መዓልቦኣ ስሒታ ናብ ጽርግያ ዝኣተወት ነፋሪት ኢራን

ነፋሪት ኣብ ጎደና Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ማዕልቦ ነፈርቲ ወጺኣ ናብ ጎደና ዘምረሐት ነፋሪት ኢራን

ሓንቲ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ኢራን፡ ማዕልቦኣ ስሒታ ናብ ጽርግያ ኣትያ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ማህሻህር ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ክልተ ካብቶም 136 ተጓዓዝቲ ናይ እግሪ መቑሰልቲ ከም ዘጋጠሞም ሓካይም ሓቢሮም።

እታ ዶግላስ MD-83 ዝዓይነታ ነፈሪት መንገዲ ኣየር ካስፒያን፡ ካብ ርእሰከተማ ጣህራን ዝተበገሰት'ያ።

መግስታዊ ቴሌቭዥን እታ ሃገር፡ ንሓደ ዞባዊ ብዓልመዚ ኣቪየሽን ብምጥቃስ ኣብ ዘቃለሖ ሓበሬታ፡ ኣብራሪ ናይታ ነፋሪት "ደንጉዩ ስለዘውረዳ፡ ነቲ ማዕልቦ ክስሕቶ ኪኢሉ" ኢሉ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ "እታ ነፋሪት ንመወዳእታ ናይቲ ማዕልቦ ነፈርቲ ሓሊፋ፡ ናብ ዓቢ ጎደና ኣትያ ደው ኢላ" ክብል መሓመድ ረዛ ረዛይ ተዛሪቡ።

ሓደ ኣብታ ነፋሪት ዝነበረ ጋዜጠኛ ብወገኑ፡ ናይ ድሕሪት ጎማ እግሪ ናይታ ነፋሪት ከም ዝሞለቆን፡ ብኸብዳ ከም ዘንሸራተትን ገሊጹ።

ብዓል መዚ ኣቪየሽን ኢራን፡ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ መርመራ ጀሚሩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኢራን፡ ብድኹም ናይ ኣቪየሽን ውስነት እትፍለጥ ሃገር'ያ።

ኣብ ለካቲት 2019 ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት 66 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ 2011፡ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢራንኤየር ክትዓልብ እንከላ ብምሕምሻሻ'ውን፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንክልተ መንገዲ ኣየራት ኢራን፡ ብሰንኪ ናይ ውሕስነት ስግኣታት፡ ናብ ክሊ ኣየሩ ከይበራን ወይ ተሪር ቁጽጽር ክግበረለንን ወሰኒ'ዩ።

ኢራን፡ ኣብ 2015 ስምምዕ ኑክሌር ድሕሪ ምፍራማ፡ ንዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ማዕቀባት ምስ ተላዕለላ፡ ነተን ዝኣረጋ ነፈርታ ንምጽጋንን ንምምሕያሽን ውጥን ነይሩዋ።

ይኹን እምበር፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ፡ ኣብ 2018 ካብቲ ስምምዕ ብምስሓቡ፡ እቲ ዝነበረ ማዕቀባት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኒፈርቲ ከይትገዝእ ዝገብር ተወሰኽቲ ካልኦት እገዳታት'ውን ኣንቢሩላ ይርከብ።

እዚ ናይ ሎሚ ሰኑይ ሓደጋ፡ ክልተ ሳምንታት ድሕሪ'ታ ብሚሳይላት ኢራን ተሃሪማ ዝወደቐት መንገዲ ኣየር ዩክሬን'ዩ ዘጋጠም ዘሎ።

ኣብታ ቦይንግ 737-800 ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ተሳፊሮም ዝነበሩ 176 ኩሎም ከም ዝሞቱ ይዝከር።