ቱርኪ ብዘጋጠማ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብውሕዱ 20 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኤሊዛግ ቱርኪ ብምንቅጥቃጥ መሬት ዝፈረሰ ህንጻ Image copyright Getty Images

ኣብ ምብራቓዊ ቱርኪ ብዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብውሕዱ 20 ሰባት ምሟቶምን ብኣማኢት ዝቑጸሩ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሖምን ሰብ መዚ ገሊጾም።

እቲ 6.8 ሬክተር ዝተዓቀነ ምንቅጥቃጥ፡ ቀንዲ ማእከሉ ሲቨሪስ ኣብ ዝተነብሃለት ከተማ ኮይኑ፡ ህንጻታት ብምፍራሱ፡ ሰባት ናብ ደገ ክሃድሙ ተራእዮም።

ነዝነዝታ ናይቲ ምንቅጥቃጥ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሶርያ፡ ሊባኖስን ኢራንን ተሰሚዑ።

ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ቱርኪ ልሙድ ተርእዮ እዩ፤ ኣብ 1999 ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ኢዝሚት ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ 17,000 ሰባት ሞይቶም።

ብመሰረት በዓልመዚ ምክትታል ሕጹጽ ሓደጋ ቱርኪ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ 60 ንኣሽቱ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሞም እዮም።

ልዕሊ 400 ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ነቶም ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ዘለው ግዳያት ዝኸውን መጽለልን መደቀስን ሒዞም ናብቲ ዞባ ከም ዝተንቀሳቐሱ'ውን ገሊጹ።

ተወሳኺ ንኣሽቱ ምንቅጥቃጥ ክህሉ ስለዝኽእል ሰባት ናብቲ ዝፈረሰ ህንጻታት ከይምለሱ'ውን ኣጠንቂቑ።

ኣመሓዳሪ ኤሊዛግ ኣብ ግዝኣቱ 6 ሰባት ከሞ ዝሞቱ ክገልጽ ከሎ፡ ኣመሓዳሪ ማላታያ'ውን ኣብ ግዝኣቱ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሩ።

ኤኤፍፒ ዘዘራረቦ ሓደ ነባሪ፡ "ኣዝዩ ዘፍርሕ እዩ ነይሩ - ኣብቲ ገዛ ዝነበረ ኣቕሑት ኣብ ልዕሌና ክወድቕ ጀሚሩ፡ ሽዑ ናብ ግዳም ሃዲምና ወጺና" ኢሉ።

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ ካብ ርእሰ ከተማ ቱርኪ፡ ኣንካራ፡ 550ኪሜ ርሕቀት ዝርከብን ብዙሕ ሰብ ዘይነብረሉን ብምዃኑ ዝርዝራት እቲ ሓደጋ ክግለጽ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ተገሚቱ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት