ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ 'ተራእዩ ዘይፈልጥ' ወራር ኣንበጣ ኣንጸላልዩ'ሎ

ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኬንያ ዝተርአየ ወራር ኣምበጣ Image copyright EPA

ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምድረበዳ ንምክልኻል፡ ዓለምለኻዊ ደገፍ ጠሊቡ።

እቲ ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ወራር ኣንበጣ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማልያን፡ ኣብ ሕርሻን መጋሃጫን ዓቢ ዕንወት ኣስዒቡ ከም ዘሎ ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም፡ ፋኦ ገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ'ውን ብፍላይ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተራእዩ ከም ዝቐነየ ተፈሊጡ።

ውድብ ምግቢ ዓለም፡ መጠን እቲ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ መጻኢ ወርሒ ሰነ 500 ግዘ ዕጽፊ ክራባሕ ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ከምዚ ዓይነት ወራር ኣንበጣ ተራእዩ ከምዘይፈልጥ ዝገለጸ ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ኬንያ ድማ ከምዚ ዓይነት ዕስለ ኣንበጣ ካብ እትርኢ ልዕሊ 70 ዓመት ኾይኑዋ ኣሎ- ኢሉ።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ እንተዘይተገቲኡ፤ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን'ውን ሓደጋ ከምዘብጽሕ ተተንቢዩ።

"ዛጊድ ወራር እቲ ዕስለ ካብ ዓቕሚ ነበርትን መንግስታዊ ምምሕዳራትን ንላዕሊ እናኾነ መጺኡ ኣሎ" ይብል ፋኦ።

ኩሉ ዓይነት መከላኸሊ መይላ ተፈቲኑ እናፈሸለ ከምዝኾነን፡ እቲ ዝተረፈ እንኮ መማረጺ፤ ካብ ኣየር ብነፈርቲ ዝንጸግ መድሓኒት ከምዝኸውን'ውን ሓቢሩ።

Image copyright Reuters

እቲ ዕስለ ካብ የመን ዝነቐለ ኾይኑ፤ ብፍላይ ኣብ መሰነይታ ዓመተ 2019 ዝወረደ ሓያል ዝናብ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ከምዝኾነ ይዝረብ።

ኣብዚ ዝሓዝናዮ ሓድሽ ዓመት'ውን እቲ ጸገም ክጋደድ ከምዝኽእልን፤ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ኣብ ሃገራት ህንዲ፣ ኢራንን ፓኪስታንን ካሊእ ዕስል እናተፈልፈለ ከምዝኾነ ውድብ ምግቢ ዓለም መረዳእታ ኣለኒ ይብል።

ሓደ ዕስለ ኣንበጣ ክሳብ 150 ኪሎሜትሮ ክጓዓዝ ከምዝኽእልን፣ ነፍሲ ወከፍ ዓብዪ ኣምበጣ መዓልታዊ ክንዲ ክብደቱ ዝኣክል ክምገብ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ክንዲ ከተማ ፈረንሳይ ዝኾነት ፓሪስ ክሽፍን ዝኽእል ዕስለ ኣምበጣ፤ ኣብ ሓንቲ ጸሓይ ፍርቂ ህዝቢ ፓሪስ ክምግብ ከምዝኽእል ፋኦ ኣመልኪቱ።

Image copyright EPA

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ይስፋፋሕፋሕን ይጭጫሕን ብዛዕባ ዝነበረ ዕስለ ኣምበጣ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ብፍላይ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን እቲ ዕስለ ተራእዩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ክልል ትግራይ እቲ ዕስለ ብዙሕ ጉድኣት ከየብጸሐ በሓረስቶትን መናእሰይን ትሕብብር ዝተባረረ እንትኸውን፤

ኣብ ገለ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ግና ኣብ ልዕሊ ፍርያት ሕርሻ መጠነኛ ጉድኣት ኣብጺሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ አበባ ዝተልዓለት ነፋሪት ብሰንኪ እቲ ዕስለ ተመሊሳ ክትዓርፍ ከምዝተገደደት ዝዝከር እዩ።