መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን 'ኣንጻር ግብረሽበራ' ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም

መራሕቲ ሶማልያ (ጸጋም) ኤርትራ (ማእከል)ን ኢትዮጵያን (የማን) ኣብ ኣስመራ Image copyright Yemane G. Meskel/twitter

መራሒ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን፡ መዘናኡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ኣንጻር ናይ ሓባር ስግኣታት" ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑ ኣፍሊጦም።

ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ " ናይ 2020 ኲኖኡን ዝኸይድ ናይ ሓባር ናይ ስራሕ ውጥን ኣጽዲቖም" ክብላ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ገሊጸን።

ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ኣስመራ ኣቲዮም ኣለው።

እቶም መራሕቲ ኣብ መግለጺኦም፡ ንሰላም፡ ምርግጋእን ጸጥታን እቲ ዞባ ንምሕያል፡ "ኣንጻር ግብረሽበራ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ብረትን፡ ከምዉ'ውን ዕጸፋርስን ንምቅላስ" ዘኽእሎም "ሰፊሕ ወጥን" ከም ዘውጽኡ ጠቒሶም።

Image copyright AFP

ይኹን እምበር፡ ኣብ ግብሪ እንታይ ክገብሩ ከም ዝመደቡን፡ ብኸመይ ክትግብርዎ ከም ዝደልዩን ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኣሕመድ ፋርማጆን፤ ኣብ ኣስመራ ስሉሳዊ ርክብን፤ ኣብ መንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ንዘሎ ሓባራዊ ሽርክነታዊ ዝምድናን ንሰለስቲኦም ኣብ ዘገድሱ ዞባዊ ጉዳያትን፡ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ስሉሳዊ ዘተ ድሕሪ ምክያዶም'ዮም ነቲ መግለጺ ኣውጺኦም።

እዞም ክልተ መራሕቲ፡ ኣስመራ ኣብ ዝኣተዉሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ኣቀባብላ ገይሩሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ምሸት ንኣስመራ ከምዝኣተወን፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናን ንኽልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድስ ዞባዊ ምዕባለታትን ከምዝተዘራረቡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ መገርሳ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ኣትዩ ከምዘሎ'ውን ተገሊጹ'ሎ።

Image copyright Yemane G. Meskel

እዚ ሎሚ ዝካየድ ኣኼባ እቶም መራሕቲ፣ ኣቐዲሞም ብ 5 መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ ዝኸተምዎ ናይ ምሕዝነትን ልምዓታዊ ምትሕብባርን ከምኡ'ውን ኣብ ሕዳር 2018 ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ ስሉሳዊ ዘተ ተመርኩሶም ከም ዝዘራረቡ ኣቶ የማነ ኣብ ትዊተር ገሊጹ።

ኤርትራን፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣስመራ ዘውጸአኦ ሓባራዊ ኣዋጅ፡

  • ረብሓ ህዝብታተን ብዘውሕስን ዘረጋግጽን መንገዲ ድልዱል ዝምድና ክፈጥራ፡
  • ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን መዳያት ክብ ዝበለ ምትሕግጋዝን ጥምረትን ክሃንጻ፡
  • ንሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኪኖኡን ብሓባር ክሰርሓ፡ ከምኡ'ውን ንትግባረ ናይ'ቲ ነጥብታት ዝከታተል ላዕለዋይ ኮሚተ ክምስርታ ዝብል ኣርባዕተ ዓንድታት ተሰማሚዖም ከምዝነሩ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣቃሊሓን ነይረን።