣርን ክሰርሓ ትጽቢት ይግበር ነይሩ" ክብል የረድእ።

እዚ ንከይኸውን ግን፡ መራኸብቲ ብዙሃን ከምቲ እናተገበረ ዝመጸ፡ 'ንዓይ ጥራይ ኣገልግሉ ዝብል መንግስቲ' ከምዝተፈጥረን፡ ነቲ ኻልእ ርኢኻ ከምዘይረኣኻ፡ ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ ከምዘሎን ገሊጹ።

"እዚ ኣዝዩ ዘሕምም እዩ። ሕዚ'ውን ጊላ ኮይነ ንምንባር ኣይፈቐድኩን" ኢሉ።

"ንህዝቢ ኣግሊልካ፡ ውድብ ብልጽግና ከመይ ንሃገር ከምዝረብሕ ጥራይ እናዘመርካ ምንባር ሕሊናይ ኣይፈቐደለይን" ዝበለ ጋዜጠኛ ቢላል፡ ኣብቲ ትካል ክስራሕ ዝግበኦ ዜና ብፖለቲካዊ ጽዕንቶ ከይስራሕ ከምዝግበርን፡ ናጽነት ጋዜጠኝነት ከምዝተደቖሰን ይዛረብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፤ 'ኣብታ ሃገር ናጽነት ሚድያ ከመሓየሽ ገይሩ፤ ተዓጽዮም ዝነበሩ ሚድያታት ድማ ኸፊቱ' - ተባሂሉ እዩ ከውደስ ጸኒሑ። ቢላል ግን እቲ ሓቂ ንሱ ኣይኮነን እዩ ዝብል።

"እቲ ናይ ሕዚ መንግስቲ ኣካይድኡ ስልታዊ እዩ። ጸገማት ናብ ዓይኒ ማሕበረሰብ ዓለም ከይበጽሕ፡ እቲ ዓምለኻዊ ማሕበረሰብ ከይሰምዕ፡ ስሙን ዝንኡን ጥራይ ክሕሊ እዩ ዝጭነቕ። እኳደኣስ፡ ኣብ ልዕሊ መራኸብቲ ብዙሓን ብቐንዱ ጸቕጢ ዝፈጥረልና ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እዩ" ኢሉ።

ቅድም ክብል ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም ብስራሕ ተንቀሳቒሱ ዝነበረ ጋዜጠኛ ቢላል፡ ዑቕባ ሓቲቱ ካብ ሃገሩ ተሰዲዱ ናይ ምንባር ሕልሚ ከምዘይነበሮ እዩ ዝዛረብ።

"ሕዚ ግን ንሕና ዝበልናካ ጥራሕ ስራሕ። ብዝኣዘዝናካ መልክዑ ኣገልግል' ዝብል ከም ጋዜጠኛ ክሽከሞ ስለዘይከኣልኩ እዚ ንክውስን ተገዲደ" ኢሉ።

ተወሳኺ ዛንታ