ኣብ ቻይና ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ዋላ ብናቶም ወጻኢ ናብ ዓዶም ክምለሱ ይሓቱ

ሶልያና አረጋዊ Image copyright SOLIANA AREGAWI

እታ ኮሮኖቫይረስ ፈለማ ዝተልዓለላ ቻይናዊት ከተማ ውሃን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ፤ መንግስቲ ናብ ዓዶም ንክምለሱሉ ዝኽእሉ ኩነታት ከፈጥረሎም ሓቲቶም።

ኣብታ ከተማ ዝርከብ ናይቶም ተምሃሮ ማሕበር ዝበተኖ ቓለ-መሕትት ዘረኸቦ ውጽኢት፡ 95 ሚኢታዊ ካብኣቶም ናብ ዓዶም ክምለሱ ከምዝደልዩ የርኢ ።

ፕረዚደንት ሕብረት ተምሃሮ ፡ ዘሃራ ኣብዱልሃዲ ንቢቢሲ ከምዝገለጸቶ፡ 41 ሚኢታዊ መንግስቲ ወጻኢኦም ሸፊኑ ናብ ዓዶም ክመልሶም ከምዝደልዩ፡ 54 ሚኢታዊ ድማ መንግስቲ ጉዕዘኦም እንተ ኣመቻችኢሎም መምለሲ ወጻኢታቶም ዓርሶም ሸፊኖም ዋላ እንተኾነ ክምለሱ ከም ዝደልዩ ሓቢራ።

ቅድም ክብል እቲ ሕብረት፡ እቶም ተምሃሮ ናብ ዓደም ንኽመልሶም ናብቲ ከባቢ ዝርከብ ጨንፈር ኤምባሲ ኢትዮጵያ ሕቶ ከምዘቕረበ ዛህራ ተዘኻኽር።

እቲ ሕብረት፡ ናይቶም ተምሃሮ ድሌት እንታይ ምዃኑ ንምርግጋጽ እዩ ቃለ መሕትት ዝሓዘ ወረቐት በቲኑ።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ነቲ ሕቶ መልሲ ንምሃብ መጽናዕቲ የካይድ ከምዘሎ ምግላጹ ይዝከር።

እንተኾነ እቲ ናብቲ ኤምባሲ ቀሪቡ ዝተብሃለ ናይቶም ተምሃሮ ድሌት ዝገልጽ ውጽኢት እቲ ዳህሳስ ብዝምልከት፡ እቲ ኤምባሲ ሓበሬታ ከምዘይብሉ፡ ኣብቲ ኤምባሲ ምክትል ሚሽን ኣይተ ገነት ተሾመ ንቢቢሲ ገሊጹ።

Image copyright NurPhoto

ኣብታ ምንጪ ናይቲ ቫይረስ ምዃና ዝግለጽ ዘሎ ከተማ ዉሃን ካብ 300 ንላዕሊ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ምስቲ ሓድሽ ቫይረስ ተዛሚዱ፡ ካብ'ዛ ስማ ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ ከተማ ዉሃን ዝመጽኡ ተጓዓዝቲ ዳጒኑ ከምዘቕምጦም ሎሚ መዓልቲ ሚኒሲተር ሓለዋ ጥዕና ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት