ዒራቓውያን ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ሃገሮም ከተውጽእ ይጽዉዑ'ለዉ

ሰላማዊ ሰልፊ ዒራቕ፡ ባግዳድ 14 ጥሪ 2019 Image copyright Reuters

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዒራቓውያን፡ ኣመሪካ ወተሃደራታ ካብ ሃገሮም ከተውጽእ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ፡ ሃይማኖታዊ መራሒ ሺዓ ኣስላም፡ መቁታዳ ኣል-ሳድር፡ ሓደ ሚልዮን ሰዓብቱ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ኣንጻር ኣመሪካ ዘለዎም ተቓውሞ ከካይዱ ብዝጸውዖ መሰረት'ዩ እቲ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ባቕዳድ፡ ኣብ ጥቓ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ኣባላት ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ሚሊሻ ተሳቲፎም ነይሮም።

ኣመሪካ፡ ብ3 ጥሪ ንኣዛዚ ፍሉይ ኣሃዱ ኢራን ዝነበረ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ብናይ ኣየር መጥቃዕቲ ድሕሪ ምቕታላ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ሰፊኑ'ሎ።

ኣብቲ ኣብ ከባቢ ማዕርፎ ነፈርቲ ባቕዳድ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ መራሒ ናይቶም ሚሊሽያ ዝነበረ፡ ኣቡ ማህዲ ኣል-ሙሃንዲስ'ውን ተቐቲሉ እዩ።

ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ወታሃደራዊ መዓስከራት ሰራዊት ኣመሪካ ናይ ሚሳይላት ደብዳብ ኣካይዳ ነይራ።

ባንዴራ ዒራቕ ዘንበልብሉ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት፡ ህላወ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ዒራቕ ብምኹናን ጠቕሊሎም ክወጹ ጠሊቦም።

ኣብቲ ኣንጻር ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዕሽ ክካየድ ዝጸንሐ ወታሃደራዊ ስርሒታት ክሳተፉ ዝጸንሑ ኣስታት 5000 ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ይርከቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት