ትራምፕ፡ ንእስራኤልን ፍልስጤምን ዘተዓርቕ ሓድሽ እማመ ሰላም ኣቕሪቡ

ኔታንኣሁን ትራምፕን Image copyright Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንማእኸላይ ምብራቕ ሰላም ከምጽእ እዩ ዝበሎ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝተገበረሉ እማመ ሰላም፡ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ እማመ ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ክወሃባ ዘኽእል ኮይኑ ኣብ ትሕቲ እስራኤል ዝርከብ ግዝኣታት ድማ ኣብ ዘለዎ ክረግእ ብፍላይ ድማ እየሩሳሌም ብምልእታ ከይተሸራረፈት ርእሰ ከተማ እስራኤል ኮይና ክትቅጽል ዝብል እዩ።

ከምኡ ድማ እቲ እማመ፤ ዓለም ለኻዊ አፍልጦ ዘለዋ ነጻ ፍልስጤም ክትቀውምን ኣብ 'ዌስትላንድስ' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ግዝኣታት ናይ እስራኤል ሉኣላዊ ኮይኑ ክጸንዐላን ይጥምት።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኔታንያሁ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኮይኑ ናይ ሰላም ሓሳብ ዕላዊ ዝገበረ ፕረዚደንት ትራምፕ፤ ንፍልስጥኤማውያን ናይ መወዳእታ ዕድል ኢሉዎ።

ፕረዚደንት ፍልስጤም መሓሙድ ዓባስ እቲ እማመ 'ሽርሒ' እዩ ብምባል ነጺግዎ።

መሓሙድ ዓባስ ኣብ ከባቢ ዌስትላንድ ኾይኑ ብሃገራዊ ቴሌቪዥን ብቐጥታ ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

"ንትራምፕን ንኔታንያሁን ክብሎም ዝደሊ፡ እየሩሳሌም ንመሸጣ ኣይትቐርብን። መሰልና ንመሸጣ ኣሕሊፍና ኣይንህብን። እንላዘቦ ነገር'ውን ኣይህሉን" ኢሉ።

ትራምፕ እዚ ዘቕረቦ ሓዲሽ እማመ ብሓላፍነት ወዲ በዓልቲ ቤቱ ጃረድ ኩሽነር ዝተነደፈ ከምዝኾነ ይዝረብ።

ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ጋዛ ስትሪፕ ተቓውሞ ኣስሚዖም እዮም።

Image copyright AFP

ትራምፕን ኔታንያሁን እዚ ብሓባር ዕላዊ ዝገበርዎ እማመ፡ ክልቲኦም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ፖለቲካዊ ብድሆታት ኣብ ዘጓነፎም እዋን እዩ።

ትራምፕ ሕጊ ብምትሕልላፍ ክሲ ተመስሪትዎ ኣብ መጻብብ ዝኣትወ እንትኸውን፤ ኔታንያሁ ድማ ብግዕዝይና ተጠርጢሩ ክሲ ክምስረቶ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ክለዓል ጻዕሪ ኣብ ዝግበረሉ ሰዓት እዩ።

ክልቲኦም ጥር ትብል ጌጋ ከምዘይሰርሑ እዮም ዝዛረቡ።

ኣብ እስራኤል ኣምባሳደር ኣመሪካ ዴቪድ ፍሪድማን፤ እቲ እማመ ዝቐረበሉ ኩነታት ብዝኾነ ፖለቲካዊ ምዕበላታት ዝተላዕቖጠ ኣይኮነን ኢሉ።

ግዝኣት ጋዛ ስትሪፕ ኣብ ቁጽጽሩ ዝገበረ እስላማዊ ጉጅለ ሓማስ ድማ ነቲ እማመ "ንፍልስጥኤም ሃገር ናይ ምግባር ሕልሚ ዘምክን" ክብል ነጺግዎ።

ሕቡራት ሃገራት እቲ ቅድም ክብል ቅድሚ እቲ ናይ 1967 ኲናት ዝነበረ ዶብ መሰረት ገይሩ፡ ን'ክልተ-ሃገር' ኣፍልጦ ምሃብ ኣብ ዝብል ፍታሕ ጸኒዑ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ንክልቲኦም ከተዓርቕ ዝኽእል ኣብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት መሰረት ዝገበረን፤ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝተመርኮሰን ክልቲኣዊ ፍቓደኝነት መሰረት ዝገበረን ጥራሕ ክኸውን ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፍልስጥኤማውያን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እንተስምዑ