ሰዊዘርላንድ 'ተስፋ መንእሰያት ኤርትራ ንምሕዳስ' ንኤርትራ ገንዘባዊ ሓገዝ ትገብር

ባንዴራ ኤርትራን ስዊዘርላንድን

ስዊዘርላንድ፡ ንኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ንምምሕያሽ ናይ 6 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ንመንግስቲ ኤርትራ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዊዝ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እዚ መብጽዓ'ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ስዊዘርላንድ ኣብ ቅንዕና ዝተመርኮሰን፡ ብፍላይ ንምምሕያሽ ኩነታት ሰባዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምምሕያሽ ዝዓለመ ሽርክነት ንምምስራት ዘለዎ ድልውነት ንምርግጋጽ ዘተባብዕ መስርሕ ንምጅማር ዝተወስደ ስጉምቲ'ዩ" ኢሉ።

ስዊዘርላንድ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቊባ ዘላ ኣውሮጳዊት ሃገር'ያ። ንዋሕዚ ናይቶም ስደተኛታት ንምግታእ'ውን ዝተፈላለየ ፖሊሲታት ከተተኣታቱ ጸኒሓ'ያ።

ሓደ ካብቲ ፖሊሲ ድማ፡ ነቲ ዋሕዚ ካብ ምንጩ ንምድራቕ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዋ ርክባት ብምምሕያሽ "ልምዓታዊ ደገፍ" ንምግባር ፈተነታት ትገብር ኣላ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ዝተዋህቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ'ትራቭል ዳክመንት' ናብ ጎረቤት ሃገሮም ንከይጓዓዙ ዝእግድ ሕጊ ኣጽዲቑ። በዚ መሰረት ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንከይጓዓዙ ዝተኸልከሉ ብዙሓት ኤርትራውያን ነቲ ሕጊ ክቃወምዎ ጸኒሖም'ዮም።

እቲ ብመገዲ ትካል ልምዓትን ምትሕግጋዝን ስዊስ ዝዋሃብ ገንዘብ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኤርትራ "ናይ ፈተነ ፕሮጀክትታት" ንምስራሕ ዝዓለመ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

Image copyright ማርቲን ፕላውት
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ማእቶታዊ ስርሓት ዝተዋፈሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት

"እዚ ኣብ ዓመት 2 ሚልዮን ዝወሃብ ዉሱን ባጀት፡ ንመንእሰያት እታ ሃገር ስራሕ ብምፍጣር፡ ሞያዊ ትምህርትን ስልጠናን ብምሃብን ተስፋ ክረኽቡ ንምግባር ዝዓለመ'ዩ" ኢሉ።

"ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብቐጻሊ ብምክትታል፡ ንዘለዋ ናይ ዕቑባን ምስጓጉን ኣሰራርሓ ደጊማ ብምግምጋም፡ ምስቲ ኩነታት ከም ዝኸይድ ትገብር ኣላ።"

ይኹን እምበር፡ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላትን፡ መሰላት ስደተኛታትን፡ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣንጻር ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ርትዓዊ ኣይኮነን ብምባል ይቃወሙ።

እቲ ዝወሃብ ሓገዝ'ውን፡ ነቲ ብምግሃስ መሰላት ዝኽሰስን ብግዝኣተ ሕጊ ዘይከይድን መንግስቲ ዘተባብዕ'ዩ ክብሉ ይኸሱ። ኤርትራ፡ ቅዋም ይኹን ሃገራዊ ባይቶ ዘይብላ ሃገር'ያ።

ብሕብረት ኣውሮጳ ንኤርትራ ዝተዋህበ ገንዘባዊ ደገፍ ኣብ ግዱድ ስራሕ ይውዕል'ዩ ክብሉ እቶም ተጣበቕቲ ክኸሱ ጸኒሐም'ዮም። እቲ ሕብረት ግን ነቲ ክስታት ይነጽጎ።

ኣብ ሰራዊት ዝምደቡ ኣባላት ናይቲ "ገደብ-ኣልቦ" ኮይኑ ዝርከብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ "ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት" ክሳተፉ ንቡር ምዃኑ ዝገልጹ ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኖም፡ ነቲ ክስታት ይነጽጉ።

Image copyright Getty Images

ሃገራዊ ምርጫ ተኻይዱላ ዘይፈልጥ፡ ኤርትራ ኣብ 1991 ሓርነታ ካብ እትጎናጸፍ ኣትሒዛ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትምራሕ ዘላ።

እዚ ናይ ሕጂ ሓገዝ፡ "ኤርትራ፡ ንዝዓበየ ናይ ልምዓት መደባት መንገዲ ዝጸርግ፡ ግሉጽን ኣድማዒን ኣሰራርሓ ብዘፍቅድ ሽርክነት ክትምስርት ዘለዋ ድሌት ንምፍታን" ዝዓለመ ምዃኑ'ውን ተዛሪቡ።

ይኹን እምበር፡ መንግስቲ ኤርትራ ግሉጽ ባጀታዊ ስርዓት ዘይክተል ምዃኑ ይፍለጥ።

ወከልቲ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ምስ ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ ይዘራረቡ ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ብመንገዲ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት፡ ንምኽባር መሰላት ኣብ ኤርትራ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ስዊዘርላንድ ብፍላይ ናብ ኤርትራ ዝዓለመ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምምዛዝ ሓሳብ ከም ዘሎ'ውን መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ የረድእ።

ቤትምኽሪ ፌደራል ስዊዘርላንድ ኣብ 2016 እዩ ምስ ኤርትራ ተቛሪጹ ዝነበረ ምትሕግጋዝ ክቕጽል ወሲኑ።

ትካል ምዕባለን ምትሕግጋዝን ስዊዝ ኣብ 2017 ኣብ ዓውዲ ሞያዊ ስልጠና ንህልዋት ፕሮጀክትታት ቀዳምነት ክወሃብ ኣሚሙ ነይሩ።

ብእኡ መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ንሰለስተ ፕሮጀክትታት ናይ 4 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዝገበረ ይገልጽ።