ኣመሪካ፡ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 6 ሃገራት እገዳ መገሻ ኣጽዲቓ

ተሳፈርቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሌጎስ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ 2018፡ ኣመሪካ ን8 ሽሕ ናይጄርያውያን፣ 2ሽሕ ሱዳናውያን፣ 290 ታንዛንያውያንን 31 ኤርትራውያንን ቪዛ ዓዲላ ነይራ።

ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ናይጄርያን ኤርትራን ዝርከበአን ሽዱሽተ ሃገራት እገዳ መገሻ ኣጽዲቓ።

በቲ ክልከላ ዜጋታት ናይጄርያ፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ታንዛንያ፣ኪርጊስታንን ምያናማርን ዝተወሰኑ ዓይነታት ቪዛ ክረኽቡ ኣይክፍቀደሎምን።

እንተኾነ ዜጋታት እዘን ሃገራት ከምበጻሕቲ ግን ናብ ኣመሪካ ክገሹ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ 2018 ዜጋታት ናይጄርያ፡ ብድምር ዜጋታት እተን ሓሙሽተ ሃገራት ካብ ዝረኸቡዎ ቪዛ ብዕጽፊ ዝዛይድ ቪዛ ረኺቦም ነይሮም እዮም።

እቲ ኽልከላ እተን ሽዱሽተ ሃገራት፡ሃገራት ኣመሪካ ዘቐመጠቶ ናይ ጸጥታን ሓበሬታ ምክፋልን መለክዒታት ስለዘየማላኣ ከምዝኾነ ሰብመዚ ኣመሪካ ይገልጹ።

ጸሓፊ ጉዳያት ጸጥታ ውሽጢ ዓዲ ቻድ ዎልፍ " እዘን ክልከላ ዝተገበረለን ሃገራት ብኣብዝሓ ሓገዝቲ ክኾና ዝደልያ እየን፤ እንተኾነ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ነቲ ዘቐመጥናዮ ዝተሓተ መመዘኒ ከማልኣ ኣይከኣላን'' ክብል ገሊጹ።

ብተወሳኺ እቲ ድኹም ዝኾነ ናይ ጸጥታ ሚዛነን ክመሓየሽን ካብቲ ዝርዝር ክወጻን ሓገዝ ከምዝግበረለን ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ኣብ 2017 እዩ ፈላማይ ናይ መገሻ እገዳ ኣንቢሩ። እታ ሃገር ኣብዚ አዋን ብኣብዝሓ ህዝበን ሙስሊን ንዝኾነ ሸውዓተ ሃገራት ማዕጾኣ ዕጹው እዩ።

ኣብ 2018፡ ኣመሪካ ን8 ሽሕ ናይጄርያውያን፣ 2ሽሕ ሱዳናውያን፣ 290 ታንዛንያውያንን 31 ኤርትራውያንን ቪዛ ዓዲላ ነይራ።

ኣመሪካ ኣብ 2017 እውን ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ናይ ዝተወሰኑ ዓይነታት ቪዛ ክልከላ ገይራ ነይራ እያ።

እቶም ሓደሽቲ ሕጊታት እንታይ እዮም?

ኣመሪካ ዜጋታት ናይጄርያ፣ ኤርትራ፣ ኪርጊስታንን ምያንማርን ኣብታ ሃገር ብቐዋምነት ክነብሩ ዘኽእሎም ቪዛ ምሃብ ጠጠው ክተብል እያ።

ዜጋታት ሱዳንን ታንዛንያን 'ውን፡ ውሑድ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ዘለወን ሃገራት ናብ ኣመሪካ ንምግያሽ ዘኽእል ናይ ሎተሪ ቪዛ( diversity visas)፡ ከመልክቱ ኣይፍቀደሎምን።

ንዜጋታት እዘን ክልከላ ዝተገበረለን ሃገራት፡ ንምብጻሕ፣ ስራሕን ሕክምናን ብጊዝያውነት ንምጽናሕ ዝወሃብ ቪዛ ግን በዚ ሓድሽ ሕጊ ከምዘይቅየድ ቻድ ዎልፍ ገሊጽኡ።

ካብተን ዝገዳ ዝተነበረለን ሃገራት በዝሒ ገያሾ ዘለዋ ናይጄርያ እያ። ከትጊስታንን ሱዳንን ዝበዝሕ ሙስሊም ህዝቢ ዘለወን ኮይነን፡ ናይጄርያን ኤርትራን ድማ ፍርቂ ህዝበን ሙስሊም ከምዝኾነ ይግለጽ።

እቲ እገዳ እንታይ እዩ?

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ጥሪ 2017 ስልጣን ምስሓዘ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ እዩ ኣመሪካውያን ንምሕላው ጠቓሚ እዩ ብዝብል፡ ናይ መገሻ እገዳ ፈሪሙ።

ኣብ ፈለማ እቲ ክልከላ ኣብዝሓ ሙስሊም ዝነብሩለን ሸውዓተ ሃገራት ዘጠቓለለ ነይሩ፤ ጸኒሑ ብቐረቡ ተቓውሞታት ዝተወሰነ ምምሕያሽ ተገይሩሉ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዜጋታት ኢራን፣ ሊብያ፣ ሶማሊያ፣ ሶርያ፣ የመን፣ ቬነዝዌላን ሰሜን ኮርያን እገዳ መገሻ ዝተገበረሎም እዮም። እንተኾነ ተምሃሮን ገለ ኣብታ ሃገር ወሳኒ ጉዳይ ዘለዎም ሰባትን ግን ቪዛ ክረኽቡ ይፍቀደሎም እዩ።

ተወሳኺ ዛንታ