"ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ቅድሚ ሕዚ ዝበኣሰ ይቕተልን ይእሰርን" ሰልፈኛታት ተቓውሞ

ተቓውሞ ተወለድቲ ኦሮሞ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ Image copyright Teshome Dimee

ኣብ ዋሺንግተን ተወለድቲ ኦሮሞ ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዘብጸሖ ዘሎ ጥቕዓት ጠጠው ከብል ጸዊዖም።

ናብ ሎሚ ዘውግሕ ኣብ ኣመሪካ ከተማ ዋሺንግተን ተቃውሞ ዘስምዑ ተወለድቲ ኦሮሞ፡ ብፍላይ ኣብ ጥቓ ቤት ጽሕፈታት ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ [ዋይት ሃውስ]፣ ባንኪ ዓለከምን ኣይኤም ኤፍን ድምጾም ኣስሚዖም።

ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያን ደቡብ ኦሮምያን [ጉጂ ኦሮሞ] ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገምን ንኣዋርሕ ግልጋሎት ኢንተርኔትን ስልክን ምዕጻውን ተቓዊሞም።

እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት ከምዘሎ ዝዝረብ እንትኸውን፡ ወተሃደራት መንግስቲ ጠቕሊሎም ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ እቶም ሰልፈኛታት ሓቲቶም።

ካብ መንጎ አተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ ሓደ ዝኾነ ቶልቻ ወጊ፤ "ግልጋሎት ኢንተርኔት ምቁራጽ ኮነ ኢልካ ናይቲ ህዝቢ ድምጺ ከይስማዕ ምዕፋን እዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራት መንግስቲ ብሃበ ተረኽበ፡ ንጹህ ህዝቢ እናቐተሉን እናኣሰሩን ከምዝርከቡ እኹል መረዳእታ ክነቕርነብ ንኽእል ኢና- ድማ ኢሉ፤ ኣይተ ቶልቻ።

Image copyright Teshome Dimee

ነባሪ ሜሪላንድ ዝኾነ ካሊእ ተሳታፊ እቲ ሰልፊ ተሾመ ደሜ ብወገኑ፤ "ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝሐሸ ለውጢ ክንርኢ ተጸቢና ነይርና። እንተኾነ፤ ህዝቢ ኦሮሞ ጥር ዝብል ነገር ኣይረኸበን። እኳ ደኣስ፤ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ብዝበኣሰ መልክዑ፤ ህዝብና ይቕተልን ይእሰርን ኣሎ" ኢሉ።

ነባሪ እቲ ከባቢ ኮነ ተባሂሉ ስለዝተዓፈነ፤ ድምጺ ክኾንዎ እዚ ሰላማዊ ሰለፊ ከምዝጸውዑ ድማ ተዛሪቡ።

እቶም ብበዝሒ ባንዴራ ኦነግ ዝሓዙ ሰልፈኛታት፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዝፍጸም ዘሎ ዓሌታዊ ጥቕዓት ጠጠው ክብልን፤ ኣመሪካን ዓለም-ለኸ ትካላት ገንዘብን ነዚ "ቀታልን ሓራድን" ንዝበልዎ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምሕጋዝ ጠጠው ከብሉ ዝሓቱ ጭርሖታት ሒዞም ድምጾም ከስምዑ ውዒሎም።

ከምኡ'ውን አብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቅማንት ዝፍጸም ጥቕዓት ኣውጊዞም።

እቶም ዝተጠቐሱ መብአዛሕተኦም ከባብታት ማለት'ውን ምዕራብን ደቡብን ኦሮምያ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት ይርከቡ።

ተወሳኺ ዛንታ