ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ዝተጨወያ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደምቢዶሎ፡ ዛጊት እንታይ ንፈልጥ?

ካብ ስድራ እቶም ዝተጨወዩ ተምሃሮ ሓንቲ
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ስድራ እቶም ዝተጨወዩ ተምሃሮ ሓንቲ

17 ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ ደምቢዶሎ፡ ብምኽንያት ናይ ጸጥታ ጸገም ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ናብ ዓዶም እናተመለሱ እናሃለዉ፡ ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጨውዮም ከምዝተወሰዱ ካብ ዝግለጽ ልዕሊ 50 መዓልታት ሓሊፉ።

ካብቶም ዝተጨወዩ ተምሃሮ፡ መብዛሕተአን ደቂኣንስትዮ እየን።

መብዛሕቲኦም ስድራ ናይተን ተምሃሮ ነዚ ዜና መጭወይቲ ዝሰምዑ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 24 ሕዳር 2012 ነይሩ። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ንክልተ ሰሙናት ብቴሌፎን ደሃይ ይረኽቡ ነይሮም።

ብድሕሪኡ ግን፡ ደሃይ እተን ተምሃሮ ኣይረኸቡን። በዚ ድማ ኣብ ሓያል ጭንቀት ተሸሚሞም ጸኒሖም።

2 ጥሪ 2012፡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኢስተር ኢትዮጵያ፡ ብሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣቢሉ ተጨውዮም ካብ ዝነበሩ ተምሃሮ 21 ከምዝተለቐቑን፡ 6 ግን ገና ኣብ ኢድ ጨወይቶም ከምዘለዉን ገሊጹ ነይሩ።

ስድራ ተምሃሮ ግን "ደቅና ኣይተመለሳን" እዮም ዝብሉ። መንግስቲ መብዛሕተኦም እቶም ተጨውዮም ዝነበሩ ተለቒቖም እዮም እኳ እንተበለ "ውላደይ ተመሊሱ" ዝበለ ስድራ ግና ኣይተረኸበን።

እዚ ድማ፡ ካልእ ጥርጣረታት ክፈጥር ጀሚሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ'ዚ ንጹር ሓበሬታ ኣብ ክንዲ ምሃብ "ስቕታ" ብምምራጹ ዝተቖጥዑ ዜጋታት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ "ተምሃሮና ምለሱልና" [#BringBackOurStudents] ዝብል ጎስጓስ ጀሚሮም ኣለዉ።

ዝተጨወዩ ተምሃሮ

ቢቢሲ፡ ካብ ስድራ እቶም ዝተጨወዩ ተምሃሮ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ዝተጨወዩ ተምሃሮ እዚ ዝስዕብ እዩ።

  • በላይነሽ መኮንን ደምለው
  • ሳምራዊት ቀሬ ኣስረስ
  • ዘውዴ ግርማው ፈጠነ
  • ሙሉ ዘውዴ ኣዳነ
  • ግርማቸው የኔነህ ኣዱኛ
  • ስርጉት ጌትነት ጥበቡ
  • ትዕግስት መሳይ መዝገቡ
  • መሠረት ከፍያለው ሞላ
  • ዘመድ ብርሃን ደሴ
  • ሞነሞን በላይ ኣበበ
  • ጤናኣለም ሙላቴ ከበደ
  • እስካለሁ ቸኮል ተገኘ
  • ኣሳቤ ኣየለ አለም
  • ቢተውልኝ ኣጥናፍ ኣለሙ
  • ግርማው ሐብቴ እማኘው
  • ኣታለለኝ ጌትነት ደረሰ
  • ክንዳየሁ ሞላ ገበየሁ

ብኸመይ ተጨውዮም?

ተምሃሪት ኣስምራ ሹሜ ሓንቲ ካብቶም ዝተጨወዩ ተምሃሮ ከምዝነበረት እያ ትዛረብ። ነቲ ዝነበረ ኩነታት ድማ፡ ብኸምዚ ገሊጻቶ።

"ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ዶሎ ተምሃሪት ቀዳማይ ዓመት ኢንጂነሪንግ እየ። ካብ ሞንጎ እቶም ዝተጨወዩ ተምሃሮ ሓንቲ ነይረ። ፈለማ በቶም ጨወይቲ ዝተትሓዝና 18 ተምሃሮ ነይርና። ኣነ ስለዘምለጥኩ፡ ሕዚ ተታሒዞም ዘለዉ ተምሃሮ 17 እዮም። ካብኣቶም፡ እቶም ኣርባዕተ ደቂተባዕትዮ፡ 13 ድማ ደቂኣንስትዮ እየን" ትብል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ዶሎ ጎንፂ ስለዝነበረ፡ ተምሃሮ ነቲ ቀፅሪ ገዲፎም ወፅዮም ምንባሮ ብምሕባር፡ "ንሕና እውን ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ክንወፅእ ሓሲብና፤ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብቀጥታ ዝወስድ መገዲ ስለዝተዓፀወ፡ ካብ ደምቢ ዶሎ ብጋምቤላ ገይርና፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንኣቱ ወሲንና" ኢላ።

እተን ዝተጨወያ ተምሃሮ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ዝመጽኣ ምንባረን ትዛረብ።

"ካብ ደምቢ ዶሎ ናብ ጋምቤላ ንምኻድ 30 ብር ዘኽፍል እንትኸውን፡ ትልምና፡ ኣብ ጋምቤላ ሓዲርና ናብ ኣዲስኣበባ ክንከይድ እዩ ነይሩ። ኣብ ሞንጎ ደምቢ ዶሎን ጋምቤላን ኣብ ትርከብ 'ሱድ' ትበሃል ከባቢ ምስ በፃሕና፡ ገዘፍቲ መናእሰይ ነታ መኪና ደው ብምባል፡ ዓፊኖምና" ክትብል ነቲ ኩነታት ትዝክር።

ኣስዒባ ድማ "እቲ ከባቢ ፅዑቕ ጫካ ብምዃኑ፡ ናብ ውሽጢ ሒዞምና ኣትዮም። እናእወና እንከለና እዮም ሒዞምና ከይዶም። ፍርቂ እቲ ጫካ ምስተጓዓዝና፡ ዝተወሰና ደቂኣንስትዮ ስለዝደኸመን ወዲቐን። ኣብዛ ፃት ነተን ዝወደቓ፡ 'ተልዓላ' እናበሉ ከልዕልወን እንትፍትኑ እየ፡ ኣነ ካብ ዓይኖም ተሰዊረ" ኢላ።

ኣስምራ ሕዚ ኣብ ዓዳ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ዘመን ትርከብ።

ስድራ ተምሃሮ

ኣብ ክልል ኣምሓራ እትርከብ ከተማ ኣዲስ ዘመን ኣብ ሓዘን እያ ዘላ። ምኽንያቱ ከኣ፡ መብዛሕቲአን ካብቶም ዝተጨወያ ተምሃሮ ካብዛ ከተማ እየን።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ንስድራ እተን ተምሃሮ ክረክብ ናብ'ዛ ከተማ ኣብ ዝኸደሉ፡ ተስፋ ቆሪጾም ከምዝረኸቦም ይገልጽ።

"2 ጥሪ ተፈቲሖም ምስተብሃልና ደስ ኢሉና ነይሩ፤ እንተኾነ ክሳብ ሕዚ ምስ ደቅና ኣይተራኸብናን። ተቐቲሎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ኣለና" ኢሎም።

"ሞይተን እንተኾይነን እውን ይንገሩና እሞ ስድራ ተኣኪቡ በኽዩ ይውጸኣሉ። በብመዓልቱ እንታይ ኮን ኮይነን ይኾና እናበልና ሳዕሪ ጸሪና" ኢሎም።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ እንታይ ኢሉ?

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ላቀ አያሌው፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ቴሌቪዥን ኣምሓራ ቀሪቡ፡ እተን ተምሃሮ ንምልቃቕ ብደረጃ ሃገር ዝተገበረ ጻዕሪ "ውሑድ እዩ" ክብል ነቒፉ እዩ።

መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር'ውን ነዚ ጉዳይ ግቡእ ቆላሕታ ብምሃብ ጸብጻባት ይሰርሓ ከምዘየለዋ ተዛሪቡ።

"ብፍላይ ድማ ነቲ ከባቢ ዘመሓድር መንግስቲ ኦሮሚያን መንግስቲ ፌደራልን ቆላሕታ ሂቦም ነተን ተምሃሮ ከፍትሕወን ኣለዎም" ኢሉ።

መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ኸ?

ፈለማ፡ ምክትል ሓላፊ ኮሚዩኒኬሽን ኦሮሚያ ኣይተ ዴሬሳ ተረፈ "ዝተጨወየ ተምሃሪ የለን" ኢሉ ነይሩ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ እቶም ተምሃሮ ተለቒቖም እዮም ምስበለ ድማ፡ "እቶም ተምሃሮ ኣበይ ኣለዉ?" ክንብል ንምክትል ሓላፊ ጸጥታ ኦሮሚያ ኮሎኔል አበበ ገረሱ ሓቲትናዮ ነይርና። መልሲ ክህበና ኣይፈቐደን።

ድሕሪ'ቲ ናይ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር መግለጺ ግን፡ ኮሎኔል አበበ "እቶም ተምሃሮ ኣብ ኢድ መንግስቲ እዮም ዘለዉ" ኢሉ ነይሩ።

ነተን ተምሃሮ መን'ዩ ጨውዩወን?

ነዚ ሕቶ፡ ዛጊት ንጹር ዝኾነ መልሲ የለን። ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እውን የለን።

እቲ መጭወይቲ ተፈጺምሉ ዝተብሃለ ቦታ፡ ከባቢ ቄለም ወለጋ ክኸውን ከሎ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓያል ናይ ጸጥታ ስግኣት ካብ ዝረኣየሎም ዘሎ ከባብታት ሓደ እዩ።

ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጎንጺ፡ ኣገልግሎት ሞባይል ስልኪን ኢንተርኔትን ተቛሪጹ'ሎ።

እቲ ኸባብታት፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝነጥፉ ዕጡቓት ዝንቀሳቐሱሉን፡ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት (ሓይሊ ዕማም) ዝመሓደር ዘሎን እዩ።

ኣብቲ ከባቢ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓትን ቀጻሊ ውግኣት ከምዝካየድ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፡ መንግስቲ ግን ዝሃቦ ዕላዊ መግለጺ የለን።

ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰር ድማ፡ ብዙሓት ሰባት እተን ተምሃሮ ኣብቲ ከባቢ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ተጨውየን ክኾና ከምዝኽእላ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ካብ ኢድ እቶም ጨወይቲ ዝሃደመት ተምሃሪት ኣስምራ፡ እቶም ጨወይቲ ደጋጊሞም "ምሳኻትኩም ባእሲ የብልናን፤ ባእስና ምስ መንግስቲ እዩ" ይብሉ ምንባሮም ትዛረብ።

"ህዝቢ ኣምሓራ፡ ደቅና ተጨውዮም ኣለው ኢሉ ሰልፊ ምስ ወጸ፡ መንግስቲ ንዓና ከዘራርበና'ዩ። ሽዑ ሕቶታትና ንመንግስቲ ክነቕርብን መልሲ ክንረክብን ኢና" ከም ዝበሉ ኣስምራ ትዛረብ።

እንተኾነ፡ ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ከባብታት ምዕራብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ዲሪባ ኩምሳ (ጃል መሮ) ግን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕተት መጭወይቲ እቶም ተምሃሮ "ኣይወዓልናዮን" እዩ ኢሉ።

"ዕላማ ቃልስና ምስቶም ተምሃሮ ኣይራኸብን። ኣብ ልዕሊ እቶም ተምሃሮ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣይፈጸምናን። ከምቲ ልሙድ፡ ናትና ስም ንምጥቃን ዝተብሃለ እዩ። ከምዚ ዓይነት ተግባር ሎሚ ኮነ ጽባሕ ኣይንውዕሎን" ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት