ኮሮናቫይረስ፡ ቻይና ከመይ ገይራ'ያ ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ሆስፒታል ክትሃንጽ?

ሆስፒታል ዉሃን፡ ማሽነሪታት ኣብ ኩዕታ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብቲ ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ክዛዘም ትጽቢት ተገይርሉ ዘሎ ሆስፒታል ዉሃን ዝተዋፈራ ማሽነሪ

ብኮሮኖቫይረስ ተወሪራ ዘላ ከተማ ዉሃን ቻይና፡ በቲ ቫይረስ ከም ዝተጠቕዑ ንዝተጠርጠሩ ሕሙማት ዘገልግል ሆስፒታል፡ ኣብ ሸዱሽተ መዓልቲ ክትሃንጽ ተበጊሳ ኣላ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ቻይና 1,287 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ ከለው፡ 41 ሞይቶም እዮም።

እቲ ለበዳ ኣብታ 11 ሚልዮን ነበርቲ ዘለዋ ከተማ ዉሃን እዩ ጀሚሩ።

ሆስፒታላት እታ ከተማ ስክፍታ ብዝሓደሮም ሕሙማን ኣዕለቕሊቑ፡ ፋርማሲታት'ውን ሕጽረት መድሓኒት ኣጋጢምወን ኣሎ።

ብመሰረት መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር፡ እቲ ሓድሽ ሆስፒታል 1,000 ዓራት ክህልዎ እዩ።

ኣብቲ 25 ሺሕ ትርብዒት ሜትር ዝሽፍን ስፍራ፡ ድሮ ማሽነሪታት ኣብ ስራሕ ተዋፊረን እናኾዓታ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ መራኸቢ ብዙሓን ቻይና ዘርጊሐን።

እዚ ሆስፒታል፡ ምስቲ ኣብ 2003 ኣብ በይጂንግ ቫየረስ ሳርስ ንምምካት ዝተሰርሐ ሆስፒታል ከም ዝመሳሰል ይግለጽ።

"ነቶም በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ንምሕካም ዘኽእል መከላኸሊታት ዝዓጠቐ ሆስፒታል እዩ ክኸውን" ይብል ኣብ ቤትምህርቲ ጥዕና ሃርቫርድ መምህር ዓለማዊ ጥዕና ዮኣን ካውፍማን።

ቻይና ከመይ ገይራ'ያ ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ሆስፒታል ክትሃንጽ?

ኣብ ቤትምኽሪ ዝምድናታት ወጻኢ፡ ክኢላ ኣህጉራዊ ጥዕና ያንዞንግ ሁዋንግ፡ "ቻይና ንነገራት ብቕልጡፍ ብምህናጽ ተፈላጥነት ረኺባ እያ" ይብል።

ንሱ ነቲ ኣብ 2003 ኣብ በይጂን፡ ኣብ ሸውዓተ መዓልቲ ዝተሃነጸ ሆስፒታል ብምዝካር፡ እቶም ሃነጽቲ ነዚ ክብረወሰን ከመሓይሽዎ ይፍትኑ ከም ዘለው ይዛረብ።

ከምቲ ናይ በይጂንግ ሆስፒታል እዚ ናይ ዉሃን'ውን ኣቐዲሙ ብዝተሰርሐ፡ ብዝገጣጠም ናውቲ እዩ ክስራሐ።

"እታ ምልካዊት ሃገር፡ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወርድ ናይ ክተት ኣገባብ እያ ተዘውትር። ቢሮክራታውን ፋይናንስያውን ሕጽረታት ሰጊሮም ኩሉ ጸጋታት ናብ ዘድሊ መዓላ ከኽትትዎ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ።

ነቲ ህንጸት ኣብ ሰዓቱ ንምፍጻም፡ መሃንድሳት ካብ መላእ እታ ሃገር ናብቲ ስፍራ ከም ዝሰሓቡ'ውን ሚስተር ሁዋንግ ይገልጽ።

"ቻይና ኣብ ስራሓት ምህንድስና ፍልጥቲ እያ። ኣዝዩ ነዋሕቲ ህንጻታት ኣብ ሓጺር ጊዜ ናይ ምህናጽ ተሞክሮ ኣለዎም። እዚ ንምዕራባውያን፡ ክሓስብዎ'ውን ዘይከውን እዩ" ኢሉ።

ብመዳይ ቀረብ መድሓኒት፡ ዉሃን ወይ ካብ ካልኦት ሆስፒታላት ወይ'ውን ብቐሊሉ ካብ ዝተፈላለዩ ፋብሪካታት ክትጠልብ ስለ እትኽእል ኣጸጋሚ ኣይከውንን።

150 ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ናብ ዉሃን ከም ዝኣተው፡ ግሎባል ታየምስ ዝተብሃለ ማእከን ዜና ብዓርቢ ጸብጺቡ።

ኣብቲ ሓድሽ ሆስፒታል ክሰርሑ ብዛዕባ ምዃኖም ግና ኣይገለጸን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት